ኬንያ፡ ጃምላዊ ምምራዝን ሞትን ኣግማል ኣጋጢሙ

ምንጪ ስእሊ, Shanda Guyo
ኣብ ሰሜናዊ ኬንያ ንመስተ ውሑስ ዘይኮነ ማይ ሰትዮም ከም ዝተመረዙ ዝግለፅ 94 ኣግማል ሞይቶም።
ካልኦት 26 ኣግማል ድማ ኣብ ፅኑዕ ኩነታት ከምዝርከቡ በዓልመዚ ሕክምና እንስሳ ሻንዳ ጉዮ ንቢቢሲ ገሊፂም።
እዚ ጅምላዊ ሞት ኣግማል፡ ንወነንቶም ዓብይ ክሳራ ከምዝኾነ ድማ ሓቢሮም።
ኣግማል፡ ኣብ ሰሜናዊ ኬንያ ንዝነብሩ ዓሌት ጋብራ ኣመና ተማእዘዝትን ተፈቀርትን እንትኾኑ፡ ንመጓዓዝያ፣ ስጋን ፀባን ይጥቀምሎም።
በዚ ዘጋጠመ ጅምላዊ ሞት ዝሓረቑ ብዙሓት ኬንያውያን ሰበኽ ሳግም ድማ ሓዘኖም ይገልፁ ኣለዉ።
" ወነንቲ እዞም ኣግማል፡ ካብ ሞንጎ እቶም ዝሞቱ ኣግማል ገሊአን ዝወለዳ ብምዃነን እተን ኣናእሽተይ ደቀን ከይሞታ ኣብ ስግኣት እዮም ዘለዉ" ክብሉ ሻንዳ ጉዮ ገሊፆም።
"እዘን እንስሳ ደኺመን ስለዝነበሩ ጠጠው ምባል እኳ ኣይኽእላን ነይረን፤ ብስቓይ ኣብ መሬት እየን ዝላለዋ (ዘንከባልላ) ነይረን። እንተድኣ ቁርፀት ከብዲ ነይርወን ድማ፡ ንክሸና እውን እየን ዝፅገማ" ኢሎም።
"ቅድሚ ሕዚ ከምዚ ዓእነት ነገር ርኢና ኣይንፈልጥን ክብሉ ድማ ዘይልሙድነት እዚ ኣጋጣሚ ገሊፆም።

ምንጪ ስእሊ, Shanda Guyo

ምንጪ ስእሊ, Shanda Guyo

ምንጪ ስእሊ, Shanda Guyo
እዞም ኣግማል ብናይትሬት ኣሲድ እንከይተመረዛ ከምዘይተርፉ ድማ ስኽፍትኦም ገሊፆም።
ነዚ ንምፅራይን ንምርመራ ዝኸውን ቅምሶ ንምእካብን ድማ ልኡኽ ጉጅለ ናብቲ ከባቢ ከምዝተልኣኸ ሓቢሮም።

እዚ ጅምላዊ ሞት ኣግማል ኣብ ሰሜናዊ ኬንያ ካብ ከተማ ማርሳቢት 300 ኪሎሜትር ርሒቓ ኣብ ትርከብ ኢል-ሃዲ እዩ ኣጋጢሙ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







