ኮኾብ ዩቲዩብ ዝኾነ ህንዳዊ ሸቃላይ

ምንጪ ስእሊ, Isak Munda
ኣብ ህንዲ ግዝኣት ኦሪሳ መዓልታዊ ሸቃላይ ዝኾነ ኢሳክ ሙንዳ፡ ንለበዳ ኮሮና ቫይረስ ስዒቡ ሕዚ ኮኾብ ማሕበራዊ ሚድያ ኮይኑ ኣሎ።
ኢሳክ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ወርሒ መጋቢት 2020 እዩ ፈላማይ ቪድዮ ኣብ ዩትዩብ ብምልጣፍ፡ መገዲ ኮኾብነት ሀ ኢሉ ዝጀመረ።
እቲ እዋን ህንዲ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ፡ ሰባት ካብ ገዝኦም ከይወፅኡ ዕፅዋ ዘንበረትሉ ግዘ እዩ ነይሩ።
ነዚ ስዒቡ ኢሳክ ዝሰርሐሉ ዝነበረ ኢንድስትሪ ህንፃ፡ ስራሕ ደው ኣበለ። ንሱን መሓዝቱን ዓዲ ውዒል ክኾኑ ግድን ኮነ።
ኣብዚ እዋን ነይሩ፡ ኣብ ኣእምሩኡ ሓደ ሓሳብ ብልጭ ዝበለ።
ደቁ፡ ከም ደቂሎሚ ኣብ ዩቲዩብ ኣፍጢጦም ናይ ህፃናት ፊልም ይርእዩ ኣለዉ። ሃንደበት ግና ሓደ መወዓውዒ ኣብ ሞንጎ ብልጭ በለ። ኢሳክ ከም ወትሩ ነዚ መወዓውዒ ከሕልፎ ኣይሃፀፀን።
እቲ መወዓውዒ፡ ኣብ ዩቲዩብ ቪድዮ ብምልጣፍ ብኸመይ ገንዘብ ምርካብ ከምዝከኣል ዝሕብር’ዩ። ኢሳክ ንምንታይ ዘይፍትኖ በለ፤ ናብዚ ስራሕ ንምእታው ተጋእ መጋእ ኣይበለን።
ኣብ ዩቲዩብ ዝተለጠፉ፡ ብዛዕባ ዩቲዩብ ዝተለጠፉ ቪድዮታት መሪፁ ክርእይ ጀመረ። ድሕሪ እዚ ድማ ናይ ባዕሉ ፈላመይቲ ቪድዮ ኣብ ዩቲዩብ ለጠፈ።
እቲ ዝለጠፎ ቪድዮ፡ ኢሳክ ንተመልከትቱ ሰላም ምስበለ፡ ሸሓነ መሊኡ ዝቐረቦ ምግቢ ሩዝ ብስቕታ እናበልዐ ዘርእይ እዩ። ግና ከምቲ ዘተስፈዎ ኣይኮነሉን፤ ንናህቱ ቪድዮ ዝርእዩ ሰባት ኣይረኸበን።
“ንሓደ ሰሙን ዝኣክል፡ ዋላ ሓደ ሰብ ንናህተይ ቪድዮ ኣይረኣየን። ጉህየ ነይረ” ይብል።
እንተኾነ ተስፋ ኣይቆረፀን። ናብ ገፃት ዩቲዩብ ተመሊሱ፡ ብኸመይ ተመልከትቲ ምፍራይ ከምዝኽእል እንትዕዘብ፡ መወዓውዒ ምስራሕ ከምዝኽእል ተማሂሩ።
“ናይ ፌስቡክ ገፅ ከፊተ፡ ኣብኡ ምውዕዋዕ ስረሐይ ኢለ ሓዝክዎ። 10 ወይ 12 ሰባት ርእዮምለይ” ይብል።
ደሓር ግና ኣብ ግዝኣት ኦሪሳ ፍቱው ዝኾነ ‘ባሲ ፓካላ’ ዝተብሃለ ምግቢ ግጥም ኣቢሉ እንትበልዕ ዘርእይ ቪድዮ ብዙሓት ተመልከትቲ ኣውሓዘሉ።
“ብሓደ ግዘ 20 ሽሕ ሰባት ‘ሰብስክራይብ’ ገይሮምለይ። ካብ መላእ ዓለም፡ ካብ ኣሜሪካ፣ ብራዚል፣ ሞንጎልያ ነዚ ቪድዮ ርእየሞ” ብምባል ይዝክር።
ኣብዚ ክልተ ዓመት ድማ ‘ኢሳክ ሙንዲ ኢቲንግ’ ዝተብሃለ ገፅ ዩቲዩብ፡ ልዕሊ 800 ሽሕ ሰዓብቲ ኣለዎ።
ክሳብ ሕዚ ዝለጠፎም ተንቀሳቐስቲ ምስሊ ድማ፡ ልዕሊ 100 ሚልየን ተመልከትቲ ከጥርይ ኣኽኢለሞ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ቀዳማይ ሚኒስትር ናረንድራ ሞዲ፡ ኣብ ናይ ሓደ ራድዮ መደብ ቀሪቡ ንኢሳክ ንኢድዎ’ዩ።

ዩቲዩብ ብዩቲዩብ ምቁፅፃር
ኢሳክ ዝሰርሖም ምስልታት ብቋንቋ ዩቲዩብ “መክባንግ” ይበሃሉ።
ኣብዚ ዓውዲ ዝምደቡ ሰባት፡ ኣብ ቅድሚኦም ንካሜራ ዝሽፍን ምግቢ ብምምላእ ሓደሓደ ሱቕ ኢሎም ሓደ ሓደ ግዘ ድማ ምስ ተመልከትቶም እናውግዑ ብዙሕ ምግቢ ይበልዑ።
ከምዚ ዓይነት ቅዲ ኣብ 2012 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብ ደቡብ ኮርያን ጃፓንን እዩ ተጀሚሩ፤ ደሓር ድማ ናብ መላእ ዓለም ተዘርጊሑ። ሚልየናት ከኣ ኣድነቕቲ ከምዚ ዓይነት ቪድዮ እዮም።
ፈተውቲ ‘መክባንግ’ “ምግቢ ክንበልዕ እንከለና፡ ነዚ ቪድዮ ከፊትና ኢና ንበልዕ። ምኽንያቱ በይንና ከምዘይኮንና ክስመዐና ስለዝገብር” ይብሉ።
ኢሳክ ፈለማ ከምዚ ዓይነት ቪድዮ ኣብ ዩቲዩብ እንትልጥፍ፡ ብዛዕባ መክባንግ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረን። እንታይ ዓይነት ቪድዮ እንተለጠፍኩ ይሕሸኒ ኢሉ ሃሰው ኣብ ዝብለሉ እዩ፡ ምግቢ እናበልዐ ክልጥፍ ከምዘለዎ ዝወሰነ።
ብዛዕባ ዩቲዩብ ካብ ዩቲዩብ ትምህርቲ ዝቐሰመ ኢሳክ፡ “ተመልከትቲ ኣብ ነዳልዎ ምግቢ እንታይ ዓይነት ናብራ ከምንነብር ክርእዩ ይደልዩ’ዮም ኢለ ሓሰብኩ” ይብል።
እንታይ ዓይነት ካሜራ ክጥቀም ከምዘለዎ፣ ቪድዮ ምቕዳሕን ምድላውን፣ ብዛዕባ ምድላው ምግብን፡ ካብ ዩቲዩብ’ዩ ፍልጠት ረኺቡ።
ካብ ዘዋህለሎ ሰለስተ ሽሕ ሩፒ (39 ዳላር)፡ ቪድዮ ዝቐርፀሉ ሞባይል ዓደገ፤ ሻቡ ሰለስተ ሽሕ ንኢሳክ ብዙሕ እዩ። ሙሉእ ክፍሊት ናይዛ ዘበናዊት ስልኪ ድማ በብወርሑ ከፈለ።
ኢሳክ ናብ ቤት ትምህርቲ ዋላ እንተኸደ፡ ትምህርቱ ግና ኣይወድአን። በዚ ድማ ናይ ቋንቋ ኢንግሊዘኛ ክእለቱ’ውን ውሑድ’ዩ ነይሩ። እንተኾነ ብኢመይልን ማሕበራዊ ሚድያን ብዛዕባ ናይ ዩቲዩብ ገፁ ከወዓውዕ ጀሚሩ። ቴክኖሎጂ ጉግል ትራንስሌት ብምጥቃም፡ ብኸመይ ነቲ ዘዳልዎ ቪድዮ ንኡስ ኣርእስቲ ክገብረሉ ከምዝኽእል’ውን ተምሃረ።
ካብ እዋን ናብ እዋን ድማ ኣመሓየሸ።
ኣብቲ ብ 2020 ዝለጠፎ ፈላማይ ቪድዮ፡ ኢሳክ ሱቕ ኢሉ ምግቢ ክበልዕ’ዩ ዝረኣይ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣብ ለካቲት 2021 ዝለጠፎ ቪድዮ እንተርኢና ድማ እቲ ኣፈላላይ ጎሊሁ እዩ ዝረኣይ።
ኢሳክ፡ ሕዚ በብሰዓቱ ምግቢ እናበልዐ ቪድዮ ኣይልጥፍን። የግዳስ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እናኸደ፡ ባህሊ ሃገሩ የላልይ፤ ምድላው ኣብ ዘለዎም ቦታታት እናኸደ ይቐርፅ።
ህንዳውያን ሃናፂ ርኢቶ’ዮም ዝህብዎ። ዝነብሮ ህይወት እንከይቀነሰን እንከይወሰኸን ናብ ህዝቢ ስለዘቕርብ ብዙሓት ይፈትውዎ።
ኢሳክ ኣብ ዝሰርሖም ቪድዮታት፡ ዝበዝሕ ግዘ በዓልቲ ገዝኡን ደቁን ይረኣዩ።

ምንጪ ስእሊ, Isak Munda
ዕንፀይቲ ፈሊፁ፣ ሓዊ ኣጕዱ ዘብሰሎ ሩስ ምስ በዓልቲ ገዝኡን ደቁን እንትምገብ የርእይ።
“ዋላ’ኳ በብመዓልቱ ስጋ ምብላዕ እንተኽኣልና፡ ከም ኩሉግዘ ቅልል ዝበለ ምግቢ ምባለዕ ኢና ንመርፅ” ይብል።
ንደቀይ መፃኢ ህይወት
ኢሳክ፡ መዓልታዊ ሸቃላይ እንከሎ ኣብ መዓልቲ 250 ሩፒ ይረክብ ነይሩ። ኣብ ወርሒ 18 ወይ 20 መዓልቲ ሰሪሑ ዝረኽቦ ገንዘብ ስድርኡ ንምምሕዳር እኹል ኣይረኸበን። ንኣርባዕተ ደቁን፣ በዓልቲ ገዝኡን ወለዱን ንምምሕዳር ኢድ ይሓፅሮ ነይሩ።
ሕዚ ግና ካብ ዩቲዩብ ኣብ ወርሒ ካብ 60 ሽሕ ክሳብ 300 ሽሕ ሩፒ ይረክብ። ቅድሚ ሕዚ ይነብረላ ዝነበረት ቆንቋን (ክፈርስ ዝቐረበ) ጎጆ፡ ካብ ዩቲዩብ ብዝረኸቦ ገንዘብ በዓል ክልተ ደብሪ መንበሪ ህንፃ ብምስራሕ ተኪእዋ ኣሎ።
ንመፃኢ፡ ንደቁ መምሃሪ ዝኸውን ገንዘብ ዝቖጠበ እንትኾን፡ ዘገልገለት መኪናን ቪድዮታት ዘወሃህደሉ ላፕቶፕን’ውን ዓዲጉ’ዩ።
ኢሳክ ሙንዳ ሕዚ ኣብ ከባቢኡ ስሙይ ኮይኑ ኣሎ። ሓደ ሓደ ግዘ ንነበርቲ እቲ ከባቢ ድግስ የዳልው’ዩ። ደርሆ ሓሪዱ የቕርብ። ቀፃሊ ትልሚ ኢሳክ ደቁ ቋንቋ ኢንግሊዘኛ ኣቀላጢፎም ንክዛረቡ ናብ ዘኽእሎም ቤት ትምህርቲ ምውሳድ’ዩ።
“ደቀይ ኣብ ፅቡቕ ቤት ትምህርቲ ክመሃሩ እደልይ። ኣነ ብዙሕ ከይተመሃርኩ ከምዚ ምግባር እንተኽኢለ፣ ንሶም ተማሂሮም ዝሐሸ ነገር ክገብሮ ከምዝኽእሉ እየ ዝኣምን” ይብል።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







