መርመርቲ ብልሽውና ኬንያ ብንውር ተግባር ዝተጠፋፍአ 80 ሚልዮን ዶላር ኣቃሊዖም

ምንጪ ስእሊ, MATT CARDY
ዳይሬክተር ዓቃቢ ሕጊ እታ ሃገር ንቢቢሲ ከምዘፍለጦ፡ ካብቶም ሕቶ ዘልዓሉ ዘይሕጋዊ ምዝውዋራት ገንዘብ፡ ንገለ ነባራት ሰብመዚ እታ ሃገር ዘሳተፉ'ዮም።
ኣብ ኬንያ ካብ ዝተቓልዑ ተመሳሰልቲ ንዉር ተግባራት እዚ ቀረባ እዋን ኮይኑ፡ ንሃገራዊ ኣገልግሎታት መናእሰይ እታ ሃገር ክሃስይ ከሎ ንሳልሳይ ግዜ እዩ።
እቲ ክፍሊ ንመናእሰይ ስልጠና ክህብን ኣብታ ሃገር ዘሎ ስእነት ስራሕ ኣብ ምቅላል ክሰርሕን ዝተጣየሰ'ዩ ነይሩ።
ይኹን ዳኣ'ምበር እቶም ተረባሕቲ፡ ኣብ ሓላፍነት ዝርከቡን ሰብመዝን ከምዝኾኑ ይጥርጠር።
ገንዘብ ብዘይሕጋዊ መገዲ ምዝውዋር፣ ንዘይምልከቶም ኩባንያታት ክፍሊት ምፍፃም፣ ንዘይቀረበ ኣገልግሎታት ክልተ ግዜ ምኽፋልን ዝመሳሰሉን ተግባራት ተፈፂሞም።
ዳይሬክተር ዓቃቢ ሕጊ ኑርዲን ሓጂ፡ እቲ ምርመራ ምስተፃፈፈ ክሲ ከምዝጅመር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ሓቢሮም።
ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዝተቓለዐ ተመሳሳሊ ተግባር ዝተፈላለዩ ሰብመዚ ስልጣኖም ክስእኑ ገይሩ'ዩ። እቲ ናይ ሕዚ ግን ብመጠን ገንዘቡ ካብቲ ናይ ሽዑ ብዓሰርተ ዕፅፊ ይዛይድ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







