መኪና ኣደኡ ኣተሲኡ ዝዘወረ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ሆላንዳዊ ህጻን ኣዘራራቢ ኮይኑ

ምንጪ ስእሊ, Police Utrecht North
ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ሆላንዳዊ ህጻን ናይ ኣዲኡ መኪና ኣተሲኡ ድሕሪ ምዝዋሩ መጻኢኡ ተወዳዳሪ ቅድድም መካይን 'ፎርሙላ ዋን' ክኸውን ከም ዝኽእል ይዝረበሉ ኣሎ።
ብመሰረት ሓበሬታ ፖሊስ ከተማ ኡትሪኽት እቲ ብጃማ ለቢሱ ዝነበረን ህጻን ብቐዳም'ዩ ንኽልተ ተጸጊዐን ዝነበራ መካይን ድሕሪ ምህራም ጥራይ እግሩ ኣብ ጽርግያ ክኸይድ ተራእዩ።
እቲ ቈልዓ በቲ ቀዝሒ ንበይኑ ኣብ ጽርጊያ ከኸይድ ብምርኣዮም ዝተሻቐሉ ሰባት ናብ ፖሊስ ብምድዋል ሓበሬታ ሂቦም።
ፖሊስ ብኢንስታግራም ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ በቲ ፍጻመ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝበጽሐ ጉድኣት ከም ዘየለ ድሕሪ ምግላጽ፡ እቲ ቈልዓ፡ ብቐዳም ኣቡኡ ናብ ስራሕ ምስ ከደ ናይ ኣዲኡ ናይ መኪና መፍትሕ ብምሓዝ "ተዛዊረ ክመጽእ" ብምባል ከም ዝነቐለ ሓቢሩ።
ፖሊስ ሓበሬታ በጺሕዎ ናብቲ ከባቢ ምስ ተንቀሳቐሰ፡ ንኽልተ ተጸጊዐን ዝነበራ መካይን ዝሃረመት ሓንቲ መኪና ኣብ ማእከል ጽርጊያ እዩ ረኺቡ።
እታ መኪና ብስም ኣደ እቲ ህጻን ዝተመዝገበት ምዃና ዘረጋገጹ ኣባላት ፖሊስ፡ ናብ ኣዲኡ ቴለፎን ደዊሎም።
ነታ ቴለፎን ነቲ ቈልዓ ምስ ኣቐበልዎ መኪና ከም ዝዝውር ዘሎ ዘስምዕ ድምጽን ምንቅስቓስ ናይ ኣእዳውን ይገብር ምንባሩ እቶም ኣባላት ፖሊስ ገሊጾም።

ምንጪ ስእሊ, Police Utrecht North
"ሽዑ መራሒ እታ መኪና፡ እቲ ቆልዓ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሚትና" ይብል እቲ ካብ ፖሊስ ዝተረኽበ ሓበሬታ።
እቲ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ቈልዓ ናብ መደበር ፖሊስ ምስ ተወሰደ ኣዲኡ ክሳዕ እትመጾ ውዑይ ዝስተ ነገርን መጻወቲ ባምቡላን ከም ዝተዋሃቦ ፖሊስ ገሊጹ።
ብድሕሪኡ ናብቲ ቦታ ሓደጋ ብሓባር ብምኻድ፡ እታ መኪና ከመይ ከም እትሰርሕ ከርእዮም ሓቲቶምዎ።
እቲ ኣዲኡ "ኣስተውዓሊ" ምዃኑ እትዛረበሉ ቆልዓ፡ ንማዕጾ እታ መኪና ብመፍትሕ ከፊቱ ኣብ መወልዒ ናይ ሞተር ድሕሪ ምግባር ኣእጋሩ ኣብ ፍሪስዮነን ፍሬኖን ከም ዘቐመጠ ፖሊስ ሓቢሩ።
ወለዲ መፍትሕ ናይ መኪና ደቆም ኣብ ዘይረኽብዎ ስፍራ ከቐምጡ'ውን መኺሩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







