ቅልውላው ትግራይ፡ 'ብምኽንያት መንነትና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተሳቒና'

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣባ ሳሙኤል ብጅምላ ዝተኣስሩ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, AS

ብርሃኑ ምስ ሓሙሽተ መሓዙቱ፡ ካብ ዝሰርሐሉ ቦታ ብኣባላት ድሕነት ተወሲዱ ን 73 መዓልቲታት ተኣሲሩ፡፡

ሄኖክ ብተመሳሳሊ ካብ ቤት ጽሕፈት ዝሰርሐሉ ናይ ወጻኢ ትካል ቅልቅል ክብል ኣድብዮም ብዝጸንሑ ሓይልታት ጸጥታ ተታሒዙ ተወሲዱ፤ ድሕሪ 64 መዓልቲታት ድማ ተፈቲሑ፡፡

እዞም ንድሕነቶም ክበሃል ሽሞም ዝተቐየረ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተወለድቲ ትግራይ፡ ብመንነቶም ጥራሕ ተኣሲሮም ክጠምዩ፣ ክሓሙን ክሳቐዩን ከም ዝተገበሩን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን እውን ዋላ ሓደ መዓልቲ ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዘይቀረቡን እዮም ዝገልጹ፡፡

እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንሞት፣ ስደትን ምፍንቓልን ሓያሎ ዜጋታት ምኽንያት ዝኾነ ኲናት ኣንፈት ማዕበሉ ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ እናደፈአ ምስ መጸአ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብኣቆጻጽራ ግእዝ 23 ጥቅምቲ 2014 ዓ/ም ኣብ መላእ እታ ሃገር ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝኸውን ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ፡፡

ነዚ ስዒቡ ኣብ እዋን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ከይተረፈ ናብ ቅድመ ግንባር ከም ዝወፈረ ዝተገለጸሉ ጫፍ ረስኒ እቲ ኲናት፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን ዓሌት መሰረት ዝገበረ ‘‘ዝመስል’’ ማእሰርቲ ደቂ ኣንስትዮ፣ ህጻናትን ሽማግለታትን ዝርከቡዎም ሓያሎ ሰባት ከም ዝተፈጸመ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ ነይሩ፡፡

ተሓላቒ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች እውን ኣብ ወርሒ ጥሪ ኢትዮጵያ ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ዘሰቅቕ ኩነታት ተኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ዓዶም ዝተባረሩ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ተወለድቲ ትግራይ ከም ዝኣሰረትን ከም ዝሰወረትን ከሲሱ፡፡

ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ብሓፈሻ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተወለድቲ ትግራይ ይኣስርን ዝውንንዎም ትካላት ንግድን ይዕሽግ ኣሎ ዝብል ተደገጋሚ ክሲ ኣቕሪቦም እዮም፡፡

ኣብቲ እዋን ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግብረ ሽበራዊ ኢሉ ዝበየኖ ውድብ ህወሓት ርክብ ዘለዎም ሰባት እምበር ብኣልማማ ከም ዘይኣሰረ ይገልጽ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ድማ ንጸብጻብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ‘ፈጠራ’ ክብል ከም ዝነጸጎ ይዝከር፡፡

ቅድሚ ሰሙናት ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ነቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዘ ምልዓሉ ስዒቡ ብዙሓት ኣብ ማእሰር ዝጸንሑ ተወለድቲ ትግራይ ክፍትሑ ጀሚሮም ኣለዉ፡፡

ካልኦት ብዙሓት'ውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘለዉ'ዩ ዝገልጹ፡ ንኣዋርሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ ተወለድቲ ትግራይ፡ ኣባ ሳሙኤል ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቤት ማእሰቲ ብዘይ እኹል ምግቢ፣ ማይን መድሓኒትን ተኣሲሮም ንኣካላውን ስነ ልቦናውን ጉድኣት ከምዝተቓልዑ ንቢቢሲ ተዛሪቦም፡፡

‘ካብ ዝሰርሓሉ ቤት ጽሕፈት ክወጽእ ተታሒዘ’

ሄኖክ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ሓደ ናይ ወጻኢ ትካል ተቖጺሩ እዩ ዝሰርሕ፡፡

ንሱ መንግስቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ተጋሩ ምእሳር ምስጀመረ፡ ግዳይ ንዘይ ምዃን ኣብ ኬንያ ናብ ዝርከብ ጨንፈር እቲ ትካል ተዛዊሩ ክሰርሕ ሓቲቱ፡፡ እንተኾነ ኣስራሕቱ ክፈቕዱሉ ኣይከኣሉን፡፡

‘‘ኣብ ገዛይ ኮይነ ክሰርሕ ግን ፈቒዶምለይ፡፡ ኣብ ገዛ ኮይነ እናሰራሕኩ ጸኒሐ’’ ይብል፡፡

ኮይኑ ግና ሓይልታት ትግራይ ናብ ከባቢ ደብረ ብርሃን ምስ ተጸግዑ እቲ ትካል ሰራሕተኛታቱ ካብታ ሃገር ምውጻእ ጀሚሩ፡፡

ሄኖክ እውን ናብ ኬንያ ንምኻድ ትኬት ቆሪጹ፤ 16 ሕዳር 2014 ዓ/ም ድማ ካብ ባንኪ ዶላር ንምርካብ ዝወሃብ ደብዳበ ካብቲ ዝሰርሐሉ ትካል ከምጽእ ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ኣፍደገ እቲ ዝሰርሐሉ ቤት ጽሕፈት ረጊጹ፡፡

‘‘ንሰላሳ ደቒቓ እየ ኣትየ፡፡ ልክዕ እታ ደብዳበ ኣፈሪመ እንትወጽእ፡ ሰለስተ ናይ ሲቪል ክዳን ዝተኸደኑ ኣባላት ድሕነት ሒዞምኒ፤ ግልጺ እዩ ብጥቆማ እየ ተታሒዘ፡፡ ትድለ ኣለኻ ኢሎም ናብ ጣብያ ወሲዶምኒ ’’ ይብል፡፡

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብጅምላ ዝተኣስሩ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, AS

ብርሃኑ'ውን መዓልታዊ ስርሑ ናብ ዘሳልጠሉ ህንጻ ሃንደበት ብዝመጹ ኣካላት ጸጥታ ፌደራል ምስ ሓሙሽተ መሳርሕቱ ተወለድቲ ትግራይ 25 ጥቅምቲ 2014 ዓ/ም ናብ ቤት ማእሰርቲ ተወሲዶም፡፡

‘‘ቻርጀር ከምጽእ ናብ ናይ መሓዛይ ኦፊስ ምስ ኣተኹ ሃንደበት መጺኦም ኣኪቦም ወሲዶምና’’ ክብል ነቲ ዝነበረ ኩነታት ይዝክር፡፡

ብርሃኑን ሄኖክን ዝተትሓዙሉ ምኽንያት ‘‘መንነቶም’’ ከም ዝኾነ እዮም ዝኣምኑ፡፡ ንሳቶም ከእስሮም ዝኽእል ዋላ ሓደ ግጉይ ተግባር ከምዘይፈጸሙ ይዛረቡ፡፡

‘‘ኣብ ብዙሓት ትካላት ዝሰርሑ ተወለድቲ ትግራይ እናተኣረዩ ይእሰሩ ነይሮም፡፡ ኣነ እውን ከም ሃገረይ ተታሒዘ’’ ይብል ሄኖክ፡፡

እዞም ክልተ ግዳያት ንዝተወሰነ መዓልቲታት ኣብ ጣብያ ፖሊስ ምስጸንሑ ኣብ ቃሊቲ ናብ ዝርከብ ‘‘ኣባ ሳሙኤል’’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቀጽሪ ተወሲዶም፡፡

ህይወት ኣብ ኣባ ሳሙኤል

ብርሃኑን መሓዙትን ንኣርባዕተ መዓልቲ ኣብ መደበር ፖሊስ ምስ ጸንሑ ’ሃምሳ ስምንት’ ተባሂሉ ናብ ዝጽዋዕ ማእከል መናእሰያት ተወሲዶም፡፡

ኣብቲ ማእከል ከካብ ከባቢኡ ዝተገፈፉ ሰባት ከምዝረኸበ ዝገልጽ ብርሃኑ እቲ ሽቓቕ ስለ ዘይኣክል ተጸጊሞም ምንባሮም ይሕብር፡፡

‘‘ምግቢ ይኣትወልና ነይሩ እዩ፤ ግና ሽቓቕ ስለዘይትረክብ ቆጢብካ ኢኻ ትበልዕ፡፡’’

ድሕሪ ሓደ ሰሙን ‘‘ናይ ጁንታ ተለኣኣኽቲ ኣብ ዝብል ዝርዝር መዝጊቦምና፡፡ ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልቲ፡ 1 ሕዳር ድማ ናብ እንዳ ኣባ ሳሙኤል ኣቲና’’ ይብል፡፡

‘‘ቀዳም ንጉሆ ካብ ጣብያ ጎተራ ናብ ዝበሃል ኮንሰንትሬሽን ካምፕ (መዳጎኒ) ወሲዶምኒ፡፡ ኣብኡ ምስ ዝጸንሑ ብዙሓት ሰባት ብሰለስተ ኣውቶቡሳት ጽዒኖም ናብ ኣባ ሳሙኤል ወሲዶምና’’ ዝብል ድማ ሄኖክ እዩ፡፡

ሄኖክ ነቲ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረ ኩነታት እንትገልጾ ‘‘ ኣባ ሳሙኤል ፍሉይ ዝገብሮ፡ ማንም ሰብ ክበጽሓካ ኣይፍቀድን፤ ዝመጸካ ክዳን ይኹን ምግቢ የለን፡፡ ቆላሕ ኢልካ ሰማይ ጥራሕ ኢኻ እትርእይ''።

‘‘ኣነ ንኣብነት ሓሙስ እየ ተታሒዘ፡፡ መሓዙተይ ተጋሩ ስለ ዝኾኑ ክመጹኒ ስለ ዘይክእሉ ብናይ ስራሕ መኪና ሓንቲ ቱታ ኣምጺኦምለይ፡፡ ፍርናሽ ይኹን ኣንሶላ ኣነበረንን፡፡ ስለዚ ናብ ኣባ ሳሙኤል ቅያር ክዳን ዘይብለይ እየ ኣትየ፡፡ ከማይ ዝበሉ ብዙሓት ነይሮም፡፡ ብዙሕ ሰብ ኣብ ባኮን ስሚንቶን እዩ ዝድቅስ ነይሩ’’ ይብል፡፡

ኣብ ክልተ ብሎካት እንዳ ኣባ ሳሙኤል ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ሰባት ተኣሲሮም ከምዝነበሩ ዝገልጹ ብርሃኑን ሄኖክን ኣብ ሓደ ክፍሊ ክሳብ 50 እሱራት ከም ዝነበሩ ይዝክሩ፡፡

‘‘ካብ ፍተሻ ንላዕሊ ሰብ እዩ እናጠቆመ ዘእስረካ፤ እቲ ሰብ ካብ ዝተፈላለየ ዓወዲ ዝመጸ እዩ፡፡ ነጋዶ፣ ደረፍቲ፣፣ ጠበቓታት፣ ሓካይም፣ ነርስታት፣ሰራሕተኛታት መንግስቲ፣ ኣብ ናይ ወጻኢ ትካላት ዝሰርሑ፣ ካብ ቤት ክርስትያን ዝተትሓዙ ኣቕሽቲ፣ ካብ መስጊድ ዝተትሓዙ፣ ትግራይ ኣበይ ከምዘላ ዘይፈልጡ ግን ተጋሩ ዝኾኑ፡ ብዙሓት እዮም’’ ይብል ሄኖክ ኩነታት እቶም ምስኡ ተኣሲሮም ዝነበሩ እንትገልጽ፡፡

ኣብቲ ቀጽሪ እኹል ምግቢ ከም ዘይቀረበሎም ዝገልጽ ብርሃኑ ኣብ መዓልቲ ሓሙሽተ ባኒ [ሕብስቲ] ይወሃቦም ከም ዝነበረ ይዛረብ፡፡

‘‘ቁርሲ ሓደ፡ ምሳሕን ድራርን ከክልተ ባኒ፡ ጸብሒ ዘይብሉ ይቐርበልና ነይሩ’’ ይብል፡፡

ከም ቅያር እንጀራን ሩዝን ይቐርብ ከም ዝነበረ ዝገልጽ ሄኖክ ብግዲኡ ብፍላይ ናይ ጨጓራ ሕማም ዘለዎምን እንጀራ ዘይበልዑን ሰባት ኣብ መዓልቲ ካብ ሰለስተ ባኒ ንላዕሊ ይረኽቡ ከምዘይነበሩ ይሕብር፡፡

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር፡ መንእሰያትን ናይ ጥዕና ጸገም ዘይብሎምን ሰባት ተለልዮም ናብ ሚዛን ዝበሃል ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጻኢ ዝርከብ ቤት ማአሰርቲ ከም ዝተወሰዱ እውን እዞም ምስ ቢቢሲ ጻንሒት ዝገበሩ ይገልጹ፡፡

‘‘ብሕማምን ማእሰርትን ፓራላይዝ ዝኾኑ ኣለዉ’

ኣብቲ ቤት ማአሰርቲ እኹል ምግብን መድሓኒትን ስለዘይቀረበሎም ንጥምየትን ዝተፈላለዩ ሕማማትን ከም ዝተቓልዑ ዝገልጹ ቃሎም ንቢቢሲ ዝሃቡ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብዝተፈጠሩ ዘይምርድዳኣት ኣብ ልዕሊ ብዙሓት እሱራት መግረፍቲ ከም ዝተፈጸመን ከቢድ ኣካላውን ስነልቦናውን ሃስያ ዝበጸሖም እሱራት ከም ዘለዉን ተዛሪቦም፡፡

‘‘እንረኽቦ ዝነበርና ምግቢ ስኢንና፤ ስለዚ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ሰበንትና እናተዳኸመ መጺኡ፤ ብፍላይ ተደራቢ ሕማም ዘለዎም ሰባት ዝገደደ ተጠቒዖም፤ እናተዳኸሙ መጺኦም፡፡ ኣብ ልዕሊ ጥምየት መድሓኒት እትረኽበሉ ዕድል የለን’’ ይብል ብርሃኑ፡፡

‘‘ኣብ እዋን ጸሎት ብዙሓት ሰባት ብጥምየት ይወድቁ ነይሮም፡፡’’

ሄኖክ ብተመሳሳሊ እኹል ሕክምና ከምዘይነበረን ብዙሓት ሰባት ብሕጽረት መድሃኒት ከምዝተጎድኡን እዩ ዝገልጽ፡፡

‘‘ሕክምና ነይሩ ንምባል ይኸብድ እዩ፤ ምኽንያቱ ተሰሊፍካ ትውዕል ግን ኣብ መዓልቲ ልዕሊ ሸውዓተ ሰባት ኣየተኣናግዱን፡፡እንተረኺብካ እውን ጸረ ቃንዛ ጥራሕ ኢኻ ትረክብ፡፡ ክኣትዉ ከለዉ ዝፈልጦም ክልተ ሰባት ኣብ ስሚንቶ ብምድቃስ ብቑሪ ፓራላይዝ ኮይኖም፡፡ ሕማም ሽኮር፣ ኤይድስን ዘውድቕ ሕማምን ዝነበሮም ነይሮም፡፡ እኹል መድሃኒት ኣይረኸቡን’’ ይብል፡፡

ሄኖክ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ምግብን መድሃኒትን ዝበጸሖም ኣካላዊ ጉስቁልና እውን ርኡይ ከምዝኾነ እዩ ዝዛረብ፡፡

‘‘ኣነ ባዕለይ 10 ኪሎ ቀኒሰ እየ፤ 74 ኪሎ ኣትየ 64 ኪሎ ወጺአ፡፡ 20 ኪሎ ዝቐነሰ መሓዛይ እውን ኣሎ፡፡ እዚ ጸገም የብሉን፤ ኪሎ ምቕናስ ተተካኢ እዩ፡፡ 8 ሰባት ግን ብሕጽረት መዳሓኒትን መግረፍትን ፓራላይዝ ኮይኖም እዮም፡፡’’

ካብዚ ብተወሳኺ ምስ ሓለውቲ እቲ ቤት ማእሰርቲ ብዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ፡ እቶም ሓለውቲ ብዝፈጸምዎ መግረፍቲ ብዙሓት ቀዋሚ ጉድኣት ከምዝበጸሖም ተዛሪቡ፡፡

‘‘ሆ! ኢልኩም ኢሎም ኣብ ሓደ ክፍሊ ንዘነበሩ ሰባት ንሰለስተ ሰዓታት ዝኸውን ገሪፎምዎም፤ ውኒኦም ዝሰሓቱ ነይሮም’’ ይብል፡፡

እንተኾነ እቲ ንሳቶም ኣብ ቀጽሪ ኣባ ሳሙኤል በጺሑና ዝብልዎ ጸገም ምስቶም ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጻእ ዝተኣሰሩ ካልኦት ተወለድቲ ትግራይ ዘጋጠሞም እንትነጻጸር ኣዝዩ ቀሊል ከምዝኾነ ይሕብሩ፡፡

እቶም እሱራት ኣብ ጻንሒቶም ካብ ሰብሞያ ሕጊ ይኹን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት መጺኡ ዘዘራረቦም ከም ዘይነበረ እዮም ዝገልጹ፡፡

ሄኖክ ድሕሪ 64 መዓልቲ፡ ብርሃኑ ድማ ድሕሪ 73 መዓልቲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም፡፡ ኣብ ዕረፍቲ ከም ዘሎ ዝገልጽ ሄኖክ ዘይተኸፈሎ ናይ ክልተ ወርሒ ደሞዝ ክኽፈሎ ምስ ምምሕዳር ሓይሊ ሰብ ይከራኸር ከም ዘሎ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡

ኣተሓሕዛ እቶም እሱራት ዝምልከት ቢቢሲ ካብ ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትጵያን ምላሽን መብርሂን ንምርካብ ዝገበሮ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይሰመረን፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሰንኪ እቲ ናብ ማእኸል ሃገር ተቓሪቡ ዝነበረ ኲናት ንኣዋርሕ ኣንቢርዎ ዝነበረ ህጹጽ ኣዋጅ ምልዓሉ ስዒቡ ተኣምሲሮም ዝጸንሑ ዜጋታት፣ ጋዜጠኛታትን ጎስጎስትን ምፍታሕ ቀጺሉ ኣሎ፡፡

እንተኾነ ሐዚ እውን ዘይተፈትሑ ሰባት ከምዘለዉ እዩ ዝግለጽ፡፡