ወሰኽ ዋጋ መግቢ ኬንያ፡ ስለ ምንታይ'ዩ ዋጋ ዝንህር ዘሎ?

ምንጪ ስእሊ, AFP
ብዙሓት ኬንያውያን ተቖጢዖም ኣለው፤ እዚ ቑጠዐኦም ድማ ብሰፊሑ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ክዝርግሑዎ ተገዲዶም።
ናብራ ኸቢሩ፤ ካብዚ ብዝብገስ ዋጋ መግቢ፣ ኤሌክትሪክን ነዳድን ሰማይ ተሰቒሉ።
እቶም ዜጋታት፡ #lowerfoodprices ብዝብል ሃሽታግ መንግስቲ ኬንያ ኣብ ኩሉ ዓይነት ኣቕሓ ዝርኣይ ዘሎ ወሰኽ ዋጋ ልጓም ክገብረሉ ብዘይምኽኣሉ ህይወት መትሐዚ መጨበጢ ተሳኢኑዎ ብምባል ንመንግስቲ ይነቕፉ።
ኣብ ወርሒ ጥሪ ብተኸታታሊ ኽልተ ወርሒ እቲ ዝነበረ ዝቕባበ ዋጋ ናብ 5 ሚኢታዊት ወሪዱ ነይሩ።
ይኹን’ምበር ዋጋ መግቢ ከም ሕሩጽ ዕፉንን ስርናይን፣ ድንች፣ ኣሕምልትን ፍራምረን ክውስኽ እምበር ክንኪ ኣይተራእየን።
እዚ ከኣ ምስ እቶት ናይቶም ትሑትን ማእኸላይን እቶት ዘለዎም ሰባት ዝመጣጠን ኣይኮነን።
እቲ ብተኸታታሊ ንኽልተ ወርሒ ዝነበረ ዝቕባበ ኣብ ወርሒ ጥሪ 9 ሚኢታዊት ኮይኑ፤ እዚ ማለት ኬንያውያን ኣብ ጠረጴዛ ዘቕርቡዎ መግቢ ይጽገሙ ኣለው እዩ።
ቢሮ ስታቲስቲክስ ኬንያ ናይ መግቢ ወጻኢ ድኻ ስድራቤታት ዝሽፍን 36 ሚኢታዊት ከም ዝኾነ ብምግላጽ እቲ ሸኽሚ ከቢድ ምዃኑ ይሕብር።
ብዙሓት ሰባት ዝርዝር ዝዕድግዎ መግቢ ብምክፋል ዋጋ ጸባ፣ ባኒ፣ ሽኮርን ሕሩጽ ዕፉንን ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ክንደየናይ ከም ዝነሃረ ይገልጹ ኣለው።
እዚ ድማ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ግዜ መግቢ ከቕርቡ ኣጸጋሚ ከም ዝኾኖም ይዛረቡ። እዚ ብደረጃ ውልቀሰብ እንትሽረፍ ኣዝዩ ኸቢድ እዩ።
ቤናንዲን ሙኒራ ወርሓዊ ባጀታ ከምቲ ቅድም ክብል ዝነበረ እኹል ኣስቤዛ ስለ ዘይሽፍነላ ኣብ ገዝኣ መግቢ ምቕራብ ከም ዝተጸገመት ካብ ሞንጎ ዝዛረቡ እያ።
“ዋጋ ሸቐጣት ኣዝዩ ንሂሩ፤ ፈጺሙ ክንጻወሮ ኣይንኽእልን። ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ዋጋ ናይ ስሊንደር ጋዝ ካብ 5 ክሳብ 6 ዶላር ዝነበረ ሕጂ ናብ 13 ዶላር እዩ ሓፍ ኢሉ። ብ26 ዶላር ዘንቢል ሙሉእ ኣስቤዛ ይገዝእ ነይረ፤ ሕጂ ጣቋ ዘይብለን ኮይነን” ኢላ።
እቲ ወሰኽ ዋጋ ካበይ ዝመጽአ’ዩ?
ወሰኽ ዋጋ መነባብሮ ካብ ዘቤታውን ግዳማውያን ጽልዋታት ክብገስ ዝኽእል እዩ።
ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ [ኣይኤምኤፍ] መንግስቲ ዝእክቦ እቶት ሓፍ ከብሎ ጸቕጢ ይገብረሉ ስለ ዘሎ፡ መንግስቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣቑሑት [ከም መግቢ መብሰሊ ጋዝ፣ ነዳድን መግብን] ግብሪ ወሲኹ።
ንኣብነት ብርክት ንዝበሉ ዓመታት መግቢ መብሰሊ ጋዝ ቫት ኣይነበሮን፤ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2021 ግን 16 ሚኢታዊት ክውሰኾ ተገይሩ።
እቲ ንዓውድታት ቱሪዝምን ሰደድ ዝጸለወ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብኽፋል ጸቕጢ ዘሕደረ ኮይኑ፡ ዋጋ መተዓዳደጊ ገንዘብ ኬንያ ሽሊንግ ጎዲሉ’ዩ።
ካብ ወርሒ ሚያዚያ 2021 ጀሚሩ ብ6 ሚኢታዊት ምጉዳል ብምርኣይ ኣብ ኩሎም ካብ ወጻኢ ኣታዊ ዝኾኑ ኣቑሑ ወሰኽ ዋጋ ተራእዩ።
ብተወሳኺ እቲ ለበዳ ዓለምለኻዊ ቀረባት ክተዓናቐፉ ስለ ዝገበረ ኣብ ጥቓ ዶባት ብቐሊሉ ዝርከቡ ዝነበሩ ቀረባት ምርካብ ኣጸጋሚ ክኸውን ገይሩ’ዩ።
ክኢላ ግብሪ ኮዲ ኣፍሪቃ ኤልኤልፒ ኒክሂል ሂራ “ሕጂ ዋጋ መነባብሮ ካብ ቑጽጽር ወጻኢ ከም ዝኾነ ዘጠራጥር ነገር የብሉን። እዚ ድማ ብፍላይ ነቶም ኣብ መዓልታዊ እቶት ዝሙርኮሱ ሰባት ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ፤ ንሳ ከይረኸቡ ንምሸቱ ክበልዑ ኣይኽእሉን” ኢሉ።
መንግስቲ እንታይ ክገብር ይኽእል?
ኣብ ሓጺር ግዜ መንግስቲ ኣብቶም ከም ናይ መግቢ ነዳድን መግብን ዝበሉን ኣቑሑ ዘሎ ቫት ብምጉዳል ገለ ሩፍታ ክፈጥር ይኽእል እዩ።
ግን ድማ ነቲ ለውጢ ዝኸውን ሓድሽ ፖሊሲ ግብሪ ከተኣታቱ ኣለዎ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሚኒስትሪ ነዳዲ መስርሕ ድጎማ መሰረት ብምግባር ንተጠቀምቲ ከለላ ንምሃብ መንግስቲ ንኣቕረብቲ ነዳዲ ካሕሳ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ክኸፍል ዘኽእል መደብ የዳሉ ኣሎ።
ሚኒስትሪ ኢነርጂ ብወገኑ ካብ ወርሒ ታሕሳስ 2021 ጀሚሩ ኣብ ዋጋ ጸዓት 30 ሚኢታዊት ምንካይ ገይሩ’ዩ።
እቲ ሕጂ ተራእዩ ዘሎ ጉዳይ ወሰኽ ዋጋ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝካየድ መረጻ ዓብዪ ተራ ክህልዎ እዩ።
እቲ ንፕሬዝደንት ኡህሩ ኬንያታ ክትክኦ’ዩ ዝብሃል ምኽትል ፕሬዝደንት ዊልያም ሩቶ ውሕስነት መግቢ ከረጋግጽ ይመጻባዕ እዩ ዘሎ።
“ኣብ ሕርሻ እኹል ገንዘብ ከነውፍር ኢና፣ እኹል መግቢ ከነፍሪ፣ ዋጋ ዘራእትን ድኹዕን ከነጉድል ኢና፤ ኣብ ኬንያ ዋጋ መነባብሮ ንምሕሳርን ኩሉ ኬንያዊ መግቢ ክረክብን’ውን ዋጋ መግቢ ከነጉድል ኢና” ክብል ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዝነበሮ ጎስጓስ ተዛሪቡ።
ቀንዲ ተነሓናሒኡ ራይዳ ኦዲንጋ ድማ ንኣስታት ክልተ ሚሊዮን ስራሕ ስኡናትን ዓቕሚ ዘይብሎምን ማእከል ዝገበረ ፕሮግራም ማሕበራዊ ሓለዋ ከተኣታቱ እየ ይብል።
በዚ ነፍሲወከፍ ወርሓዊ 55 ዶላር ይረክብ።
ይኹን’ምበር ኬንያውያን ብ2013 ፕሬዝደንት ኬንያታ’ውን ጎስጓስ ምረጹኒ ክጅምር እንከሎ ተመሳሳሊ ቃል ኣትዩ ምንባሩ ክዝንግዑዎ የብሎምን።
“ድኽነትን ሽቕለት ኣልቦነትን ሕጂ’ውን ንሃገርና ቖሪኖምዋ ኣለው። እዚኦም ተስፋ ሚሊዮናት ይሰርቁ ኣለው። 70 ሚኢታዊት መንእሰይ ኬንያ ስራሕ የብሉን። ነዚኦም ስራሕ ክንፈጥረሎም ኣለና፤ ስራሕ ክረኽቡ ምግባር ድማ ናተይ ቀዳምነት’ዩ” ኢሉ ነይሩ።
ባንኪ ዓለም ቑጠባ እታ ሃገር ኣብ 2022 ብ5 ሚኢታዊት ከም ዝዓቢ ይግምት።
ይኹን’ምበር ቑጽሪ ብዘየገድስ ኬንያውያን እቲ መጺኡ ዝብሃል ዕብየት ኣብ ህይወቶም ትርጉም ከምጽእ ክርእዩዎ እዮም ዝደልዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







