ኣብ ኬንያ፡ ስርቂ ብጉልባብ ልብሲ ደናግል

ስርቂ ብጉልባብ ልብሲ ደናጉል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ስርቂ ብጉልባብ ልብሲ ደናጉል

ፖሊስ ኬንያ ሓንቲ ልብሲ ደናግል ዝተኸድነት ሰብ: 10 ደቒቕ ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ ካረን ኣብ ዝተባህለ ቦታ ናይ ወጻኢ ባጤራ ካብ ዘሸራርፍ ትካል $35,000 (£25,000) ገንዘብ ሰሪቓ ከምዘምለጠት ሓቢሩ።

እቲ ስርቂ ኣብ ኣዚዩ ሓጺር ግዜ ስለዝተፈጸመ ንዋርድያ እቲ ቀጽሪ ኮነ፡ ንተኸታተልቲ ገበን ከምዘገረሞምን ከምዘሸገሮምን እውን ገሊጹ።

ናይቲ ቀጽሪ መቆጻጸሪ ካሜራ ከምዝሰነዶ፡ እታ ልብሲ ደናግል ዝተኸድነት ሰብ፡ በቲ መፈተሺ ማዕጾ ሓሊፋ ኣብቲ ባንኮ ምስ ዝነበረ ወሃቢ ኣገልግሎት ተዘራሪባ ንውሽጢ ኣትያ ዘድልያ ገንዘብ ጠራኒፋ ሃዲኣ ከምዝወጽአት የርኢ።

ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር፡ ኣብ ጥቓ እዚ ሕጂ ስርቂ ዝተፈጸመሉ ኣከባቢ፡ ቲካ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ሰረቕቲ 30 ሜትሮ ገለርያ ኩዒቶም ካብ ባንክ $500,000 ዶላር ዝኣክል ገንዘብ ምስራቖም ይዝከር።