ኮቪድ፡ ፕረዚደንት ፈረንሳ ዘይተኸተቡ ፈረንሳውያን ካብ ማሕበራዊ ግልጋሎት ክኽልከሉ ምዃኖም ገሊጹ

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማንኤል ማክሮን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማንኤል ማክሮን

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማንኤል ማክሮን ነቶም ዘይተኸተቡ ፈረንሳውያን ህይወት ኣዝያ ከምትኸሮም ክገብር ምዃኑ ገሊጹ ።

እቲ ፕረዚደንት ምስ ጋዜጣ ሊ ፐርሴን ናይ ፈረንሳ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "ብሓቂ ኩሉ ግዜ ክቋየቆም'የ እዚ ኩራን ቋይቕን ኸኣ ክሳብ መወዳእታ ክቅጽል እዩ" ኢሉ።

እንተኾነ ገለ ፖሎቲከኛታት፡ እቲ ዝተጠቐመሉ ቃላት ካብ ፕረዚደንት ክወጽእ ትጽበዮ ኣይኮነን ብምባል ነቀፌታ የውሕዝሉ ኣለዉ።

ብሰንኪ እቲ ዝተጠቐመሉ ቃላት ዝሓረቁ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር፡ ነቲ ምስ ኮቪድ ተታሓሒዙ ክወጽእ ተነዲፉ ዝነበረ ሕግታት እገዳ ከይጸድቅ ድምጾም ከምዘስምዑ ገሊጾም ኣለዉ።

እቲ ሕጊ ኣብዚ ሰሙን ናይ መወዳእታ ድምጺ ተዋሂብዎ ተግበራዊ ክኸውን እዩ ትጽቢት ተገይርሉ ነይሩ፡ እንተኾነ እቲ ፕረዚደንት ዝተጠቐመሉ ቃላት፡ ንቡዙሓት ንኽታበት ዘይድግፉ ፈረንሳውያን ኣቖጢዑ ኣሎ።

ገለ ኣባለት ባይቶ ፈረንሳ'ውን ናይ ሞት መጠንቀቕታ ይበጽሖም ምህላዉ ንመንግስቲ ጠሪዖም ኣለዉ።

እቲ ፕረዚደንት ብሰሉስ ምስታ ጋዜጣ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ነቶም ክኽተቡ ዘይደልዩ ሰባት ብሓይሊ ንክኽተቡ ከምዘየገድዶም ብምግላጽ እንተኾነ "ኣብ ማሕበራዊ ህይወቶምን ምንቅስቃሳቶምን ክሳብ ዝተኸኣለ ቀይድታት ከነብዝሓሎም ኢና" ኢሉ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ቃለ መሕተት "ዘይተኸተበኩም ኢለ ኣይኣስረኩምን'የ፤ ካብ 15 ጥሪ ጀሚርኩም ግን ናብ ኣብያተ መግቢ ኣቲኹም ኣይክትምገቡን ኢኹም፡ ቡን ንኽትሰትዩ ናብ እንዳ ቡን ኣይክትኣትዉን ኢኹም፡ ናብ ኣብያተ ትያትር ሲነማን ክትኣትዉ ኣይክፍቀደኩምን'ዩ" ኢሉ።

እቲ ፕረዘደንት ዝተጠቀመሉ ቃላት 'ጸርፊ' ዝተሓወሶም እዮም ብምባል ብዙሓት ፖሎቲከኛታት ቁጠዐኦም ገሊጾም ኣለዉ።

ኣባል ላዕለዋይ ባይቶ የማናይ ክንፊ ሪፓብሊካን ዝኾነ ብሩኖ ሪታልዮ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ፕረዚደንት ኢማንኤል ማክሮን ዝተጠቐመሉ ቃላት ዘይንቡር ምዃኑ ብምግላጽ "ኢማንኤል ንህዝቢ ፈረንሳ ከምዝፈትዎ እዩ ዝገልጽ፡ ኣንተኾነ ኣብ ልዕሊኦም [ህዝቢ ፈረንሳ] ንዕቀት ከምዘለዎ እዩ ኣርእዩና" ኢሉ።

ካልኦት'ውን ምኽታብን ዘይምኽታብን ናይ ውልቀ ሰብ ናጽነት ምዃኑ ብምግላጽ "ብጃምላ ክቅጽዑ የብሎምን" ኢሎም።

ፈረንሳ ሓንቲ ካብተን ዝበዝሓ ክፋል ህዝበን ዝኸተባ ሃገራት ኣውሮጳ ኮይና፡ ካብቶም ልዕሊ 18 ዕድሚኦም ፈረንሳውያን ልዕሊ 90 ሚኢታዊት ክልተ ግዜ ዝተኸተቡ እዮም።

ኣብ ፈረንሳ ንዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ ሰባት ናብ ህዝባዊ ቦታታት ክኣትዉ እንተኾይኖም፡ ከምዝተኸተቡ ወይ ካብ ኮቪድ ነጻ ምዃኖም ዘርኢ ወረቐት ከርእዩ ዘገድድ ሕጊ ኣታኣታትያ ክትሰርሓሉ ጸኒሓ'ያ።

እንተኾነ እቲ መንግስቲ ኦሚክሮን ዝተባሃለ ሓዲሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ብብዝሒ ይላባዕ ስለዘሎ፡ ነታ 'ካብ ኮቪድ ነጻ ምዃንካ ወርቐት ኣርኢ' ትብል ሕጊ ብምእላይ ዝተኸተቡ ጥራይ ናብ ህዝዊ ቦታታት ክኣትዉ ክፍቐዶም ዘገድድ ሕጊ እዩ ከተኣታቱ ዝደሊ ዘሎ።

እታ ሃገር ብሰሉስ ኣብ ሓደ መዓልቲ 271,686 ሓዲሽ መልከፍቲ ኣመዝጊባ፡ እዚ ኸኣ ኮቪድ ካብ ዝጅመር ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝተመዝገበ ዝልዓለ ቁጽሪ ኮይኑ ኣሎ።

ፕረዚደንት ኢማነኤል ማክሮን ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንኻልኣይ እምረ ከምዝወዳደር'ኳ እንተዘየፍለጠ፡ ምስታ ጋዜጣ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ክወዳደር ከምዝደሊ ብምሕባር "ኩነታት ጥዕና እንተፈቒዱ" ውሳንኡ ከምዘፍልጥ ገሊጹ።