መንግስቲ ኬንያ ንመደበራት ቴለቪዥንን ሬድዮን ሃገሩ ዓፅዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መንግስቲ ኬንያ፡ መራሒ ሰልፊ ሕብረት ናሳ ራይላ ኦዲንጋ ቃለ-መሓላ ክፍፅሙ ኣብ ዝተሓሰበሉ መዓልቲ ንቀንዲ መደበራት ቴለቪዥንን ሬድዮን እታ ሃገር ዓፅዩ።
ኣብ ዝሓለፈ መረፃ ከምዝተዓወቱ ብደገፍቶም ዝእመነሎም ራይላ ከም ፕረዝደንት ኮይኖም ሎሚ መዓልቲ ቃለ-መሓላ ክፍፅሙ ትፅቢት ይግበር።
ብፕረዚደንት ኡሁሩ ዝምራሕ መንግስቲ እቲ ንሎሚ ዝተታሕዘ መደብ ሕጋውነት ከምዘይብሉ ብምሕባር ወነንትን መራሕትን ማዕከናት መራኸቢ ቀጥታዊ ሸፈነ ካብ ምሃብ ክቑጠቡ ኣጠንቂቑ።
ክፍጠር ካብ ዝኽእል ጎንፂ ሰጊኦም ኣብ ገዝኦም ክፀንሑ ዝወሰኑ ብዙሓት ነበርቲ ናይሮቢ እኳ እንተለዉ፡ ደገፍቲ ራይላ ግን ኣብቲ ዘዓበየ መናፈሻ እታ ከተማ ይተኣኻኸቡ ኣለዉ።
ዋና ፀሓፊ ካቢነ ሓበሬታ ጆ ሙቼሩ ኣብ ጉዳይ ምፅፃው መደበራት ቴለቪዥንን ሬድዮን ዝምልከት ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቦም ኣለው።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







