ኮሮናቫይረስ፡ ምልክታት ኦሚክሮን ምስ ልሙድ ሰዓል ከጋግይ ከምዝኽእል ተመራመርቲ የጠንቅቑ

ህንጥሸው እትብል ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዛጊት ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘርእዮ ህንጥሽው ምባል ምልክቲ መልከፍቲ እቲ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ክኸውን ይኽእል እዩ

ዓሌት ኦሚክሮን ኮቪድ-19 ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ መላእ ዓለም ክዝርጋሕ እንከሎ፡ ተመራመርቲ ካብቶም ክሳዕ ሕጂ ዝተርኣዩ እቲ ዝለዓለ ናይ ምምሕልላፍ ተኽእሎ ዘለዎ ምዃኑ ይዛረቡ።

እንተኾነ ግና እዚ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ካብቶም ካልኦት ፍኹስ ዝበለ ምልክታት ዘርእይ ብምዃኑ ምስ ልሙድ ሕማም ሰዓል ወይ ኢንፍሉዌንዛ ተመሳሳሊ እዩ።

ኦሚክሮን ዝመሓለለፈሉ ዘሎ ቅልጣፈ ግና ኣብ ልዕሊ ኣገልግሎታት ጥዕና ዝፈጥሮ ዘሎ ጸቕጢ ልዑል እዩ። ነቶም ዘይተኸተቡን ካልእ ጥዕናዊ ጸገማት ንዘለዎምን ሰባት'ውን ሓደገኛ እዩ።

ግና ከመይ ኣቢልና ኢና ኣብ መንጎ ኮቪድ-19ን ካልኦት ናይ ስርዓተ ምስትንፋስ ሕማማትን ክንፈላሊ እንኽእል?

ምልክታት ኦሚክሮን

ኣብ ኪንግስ ኮለጅ ሎንደን ክኢላ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ፕሮፌሰር ቲም ስፔክተር፡ "ኦሚክሮን፡ ምስቶም ኣብ ዝተኸተቡ ሰባት ጽልዋኦም ብዙሕ ከቢድ ዘይኮነ ከም ደልታ ዝዓመሰሉ ዓሌታት ብዙሕ ምምስሳል ከምዘለዎ ኢና ንኣምን" ይብል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ።

ንሱን ብጾቱን ሓደ ናይ ሞባይል መተግበሪ ብምጥቃም ካብ ኣሽሓት ሰባት ምልክታት ክእክቡ ጸኒሖም ኣለው። እቶም ተመራመርቲ ነቶም ንዓሌታት ደልታን ኦሚክሮንን ዘመሳስሉ ምልክታት ኣለልዮም ኣለው።

ዛጊት እቶም ሓሙሽተ ናይ ሓባር ምልክታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፡

  • ዓፈፍ ዝብል ኣፍንጫ
  • ሕማም ርእሲ
  • ድኻም (ማእከላይ ወይ ብርቱዕ)
  • ህንጥሽው ምባል
  • ነድሪ ጉረሮ

እዚ ፍኹስ ዝበለ ምልክታት ዝተርኣየ፡ ብኸፊል፡ ብዙሓት ሰባት ክታበት ወሲዶም ብምህላዎም ወይ እቲ ሕብረተሰብ ተጻዋርነት የጥርይ ብምህላው እዩ።

ሓደ ሰብኣይ ክታበት ኮቪድ-19 እናወሰደ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኦሚክሮን ኣብ'ቶም ዘይተኸተቡን ንኻልእ ሕማማት ቅሉዓት ኣብ ዝኾኑን ሰባት ዘለዎ ጽልዋ ብንጹር ንምፍላጥ ቅሩብ ግዜ ዝሓትት እዩ።

መብዛሕትኡ ምልክታት ኦሚክሮን ምስ ልሙድ ሰዓል ዝመሳሰል ብምዃኑ ብዙሓት ሰባት ብኮቪድ ከምዝተለኸፉ ከየስተውዕሉዎ ከምዝሓልፉ ፕሮፌሰር ስፔክተር ይነግር።

በዚ መሰረት ኣብቲ ኦሚክሮን ብቕልጡፍ ኣብ ዝላብዓሉ ከባቢታት፡ ናይ ሰዓል ምልክታት ዘርኣየ ሰብ ብኮቪድ-19 ተለኺፉ ዝተለኸፈ ክኸውን ይኽእል እዩ።

በቲ ቫይረስ ተለኺፈ ይኸውን እየ ዝብል ምጥርጣራት እንተሎካ ብዝቐልጠፈ መርመራ ምግባር እዩ ዝምረጽ። ምኽንያቱ እቶም ፍኹስ ዝበለ ምልክታት ዘርእዩ ኮነ ዝኾነ ምልክታት ዘየርእዩ ሰባት ንኻልኦት ኣብ ሓደጋ ከውድቑ ይኽእሉ እዮም።

እቶም ዝቐደሙ ዓሌታት ኮቪድ-19 ከም ረስኒ፡ ሰዓል፡ ምጥፋእ ስምዒታት ምስትምቓርን ምሽታትን ዝኣመሰሉ ምልክታት የርእዩ ነይሮም።

ኣብዚ እዋን ግና እቶም "ልሙድ ምልክታት" ብዙሕ ኣይረኣዩን እዮም።

እቲ ከስግኣኒ ዘለዎ ምልክት ኣየናይ እዩ?

ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ብሪጣንያ፡ ሰባት ነዞም ምልክታት ክጥንቀቑሎም ይመክር፡

  • ሃንደበታዊ ቀጻሊ ሰዓል
  • ረስኒ ወይ ልዑል ሙቐት
  • ስምዒታት ምስትምቓርን ምሽታትን ምጥፋእ ወይ ለውጢ ምርኣይ
ለንደን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንገለ ሰባት ግና ኮቪድ ናይ ሕማም ርእሲ፡ ነድሪ ጎረሮን ዓፈፍ ዝብል ኣፍንጫን ምልክታት ከም ዘለዎ "ብርቱዕ ሰዓል" ክኸውን ይኽእል እዩ።

ረስኒ ዘየወላውል ምልክት ኮሮናቫይረስ ክኸውን ይኽእል ዶ?

ኣካላዊ ሙቐት ሰባት ካብ 37.8 ዲግሪ ሴንቲግረድ ክዛይድ ከሎ፡ ረስኒ ይበሃል። ረስኒ፡ ኣካላትና ንዘጋጠሞ ዝኾነ ዓይነት ረኽሲ ክቃለስ ከሎ እዩ ዝኽሰት (ንኮቪድ ጥራይ ኣይኮነን)።

መዐቀኒ ቴርሞሜተር እንተሎካ ጽቡቕ እንዘይብልካ ከኣ፡ ኣፍ ልብኻ ወይ ሕቖኻ ብምትንካፍ ሙቐት እንተለዎ ምፍታሽ ይከኣል።

ሕማም ሰዓል ሳሕቲ እዩ ረስኒ ዘስዕብ።

ስለዚ ልዑል ሙቐት እንተሃልዩካ፡ መርመራ ምግባር ይምከር።

ሰዓል ከ?

ኢንፍሉዌንዛ ወይ ጉንፋዕ እንተሒዙካ፡ ምልክታት ምስዓልን ካልእን ክህልወካ ንቡር እዩ።

ኢንፍሉዌንዛ ዝበዝሕ ግዜ ሃንደበት ዝመጽእ ኮይኑ፡ ቃንዛ ጭዋዳታት፣ ገብገብታ፣ ሕማም ርእሲ፣ ድኻም፣ ነድሪ ጎረሮን ዓፈፍ ዝለል ኣፍንጫን ምስ ሰዓል ከርእይ ይኽእል።

ጉንፋዕ ግና ወላ'ኳ ከደቅሰና ዝኽእል እንተኾነ ቀስ ኢሉ ዝምዕብልን ፍኹስ ዝበለን እዩ።

ምስቲ ሰዓል ህንጥሽው ምባል፣ ነድሪ ጎረሮን ዓፈፍ ምባልን ክርአ ይኽእል። ረስኒ፣ ገብገብታ፣ ቃንዛ ጭዋዳታትን ሕማም ርእስን ሳሕቲ እዩ ዝርአ።

ናይ ኮቪድ-19 ሰዓል ንልዕሊ ሓደ ሰዓት ዝቕጽልን ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ተደጋጋሚ ዝርአን እዩ።

መርመራ ኮቪድ እትገብር ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓድሽ ሰዓል ተማዕብል እንተሎኻ ወይ ዝጸንሐ ምስ ዝህልወካ መርመራ ምግባር ኣገዳሲ እዩ።

ስምዒታት ምስትምቓርን ምሽታትን ምጥፋእ እንታይ ማለት እዩ?

እዚኣቶም ቀንዲ ምልክታት ኮቪድ-19 ብምዃኖም መርመራ ምግባር ኣድላዪ እዩ።

ፈኲስ ሰዓል እንተኾነ ነቲ ቫይረስ ናብ ካልኦት ካብ መምሕልላፍ ንምቑጣብ፡ መርመራ ምግባር ይምከር።

ህንጥሽው ምባል ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፍኩ መርኣዪ ዶ ይኸውን?

ህንጥሽው ምባል ልሙድ ምልክት ኮሮናቫይረስ ኣይኮነን፤ ከም ረስኒ፣ ሰዓል፣ ምጥፋእ ስምዒት ምሽታትን ሸውሃትን እንተዘይተራእዩ ብዙሕ ዘሻቕል ኣይኾነን።

ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ህንጥሽው ምባል ነቲ ቫይረስ ከላብዕ ይኽእል እዩ፤ ስለዚ ህንጥሽው ክትብል ከሎኻ መንዲል ምጥቃም ብድሕሪኡ ከኣ ኣእዳውካ ምሕጻብ የድልይ።

ዓፈፍ ዝብል ወይ ዝተዓብሰ ኣፍንጫ እንተሎኒ ኸ?

እዚ ካብ'ቶም ቀንዲ ምልክታት ኮሮናቫይረስ እኳ እንተዘይኮነ፡ በቲ ሕማም ምልካፎም ኣብ ዝተረጋገጸ ሰባት ከም ዝተርኣየ መጽናዕትታት የረድኡ።

ተምሳል ኖቨል ኮሮናቫይረስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንኣብነት ኣብ መምርሒታት ንጽህና ኣሜሪካ፡ ዓፈፍ ዝብል ኣፍንጫን ውጽኣትን ምልክት ኮሮናቫይረስ ክኸውን ከምዝኽእል ይነግር።

ብምኽንያት ኦሚክሮን ብጽኑዕ ሓሚምካ ናይ ምድቃስ ተኽእሎ ኣሎ ዶ?

ተኻዪዱ ዘሎ ዳህሳስ ከምዘርእዮ ብኦሚክሮን ዝስዕብ ሕማም ካብቶም ዝቐደሙ ዓሌታት ኮሮናቫይረስ ቅልል ዝበለ እዩ።

እዚ ብኸፊል እቲ ቫይረስ ብዘካየዶ ጀነቲካዊ ለውጥታት ዝሰዓበ'ኳ እንተኾነ ልዕሊ ኩሉ ካብ ክታበታትን ባህርያዊ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ናይ ሰባትን ዝመጸ እዩ።

ኦሚክሮን ዝላብዓሉ ዘሎ ፍጥነት ግና ብፍላይ ነቶም ካልእ ጥዕናዊ ጸገማት ንዘለዎም ብዙሓት በዳሂ ኮይኑ ክቕጽል እዩ።

ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ካብ ትሑት ክሳዕ ብርቱዕ ዝተፈላለዩ ምልክታት ከርእዩ ይኽእሉ እዮም።

ገለ ከኣ ዝኾነ ምልክታት ዘይብሎም ከነሶም ነቲ ቫይረስ ግና ከመሓላልፉ ይኽእሉ እዮም።

እቶም ምልክታት በቲ ቫይረስ ድሕሪ ምልካፍና ድሕሪ ክልተ ሰሙን'ውን ክቕልቐሉ ዝኽእሉ እኳ እንተኾኑ ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልቲ እዮም ዝረኣዩ።

ናይ ምስትንፋስ ጸገማት እቲ ሕማም ከቢድ ምዃኑ ዘርእይ ምልክት ክኸውን ይኽእል እዩ'ሞ ነስተብህለሉ።