‘‘ኣብ 43 መዓልታት ልዕሊ 7 ኪሎ ነክየ እየ ወጺአ’’ -ኢያስፔድ ተስፋዬ

ኢያስፔድ ተስፋዬ

ምንጪ ስእሊ, EYASPED

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝጉስጉስን ኣብ ዝተፈላለየ መራኸቢ ብዙሃን ዝሰርሕን ኢያስፔድ ተስፋዬ ድሕሪ ናይ 47 መዓልቲታት ማእሰርቲ ቅድሚ መዓልቲታት ተፈቲሑ፡፡

ኢያስፔድ፡ ኣባል ሰልፊ ሰማያዊ ካብ ዝነበረሉ ኣትሒዙ ክሳብ እዚ ናይ ሕዚ 10 ግዘ ተኣሲሩ እዩ፤ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ክእሰር ግን እዚ ናይ ሎሚ ንፈለማ እዩ፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን ምስ መሓዙቱ ኣብ ዝመስረቶ ‘ኡቡንቱ’ ዝተባህለ ናይ ዩትዩብ ቴሌቪዥን እናሰርሐ ዝጸንሐ ኢያስፔድ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስተፈተሐ ምስ ቢቢሲ ቃለ መሕተት ኣካይዱ ኣሎ፡፡

-----------

ቢቢሲ፡ ኣብ ቤት ማእሰር ኣብ ዝነበርካሉ እዋን ሓሚምካ ከምዝነበርካ ካብ ቤተሰብካን መቕርባትካን ንሰምዕ ኔርና፤ ሕክምና ከምዘይረኸብካ እውን ከምኡ፡፡ እንታይ እዩ ኣጋጢሙካ ነይሩ?

ኢያስፔድ፡ ከምዝፍለጥ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ቤት ማእሰርቲታት ኣብ ጸቢብ ቦታ ብዙሕ ሰብ እዩ ዝእሰር፡፡ብጉድለት ጽርየትን ብምትንፋስ ዝመሓላለፉን ሕማማት አለዉ፡፡ ብፍሉይ ድማ ቅድሚ ምእሳረይ ናይ ስኒ ሕክምና ጀሚረ ነይረ፡፡ እዚ ከምዝፍለጥ ከይዲ እዩ፡፡ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ሕክምና ምስጀመርኩ እየ ተኣሲረ፡፡ ንሱ ኣጸጊሙለይ ነይሩ፡፡ ናብ ዝሓሸ ሕክምና ክኸይድ ሓቲተ ኣይፈቐዱለይን፡፡ ኣብ ውሽጢ 43 መዓልቲታት ልዕሊ 7 ኪሎ ነክየ እየ ወጺአ፡፡

ቢቢሲ፡ ኣብቲ ዝተኣሰርካ መዓልቲ ብዛዕባ ዝነበሩ ኩነታት ውሱን ነገር ሰሚዕና ኢና፡፡እስኪ ብሓጺሩ ንገረና?

ኢያስፔድ፡ ብኣጋጣሚ ኣብ ገዛይ እየ ነይረ፡፡ ኣብቲ ሰሙን ብዙሓት ይታኣሰር እናበሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ይጉስጉሱ ነይሮም፡፡ በዚ ምኽንያት ብዙሕ ምንቅስቓስ ኣይገብርን ነይረ፡፡ ብዙሓት ፖሊስ፣ ፖሊስ ፌደራልን መካይንን ነይሮም፡፡ ሓደ ከቢድ ገበነኛ ዝተሓዝ እዩ ዝመስል ነይሩ፡፡ ልክዕ ከምቲ ብዙሕ ሰብ ክተሓዝ ከሎ ዝግበር፡ ገዛይን ቤት ጽሕፈተይን ተፈቲሹ፡፡ ብዙሕ ዝተፈለየ ነገር ኣይነበረን፡፡

ቢቢሲ፡ በቲ ዝጠቐስካዮ ጎስጓስ እየ ተኣሲረ ኢልካ ዲኻ ትኣምን? ወይ ንምንታይ ከምዝተኣሰርካ ምኽንያት ተነጊሩካዶ?

ኢያስፔድ፡ ብሓፈሻ ክልተ ግዘ ንምርመራ ተጸዊዐ ነይረ፡፡ መጀመርታ ኣብታ ዝተኣሰርኩላ መዓልቲ ካልኣይ ድማ ምስተኣሰርኩ ድሕሪ ሓደ ወርሒ፡፡ ኣብ ክልቲኡ መዓልቲታት ዝተነገሩኒ ነገራት ዝተፈላለዩ እዮም፡፡ መጀመርታ ሓደ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝፍለጥ ኣካውንት ኣሎ፤ ‘መረዳእታ ረኺብና፡ ናትካ ድዩ?’ ኢሎምኒ፡፡ ከረደኦም ፈቲነ ዝተቐበሉኒ ይመስለኒ፡፡

ድሕሪ 30 መዓልቲ ድማ፡ በዓል መዚ መራኸቢ ብዙሃን ዝሰረሖ ንክሲ መልዓሊ ዝኸውን ናይ ሚድያ ሞኒተሪንግ ሰነድ ልኢኹሎም ነይሩ፡፡ እቲ ዝገርም ምስ ወቕታዊ ጉዳይ ኣይተሓሓዝን፡፡ ሰለስተ ዓመት ንድሕሪት ተመሊሱ ኣብ መደብር ቴሌቪዥን ኣዲስ ኣብ ዝነበረ ናይ ክትዕ መድረኽ ዝተዛረብኩዎም ነገራት እዩ ዝዝርዝር፡፡ ከምቲ ዝጠርጠርኩዎ ምስ ህጹጽ እዋን ዝራኸብ ነገር የብሉን፡፡

ነቲ በዓል ሰልጣን መራኸቢ ብዙሃን ዝጸሓፎ ክሲ እየ መልሲ ሂበ፡፡ ንኣብነት ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ‘‘ናይ ህዝቢ ሶማል ባህሊ፣ መንነት ወዘተ ኣብ ኢትያጵያዊ መንነት ኣይተወከለን ኢሉ ኣብ ኣዲስ ቲቪ ብምዝራብ ሓደ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ካልእ ከለዓዕል ፈቲኑ እዩ’’ ዝብል ይርከቦ፡፡

ቅድሚ ከልተ ዓመት ኣብ ቢቢሲ ይመስለኒ ቀሪቡ ህዝቢ ንዓመጽ ከለዓዕል ፈቲኑ ዝብል 10 ገጽ ዝኸውን፣ ወቕታዊ ዘይኮኑን ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ጀሚሩ ዝተዛረብኩዎም ነገራት ተኣኪቦም ክሲ ብዝመስል መልክዕ ቀሪቦም፡፡

ብርግጽ ኣብ ቀረባ ዝተዛረብኩዎም እውን ወሲኾም እዮም፡፡ ብሓፈሻ ግን፡ ከምቲ ዝፍለጥ ናይቲ ዘሎ ፌደራላዊ ስርዓት ደጋፊ እየ፡፡ ንዕኡ ብዝምልከት ዝተዛረብኩዎም ነገራት እዮም ህዝቢ ምስ ህዝቢ ከም ምግጫው ዝረኣዩ፡፡

ቢቢሲ፡ ብምንታይ ምኽንያት ከ ተፈቲሕኻ?

ኢያስፔድ፡ ፖሊስ ናይ መለለዪ መንነት (ታሴራ) ዋሕስ ዝብልዎ ኣሎ፤ ብእኡ እየ ተፈቲሐ፡፡ካብ በዓል መዚ መራኸቢ ብዙሃንን ካልኦትን ዝረኸብዎ መረዳእታ ክሲ ንምምስራት እኹል ዘይምዃኑ ስለዝተረድኡ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን፡፡ ክብደት ዘለዎ ነገር ስለዘይነበረ እየ ተፈቲሐ ኢለ ይኣምን፡፡

ቢቢሲ፡ ናይቲ ካብ መስረትቲ ሓደ ዝኾንካሉ ኡቡንቱ ቲቪ ዝወሰድዎ ንብረት መሊሶምዎዶ? ኣብ ቀረባ ናብ ስራሕ ናይ ምምላስ ትልሚ ኸ ኣለኩምዶ?

ኢያስፔድ፡ ነቲ ሚድያና ፈቲሾምዎ ነይሮም፡፡ ኣቑሑቱ እውን ተወሲዶም እዮም፡፡ ከምዝፍለጥ ኣቁሑት ሚድያ ክባራት እዮም፡፡ ብዙሓት ካሜራታትን ኣቑሑትን ተወሲዶምና እዮም፡፡ ብቃለ ጉባኤ ተፈሪሙ ኣብ ቅድሚ መሰኻኽር እዮም ወሲዶምዎም፡፡

ዓቃቢ ሕጊ ድሕሪ ሕዚ ኣየደልዮምን፤ ናብ ዋነኦም ይመለሱ ምስበለ እዮም እቶም ኣቑሑት ዝምለሱ፤ ስለዝኾነ መስተፈታሕኩ ኣይረኸበኩዎምን፡፡ ፖሊስ ክምልሰልና ፍቓደኛ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን፡፡ እቲ ከይዲ ምስተወደአ ዝምለስ ይመስለኒ፡፡

እንተኾነ እቶም ኣቑሑት ተመለሱ ኣይተመለሱ፡ ሚድያና ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰለስተ መዓልቲ ክጅምር እዩ ኢለ ተስፋ ይገብር፤ ስራሕና ክንጅምር ኣብ ምንቅስቓስ አለና፡፡

ቢቢሲ፡ ኣብቲ ዝተኣሰርካሉ ጣብያ ክልኦት ጋዜጠኛታት ነይሮም ዶ? በዓል መን?

ኢያስፔድ፡ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ተኣሲሮም ከምዘለዉ ኣብኡ እናሃለኹን መስተፈታሕኹን ሰሚዐ እየ፡፡ኣብቲ ኣነ ዝተኣሰርኩሉ ናይ ኤፒ ጋዜጠኛ ዝነበረ ኣሚር ኣማንን በዓል ሞያ ካሜራ ቶማስ እንግዳን ነይሮም፡፡ ሕዚ እውን ኣብ ማእሰርቲ ኣለዉ፡፡

ቢቢሲ፡ ከም ሓደ ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ዝከታተል፡ ንኲናት ኢትዮጵያ ዝምልከት ዘለዉ ለውጢታት ሓዊሱ ሐዚ ዘለዉ ፖለቲካዊ ሓቅታት ኣብቲ ምህዳር እንታይ ሒዞም ዝመጹ ይመስለካ?

ኢያስፔድ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስለዝጸናሕኩ ዘይበሰለን ዘይምጥንን ትንታነ ከይህብ ስለዝሰግእ ሓንቲ ነገር ጥራሕ ከብል፡፡

ነቲ ኲናት ብዝምልከት ኣብ መስከረም ሓደ እንታይ ክመጽእ ይኽእል ዝብል ግምታዊ ሓሳብ አቐሚጥና ኔርና፡፡ ካብቶም ዘቐመጥናዮም ክልቲኦም ኣካላት ኣብ ኲናት ብዝጸንሑ ቁጽሪ እናዘሓሉ ክኸዱ እዮም ዝብል ሓደ እዩ፡፡ ኲናት ቁጠባን ህይወትን ዝበልዕ ኣድካሚ ነገር እዩ ኢልና ኔርና፡፡

ክልቲኦም ወገናት ምስሃድኡ ናብ ዘተ ክመጹ እዮም ኢልና ኔርና፤ ሐዚ ናብዚ ምዝሕሓል ዝኸዱ ዘለዉ ይመስለኒ፡፡ ክልቲኦም ወገናት ከም ግዘ መግዝእን ሓይሊ መአከብን ከምዘይጥቀሙሉ ተስፋ ይገብር፡፡ ብአግባቡ ከምዝጥቀሙሉ እውን ተስፋ ይገብር፡፡

በቲ ዘሎ ነገር ሕጉሳት ዘይኮኑ ኣካላት ከምዘለዉ ይስመዐኒ፡፡ ካብቲ ዝበጸሐን ንቕድሚት ዝበጽሕን ዕንወት እቶም ሐዚ ዝውሰዱ ስጉምቲታት ዝሐሹ እዮም፤ ክበረታትዑ ኣለዎም ኢለ እውን ይሓስብ፡፡ ኣፍቲ ዝተጀመረ ምድላው ዘተ ትኹረት እንተዝግበር ጽቡቕ ይመስለኒ፡፡