ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ኢትዮጵያ ምምላስ ተጀሚሩ

ምንጪ ስእሊ, The Ministry of Foreign Affairs of Ethiopia
ኢትዮጵያ ኣብ ስዑዲ ዓረቢያ ዝርከቡ ዜጋታት ምምላስ ከም ዝጀመረት ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣፍሊጡ።
ሎሚ መዓልቲ፡ ኣስታት 498 ስደተኛታት ኣብ ቦሌ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ዝበጽሑ ኮይኖም፡ ገለ ሰብ ስልጣን'ታ ሃገር ኣቀባብላ ገይሮምሎም።
ነቶም ስደተኛታት ካብ ስዑዲ ዓረብ ንምምላስን፡ ኣብ ሃገሮም እግሪ ክተኽሉን ክሰርሕ ዝተጣየሰ፡ ሃገራዊ ኮሚቴ እዩ ሎሚ ነቶም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ስደተኛታት ክምለስ ጀሚሩ ዘሎ።
እዚ 16 ኣባላት ዝሓቖፈ ኮሚቴ፡ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ከም ዝዘተየ'ውን ምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ኮሚቴ፡ ኣብ ውሽጢ ካብ ሸውዓተ ክሳብ ዓሰረት ሓደ ኣዋርሕ ኣብ ዘለዎ እዋን፡ ኣስታት 100 ሺሕ ኢትዮጵውያን ስደተኛታት ንከምልስሰ ይሰርሕ ምህላዉ'ውን ኣብ መግለጺ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ተሓቢሩ።
እቶም ስደተኛታት ንምምላስ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፡ ዘለውሉ ኩነታት ናይ ምጽራይን ምምዝጋብን ስራሕቲ ክስራሕ ከም ዝጸንሐ ብምግላጽ ካብቶም ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዝተመዝገቡ ኣብ መዕቀቢ ማእከላትን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማእሰርቲን ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ከም ዘካትት ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ዲና ሙፍቲ ተዛሪቡ ነይሩ።
''ናይ ምዝገባ ስራሕቲ ክስርሑ ስለ ዝጸንሑ፡ 35 ሽሕ ዜጋታት ንክምለሱ ተመዝጊቦም ኣለው። ነዚኦም ኣብ ሓጺር ግዜ ናይ ምምላስ ስራሕቲ ክህሉ'ዩ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይኹን ካብኡ ወጻኢ ዘለው ኩሎም ክምለሱ'ዮም'' ኢሉ።
ካብቶም ንክምለሱ ዝተመዝገቡ 35 ሽሕ ሰባት ግን ክንደይ ዝኣክል'ዩ እሱር፣ ክንደይ ዝኣክልከ ኣብ መዕቆቢ ማእከላት ይነብር ዝብል ዝርዝር ሓበሬታ ከም ዘይብሉ ዝገለጸ እቲ ወሃቢ ቃል ''ሓሓሊፉ ብሚዲያን ካልእን እንርእዮም ነገራት ስለ ዘለው ግን እቲ ዘለውሉ ኩነታት ጽቡቕ ከም ዘይኮነ ኢና ንርኢ" ክብል ኣብሪሁ።
ቅድሚ ሓደ ወርሒ ብሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሸዴ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ስዑዲ ዓረብ ብምኻድ ኣብ ዙርያ ኣተሓሕዛ እሱራትን ናብ ሃገሮም ዝምለስሉ ኩነታትን ምስ ሰብ መዚ እታ ሃገር ከም ዝተዘራረበ ሓበሬታ እቲ ሚኒስትሪ የመልክት።
ናብ ሃገሮም ንምምላስ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ስደተኛታት ናይ ምምላስ ስራሕቲ ድማ ብምኽንያት ምዝገባን ምጽራይን ከም ዝተደናጎየ ተዛሪቡ።
እንተኾነ ኣብቲ ግዜ: ሰብ መዚ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዙርያ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ቅሬታታት ከም ዘልዓሉ ኣምባሳደር ዲና ገሊጹ ነይሩ።
"ሰብ መዚ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት የቕርቡ'ዮም። እቶም ስደተኛታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ብየመን ዝኣተው'ዮም፤ ድሕነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእትው'ዮም፤ ጽቡቕ ስነ ምግባር የብሎምን ወዘተ ዝብሉ'ዮም። ዝኾነ ኾይኑ ግን መንግስቲ ዜጋታቱ ናይ ምውሳድ ግዴታ ስለ ዘለዎ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኩሎም ኣብታ ሃገር ዘለው ክንወስዶም ኢና ኢሉ። በዚ መሰረት እዩ ምዝገባ ተጀሚሩ"።
ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርታት ዓመታት ብምኽንያት ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ቁጠባዊ ጸገማት፣ ሸቕሊ ኣልቦነት፣ ድርቅን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ሓደገኛ ብዝኾነ ናይ ባሕሪ ጉዕዞ ብየመን ኣቢሎም ናብ ስዑዲ ዓረብ ክኣትው ጸኒሖም'ዮም።
ውሑድ ዘይብሃል ቑጽሪ ዘለዎም ድማ ብባሕርን በረኻታትን ብዝገብሩዎም ጉዕዞ ብዘጋጥሞም ሓደጋ ምኽንያት ከም ዝሞቱ ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







