ፖሊስ ኬንያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብኢደ ወነኑ 167 ሰባት ቀቲሉ – ኣምነስቲ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፖሊስ ኬንያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ 167 ሰባት ካብ ሕጊ ወጻኢ ከምዝቐተለን፡ ገሊኦም ድማ፡ እገዳታት ኮቪድ-19 ብምጥሓሶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝነበሩ ከምዝኾኑን ኣምነስቲ ኢንርናሽናል ኣፍሊጡ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ ዓመተ 2021፡ 33 ሰባት ብፖሊስ ተገዲዶም ምስተወስዱ ደሃዮም ከምዘይፍለጥን ከምዝተሰወሩን፡ ዝኾነ ሓለፍነት ዝወስድ ከምዘይተረኽበን ኣብ ጸብጻቡ ሓቢሩ።
ኣምነስቲ ኣብ ጸብጻቡ፡ ኣብ ዓመተ ኣ2021፡ ፖሊስ ኬንያ ዘይግቡእን ተመጣጣኒ ዘይኮነን፡ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ንሞት ዘቃልዕ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ብምውሳድ፡ ሰለማዊ ሰልፍታት ክብትን ፈቲኑ ብምባል'ውን ከሲሱ።
መብዛሕተኦም ካብቶም ኣብ ኢድ ፖሊስ ዝርከቡን መጥቃዕቲ ዝተፈጸሞምን፡ ካልእ ተሪፉስ፡ ክሲ'ኳ ከምዘይተመስረቶም ኣፍሊጡ ኣሎ።
"ካብቶም፡ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ናብ ዝኣተውዎ ዘይተፈልጠን፡ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝተቐትሉ ሰባት፡ ኣብ ልዕሊ እቶም 28 ጥራይ እዩ ክሲ ተመስሪቱ" ይብል እቲ ሓድሽ ጸብጻብ ኣምነስቲ።
ኣብቲ ጸብጻብ ካብ ዝተጠቕሱ ብሃበ ተረኽበ ዝተፈጸሙ ቅትለታት፡ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ናይሮቢ፡ ኣብ ጉዳይ መጓዓዝያ፣ ጥዕናን መሰረተ ልምዓትን ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብጥይት ተተኲሱዎ ዝተቀትለ፡ ኣሌክስ ማቻሪያ ዋንጂኩ ይርከቦም።
"እዚ ዘሕዝን ፍጻመ ብዝምልከት፡ ንፖሊስ ዝቆጻጸር ዘይሻራዊ ትካልን፥ ዘይሻራዊ ሲቪክ ማሕበረሰብን፡ ብሓደ ኾይኖም ብጥምረት ዘካይድዎ ምርመራ ዛጊድ ኣይተዛዘመን" ይብል ኣምነስቲ።
ነዚ ጸብጻብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብዝምልከት፡ ፖሊስ ኬንያ ዛጊድ ዝሃቦ ምላሽ የለን።
ፕረዝዳንት'ታ ሃገር፡ ኡሁሩ ኬንያታ ግና፡ ፖሊስ መምርሕታት ክልከላ ኮቪድ-19 ኣብ ምትግባር ግቡእ ዘይኮነ ሓይሊ ብምጥቃም፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ጉድኣት ምብጽሑ ኣመልኪቱ ይቕረታ ምሕታቱ ዝዝከር እዩ።
ፖሊስ ኬንያ፡ ጭካነ ዝተመልኦን ዘስካሕኽሕን ተግባራት ዝፍጽሙ ኣባላት ከምዘለዉዎ ዝኽሰስ ኮይኑ፡ ላዕለዎት ሓለፍቱ ግን ኣባላት ጸጥታ ግቡእ ስልጠና ዝወሰዱ ከምዝኾኑ ብምግላጽ፡ ይሙግት።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







