ዋዕሮ፡ ተበግሶ ህንጸትን ምዕባይ ግንዛበን ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ

ዋዕሮ፡ ተበግሶ ዓርሰ ህንጸት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ

ምንጪ ስእሊ, Waero women

ነዚ ዛንታ እተንብቢ ዘለኺ ጓል ኣንስተይቲ እንተኾይንኪ፡ እስከ ንተኣከብ እሞ ብዛዕባ ነብስናን ሽግራትናን ንመያየጥ፣ ንነብሰና ሃኒጽና ንሕብረተሰብና ንለውጥ ንእትብል 'ዋዕሮ' ጓለንስተይቲ ተላሊኽያ'ዶ ኣለኺ?

"እታ 'ዋዕሮ' እትበሃል ዘላ እንታይ ዝገበረት እያ?" እንተይልኪ ድማ፡ ማእለያ ንዘይብሉ ግድላት ህይወት ስደት በዲሃ፡ ሓያልን ተወዳዳሪትን ጓለንስተይቲ ንኽትህነጽ ብዝከኣላ እትጽዕር ናይ ደቀንስትዮ ኔትዎርክ እያ።

እዛ ናይ ዋዕሮ ኔት ዎርክ፡ ኣብዚ ደቂ ሰባት ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ተረሓሒቖምሉ ዘለው እዋን ማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠቒማ ርእሰ ተኣማንነት ጓለንስትይቲ ክትሃንጽ፣ ስነ ኣእምሮኣዊ፣ ኣካላውን ጥዕናውን መዳያት ክትዕቅብ፣ ደቀንስትዮ ትምህርትን ናይ ስራሕ ዕድላት ንኽረኽባ፣ መርበባተን ንከስፍሓን ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂ ንኽመልካን እትሕግዝ ጉጅለ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ'ያ።

ዋዕሮ፡ ኣብ ውሽጣ ክኢላታት ስነ ልቦና፣ ሕክምና፣ ሚዲያ፣ ትምህርትን ቴክኖሎጅን ካልእን ዝሓቖፈት ኮይና፡ ኣብ ዝተፈላለየ ብርኪ ህይወት ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ንርእሰን ካብ ምፍላጥ ጀሚረን ዝገጥመን ዘቤታውን ግዳማውን ጸገማት ዝፍትሓሉ ግንዛበ ክተስርጽ ትጽዕር።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣብ ሽልማት 'ኣፍሪካን ሚዲያ ኣይከን' ዝወሰደት መስራቲት ደስታ ቲቪ፡ ሜሪ ማግደላይን ደበሳይ መስራቲት ዋዕሮ ኮይና፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ከመይ ኢላ ዝበለጸት ናይ ባዕላ [The beset version of herself] ክትኸውን ክሕግዛ ይኽእል ዝብል ባህጊ ሒዛ ነዚ ኔትዎርክ ኣበጊሳቶ።

ሜሪ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ መድረኻት ዓለም ዝተሳፈት፣ ንብዙሓት ኣብ ስደት ዝርከቡ መናእሰይ ብምትብባዕን ኣብ ሕብረተሰቦም ብሉጽ ኣበርክቶ ብምግባርን ካብ ዝስመዩ መንእሰያት እያ እኳ እንተተባህለት እቲ ጉዕዞ ግን ቀሊል ከም ዘይነበረ እያ ትዛረብ።

"ኣብ ሕሉፍ፡ [ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ] ካብ ነብሰይ ጀሚርካ ኣብ ኣኼባ ተዓዲመ ክኸይድ እንከለኹ፡ ኩሉ ግዜ ንነብሰይ ጸላምን ዝነኣሰት ጓል ኣንስተይቲ ኮይነ እረኽባ ነይረ። ካልኦት ከማይ ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ትምህርቲ ወዲአን ይወጽኣ እሞ እቲ ናይ ስደት ማዕበል ግን ውሒጡ የትርፈን። እዚ ክቕየር ኣለዎ" ትብል።

ብፍላይ እቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያቱ ካብ ሃገሩን ሕብረተሰቡን ዝርሕቕ ዘሎ ሰብ፡ ናይ ቋንቋ፣ ስራሕን ርጉእ ህይወትን ናይ ምርካብ ኮነ ምስቲ ኣብ ስደት ዝጸንሖ ሕብረተሰብ ናይ ምምስሳል ዓብዪ ጸገማት ስለ ዘጋጥሞ ብፍላይ ደቀንስትዮ ንዝተፈላለዩ ብድሆታት ይቃልዓ።

ሜሪ ማግደላይን'ውን ካብቲ ንዓኣ ዘጋጥማ ዝነበረ ሽግራት ተበጊሳ ምስ ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ ብምዃን ናይ ዓርሰ ምትሕግጋዝ፣ ህንጸት ዓቕምን ምስራጽ ግንዛበን ክኸውን ይኽእል'ዩ ዝበለቶ መራኸቢ ክትፈጥር ምድላያ ትዛረብ።

"ንዓይ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሕታት ሓሊፋ ዝጸንሐትኒ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ኣይነበረትን እንተለዋ እውን መራኸቢ ስለ ዘይነበረና ኣይተራኸብናን። ሕጂ'ውን ማእከላዊ ዝኾነ መራኸቢ የለን፤ ስለዚ ኣብ ዋዕሮ ብሓንሳብ ተጠርኒፍና ከመይ ገይርና ዝበለጽና ሰባት ንኸውን እዩ እቲ ሓሳብ" ኢላ።

ሜሪ ኣብ ስቱድዮ

ምንጪ ስእሊ, Mary

መግለጺ ስእሊ, ሜሪ ማግደላይን መስራቲት ዋዕሮ

ዋዕሮ፡ ብሸሞንተ መጋቢት 2021 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ክትምስረት እንከላ ኣብዚ እዋን 110 ኣባላት ኣለውኣ።

ኣብ ሰሙን ሓንሳብ ወትሩ ዓርቢ ከኣ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ብማንዛ ተመኩሮአን ይወለዋወጣ።

ተቐማጢት ኖርወይ መምህርን ኣካያዲት ስራሕ ዋዕሮን ዮዲት ዕቑበ፡ እቲ ጥርናፈ ኣብ ምሕያል ጓል ኣንስተይቲ ከም ዝሰርሕ ተረድእ።

ምሕያል ጓል ኣንስተይቲ ክበሃል እንከሎ፡ ኣብ ነብሰ ህንጸት ትኹረት ዝገበረ ኮይኑ ሞራላውን ውሽጣውን ጥዕና ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ዝሃንጹ ኣርእስታት ማሕበራዊ ህይወት ብምምጻእ ኣብ ሓዳር፣ ስራሕን መሰል ደቂ ኣንስትዮን ዝኣመሰሉ ትኹረት ንምግባር ከም ዝጽዕራ ገሊጻ።

"ጓል ኣንስተይቲ ንክትዛረብ ቦታ ትደሊ'ያ። ነዚ፡ በቶም ብማንዛ [ኢንተርነት] ኣቢልና ንገብሮም ዘተታት ነብሰ ህንጸት ነካይድ። ማዕረ ማዕሪኡ ከኣ ጓል ኣንስተይቲ ብኸመይ መሰላ ትፈልጥን ንመሰላ ትማጎትን ብቐንዱ እውን ብኸመይ ከተለልዮ ከምእትኽእል ንዛተ" ትብል።

'ሓገዝ ዝደልያ ይመጽኣና ኣለዋ'

ከም ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝበለ ሕብረተሰብ ንዝኾነ ኣካል ህይወቱ ዝኾኑ ጸጋታትን ጸገማትን ንምዝርራብ ከም ዑቁብ፣ መርዓን ሓዘንን ዝበሉ ናይ መራኸቢ ኣጋጣሚታት እዩ ዝጥቀም።

እቲ ኣብዚ ዘመን እናሰፍሐ ዝመጽአ ኢንተርነትን ኣማራጺታትን ማሕበራዊ ሚዲያን ድማ ነዚኦም እናለወጦምን ምርኻባት እናደረቶምን ብምምጽኡ ዝበዝሕ ክትዓትን ውዳበታትን ኣብ ኢንተርነት ዝተሞርኮሰ ይኸውን ኣሎ።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ ወትሩ ካብ ሰኑይ ክሳብ ሓሙስ ናብ ማሕበራዊ መላግቦታት ዋዕሮ እንተኸይድኪ፡ ብዛዕባ ካልኦት ነገራት ንክትሓስቢ ኮነ ሓላፍነት ዝስምዓ ሰብ ንክትኾኒ፡ ኩለ መዳያዊ ጥዕናኺ ክሕሎ ስለ ዘለዎ፡ ንኣመጋግባኺ፣ ኣካላዊ ምንቅስቓስ፣ ነብስኺ ትሕልውሎም መገዲታት ሓዊሱ ስራሕን ትምህርትን እትረኽብሎም መገዲታት ክጸንሓኪ'ዩ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ዋዕሮ ዓብዪ ውራየይ እትብሎ ግን ኣብ ዙርያ ዘቤታዊ ዓመጻትን ምልክታቶምን፣ ሰብኣዊ መሰልን ማሕበረሰባዊ ክብርታትን ዘድሃበ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ክመጽኣሎም ዝኽእሉ ርእሰ ጉዳያት ኣልዒልካ እሂን ምሂን ምባል'ዩ።

"ሓደ ሰብ ትምህርቲ፣ ፍቕራዊ ህይወት ወይ ብዝሒ ገንዘብ ጥራይ ሙሉእ ኣይገብሮን። ነዚ ኢና ኣብ ጥዕናን ማሕበራዊ ርክባትን ዘተኮረ ስራሕቲ ንሰርሕ። እቲ ለውጢ ከኣ ከኣ ድሮ ክንሪኦ ጀሚርና ኣለና፤ ስራሕ፣ ትምህርቲ ከምኡ እውን ጽቡቕ ሓዳር ዝረኸባ ኣለዋ" ትብል ሜሪ።

ዋላ'ውን ንመብዛሕትኦም ግድላት ስደት በዲሀን ትምህርተን ዝገብራ፣ ብኣግባቡ ደቀን ዘዕብያን ጽቡቕ ሓዳር ዝመርሓን መርኣያ ክኾና ዝኽእላ ሰብ ሓዳርን ደቀን ንበይነን ከዕብያ ዝመረጻን ደቂ ኣንስትዮ እንተሃለዋ፡ ብዝሒ ዝመጽኣናን እንርእዮን ጉዳይ ዘቤታዊ ዓመጽ ግን እዚ'ዩ ክብሎ ኣይክእልን" ብምባል እቲ ንኹሉ ሕብረተሰብ ብማዕረ ዝጸልዎ ዘሎ ጸገም ተልዕል።

ዮዲት ኣብቲ እትነብረሉ ሃገረ ኖርወይ ብሰንኪ ዘቤታዊ ዓመጽ ዘጋጠመ ቕትለት ሓንቲ ኤርትራዊት በዓልቲ ሓዳርን ካልእ ዓይነታት ዘቤታዊ ዓመጻት ምህላዎም ገሊጻ።

ሰባት ዝተፈላለየ መገዲ ጉዕዞ ስደት ሓሊፎም ኣብ ሳልሰይቲ ሃገር ክበጽሑ እንከለው፡ ነቲ ዝሓለፉዎ ግድላት ዝምጥን መፍትሒ ወይ ሃዋህው ካብ ዘይምጽንሑ ዝኾነ ጸገም እንተጋጥመካ ልብኻ ከፊትካ ከተዕልሎ እትኽእል ሰብ ዘይምህላው ብዙሓት ንጭንቀትን ካልኦት ተዛመድቲ ጸገማት ጥዕና ኣእምሮ ከም ዝቃልዑ ሰብ ሞያ ይገልጹ።

"ኩሉ ከበድቲ ጸገማት ሓሊፉ'ዩ ኣብዚ ዝበጽሕ። ግን እቲ ሰብ ኣብቲ ማሕበራዊ ህይወት፣ ሓዳር ወይ ርእሰ ተኣማንነት ዝምልከት ጸገማት ከጋጥሞ እንከሎ ክዘራረበሉ ዝኽእል ምእኩል ባይታ ብዘይምንባሩ ጎዲኡና'ዩ። ዝኾነ ሰብ ክኣ ዘለዎ ጸገም ዝምልከት ብፈውሲ ከይሓለፈ ክተርፍ እንከሎ ጸገም ምምጽኡ ኣይተርፍን" ክትብል ዮዲት ተረድእ።

ኣካያዲት ስራሕ ዋዕሮ ዮዲት ዕቑበ

ምንጪ ስእሊ, Waero women

መግለጺ ስእሊ, ኣካያዲት ስራሕ ዋዕሮ ዮዲት ዕቑበ

ብቐንዱ እቲ ኣብ ስደት ዘጋጥም ዘሎ ናይ ባህሊ ምትሕንፋጽ ድማ ማሕበራዊ ርክባት ደቂ ሰባት ናብ ግጭት ከም ዘምርሕ ከም ዝደፍኡዎ እትዛረብ ዮዲት፡ ስደት ዘምጽኦ ስነ ኣእምሮኣዊ ነውጺ ንኽልቲኡ ጾታ ብማዕረ ከም ዝጎድኦ ትኣምን።

"ንኣብነት ኣብ ዓድና ተራ ጓል ኣንስተይትን ወዲ ተባዕታይን ዝብሃል [ምቕሊ ዕዮ] ኣሎ፤ ኣብዚ ምስ መጻእካ ግን ህይወት ብማዕረ ኢኻ ትገጥሞ። እዚ ከኣ ነቲ ዝዓበናሉን ኣብዚ ዝጸንሐናን ብምግርጫው ሓደን ዓብዪ ጸገምን ኮይኑ ይስምዓኒ። ብሰንኪ እቶም ጸገማት ብኹሉ ዓይነት ሓገዝ ዝደልያ ይመጽኣና ኣለዋ። ነዚአን ብዝደልይኦ ክንሕግዘን እዩ ድልየትና" ትብል።

ሜሪ ካልእ ጸገም እትብሎ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሓዳር ከጋጥም ዝኽእል ዘቤታዊ ዓመጽ ወይ ንመሰል ዝምልከት ርድኢት ውሑድ ገሊኡ ድማ ግጉይ ተባሂሉ ክግልጽ ዝኽእል ከም ዝኾነ ትዛረብ።

"ናይተን ካብ ዓዲ ዝወጽኣ ዕውታት ደቀንስትዮ ኣይንርአ፤ ኣብ ዓዲ ክንደይ ደቂ ኣንስተዮ እየን ድላየን መሪጸን ተማሂረን ብዝተማህረኦ ዝሰርሓ ዘለዋ? ክንደይ እየን ካብአን ገለ ጸገም ከጋጥመን እንከሎ ንሰብ ክዛረባ ዝኽእላ? ክንደይከ'የን ትሕቲ ዕድመ ዝምርዓዋ ዘለዋን ከይተምሃራ ናብ ስደት ዝወጽኣ ዘለዋን? እቲ መሰል ካብዚ እዩ ዝጅምር" ኢላ።

ካልእ ደቂ ኣንስትዮ መብዛሕትኡ ግዜ ዘገድሰን ድማ፡ ፍርቂ ክፋል ሕብረተሰብ ዓለም ከም ምዃን መጠን ማዕረ ክፍሊት ማዕረ ስራሕ፣ ውሳነ ኣብ ዝወሃበሎም መሓውራት መንግስቲ ማዕረ ተሳታፍነት ክህሉ ምግባርን ዕድላት ትምህርትን ስራሕን ክመቻችኣለን ምኽኣልን እዩ።

ዋዕሮ ነዚኦም ዘማእኸለ ክትዓትን ስራሕቲ ምዕባይ ግንዛበን ክህሉ ትሰርሕ ከም ዘላ ብምግላጽ ድማ እቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝሓትኦ ዘለዋ ሓገዛት ንምሃብ ንክኽእላ ብፍልጠትን ካልእን ክሕግዙወን ዝደልዩ ሰብ ሞያ ከም ዝደልያ ገሊጸን።

"እቲ ፍርቂ ሕብረተሰብ ይጉዳእ ኣሎ እንተይልና ፈውሲ ክንደልየሉ ኢና መጺእና ዘለና። ነዚ ሒዝና ንፍዕቲ፣ ተባዕ፣ ሓያልን ጅግናን ጓል ኣንስተይቲ ክንፈጥር ኢና። ከምኡ ንነብሳን ሓዳራን ኮይና ንሕብረተሰብን ሃገርን እትኸውን ጓል ኣንስተይቲ ክንርኢ ኢና" ኢላ።

ኣብ ዋዕሮ፡ 'ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ንድሕሪት ክትተርፍ የብላን' ዝብል ናይ ወትሩ ዘረባ መስራቲት እቲ ጉጅለ ሜሪ ማግደላይን ምዃኑ ይልዓል።

ካብዚ ብምብጋስ ዕምቆት ሽግራት ብዘየገድስ እታ ጉጅለ "ዘይትጃጁ/ዘይትስኩ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ምፍጣር" እጃመይ ከበርክት'የ ኢላ ከም እትኣምን ኣባላታ ይዛረባ።

መግለጺ ቪድዮ, ሸሊል፡ደቂ ኣንስትዮ ትግረ ንሓዳር ዝሕረያሉ ጸወታ