ኬንያ፡ ጃምላዊ ምምራዝን ሞትን ኣግማል ኣጋጢሙ

ዝሞተ ግመል

ምንጪ ስእሊ, Shanda Guyo

መግለጺ ስእሊ, ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ፡ ካብ ሞንጎ እቶም ዝሞቱ ኣግማል ገሊአን ዝወለዳ ብምዃነን እተን ኣናእሽተይ ደቀን ከይሞታ ሰጊኦም

ኣብ ሰሜናዊ ኬንያ ንመስተ ውሑስ ዘይኮነ ማይ ሰትዮም ከም ዝተመረዙ ዝግለፅ 94 ኣግማል ሞይቶም።

ካልኦት 26 ኣግማል ድማ ኣብ ፅኑዕ ኩነታት ከምዝርከቡ በዓልመዚ ሕክምና እንስሳ ሻንዳ ጉዮ ንቢቢሲ ገሊፂም።

እዚ ጅምላዊ ሞት ኣግማል፡ ንወነንቶም ዓብይ ክሳራ ከምዝኾነ ድማ ሓቢሮም።

ኣግማል፡ ኣብ ሰሜናዊ ኬንያ ንዝነብሩ ዓሌት ጋብራ ኣመና ተማእዘዝትን ተፈቀርትን እንትኾኑ፡ ንመጓዓዝያ፣ ስጋን ፀባን ይጥቀምሎም።

በዚ ዘጋጠመ ጅምላዊ ሞት ዝሓረቑ ብዙሓት ኬንያውያን ሰበኽ ሳግም ድማ ሓዘኖም ይገልፁ ኣለዉ።

" ወነንቲ እዞም ኣግማል፡ ካብ ሞንጎ እቶም ዝሞቱ ኣግማል ገሊአን ዝወለዳ ብምዃነን እተን ኣናእሽተይ ደቀን ከይሞታ ኣብ ስግኣት እዮም ዘለዉ" ክብሉ ሻንዳ ጉዮ ገሊፆም።

"እዘን እንስሳ ደኺመን ስለዝነበሩ ጠጠው ምባል እኳ ኣይኽእላን ነይረን፤ ብስቓይ ኣብ መሬት እየን ዝላለዋ (ዘንከባልላ) ነይረን። እንተድኣ ቁርፀት ከብዲ ነይርወን ድማ፡ ንክሸና እውን እየን ዝፅገማ" ኢሎም።

"ቅድሚ ሕዚ ከምዚ ዓእነት ነገር ርኢና ኣይንፈልጥን ክብሉ ድማ ዘይልሙድነት እዚ ኣጋጣሚ ገሊፆም።

ዝሞተ ግመል

ምንጪ ስእሊ, Shanda Guyo

ዝሞተ ግመል

ምንጪ ስእሊ, Shanda Guyo

ሕክምናዊ ክንክን ዝግበረሉ ገመል ዘርኢ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Shanda Guyo

እዞም ኣግማል ብናይትሬት ኣሲድ እንከይተመረዛ ከምዘይተርፉ ድማ ስኽፍትኦም ገሊፆም።

ነዚ ንምፅራይን ንምርመራ ዝኸውን ቅምሶ ንምእካብን ድማ ልኡኽ ጉጅለ ናብቲ ከባቢ ከምዝተልኣኸ ሓቢሮም።

ስእሊ ኬንያ
መግለጺ ቪድዮ, ሳራ፡ ማታቱ ዝበሃላ ማእከሎት ኣውቶብሳት ብቅብኣ እተፀባብቕ መንእሰይ

እዚ ጅምላዊ ሞት ኣግማል ኣብ ሰሜናዊ ኬንያ ካብ ከተማ ማርሳቢት 300 ኪሎሜትር ርሒቓ ኣብ ትርከብ ኢል-ሃዲ እዩ ኣጋጢሙ።