ኡጋንዳ ንእገዳታት ኮቪድ ዝጠሓሱ ሰባት ከምእትኣስር ኣጠንቂቓ

ምንጪ ስእሊ, AFP
መንግስቲ ኡጋንዳ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ንዝነበሩ እገዳታት ዝጥሕሱ ሰባት ክሳብ ክልተ ወርሒ ማእሰርቲ ከምዝጽበዮም ኣፍሊጡ።
ሚንስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ወግዓዊ ዝገበሮ ሓድሽ ሕጊ ነቶም ክዕጸዉ ዝተወሰነሎም ከም ባራት፣ ምሸታዊ መዘናግዒ ቦታታት፣ ኣብያተ ሲነማን መግቢ ዘይኮኑ ሸቐጣት ዝሸጡ ሹቓትን ከፊቶም ዝተረኸቡ ከምዝእሰሩ ይድንግግ።
ኣብዚ እዋን እታ ሃገር ገደብ ካብ ዘንበረትሎም ማሕበራዊ ዋኒናት እቲ ሓደ መርዓ ክኸውን ከሎ፤ ኣብቲ ስርዓት 20 ሰባት ጥራይ ክርከቡ የፍቅድ። ልዕሊኡ ኮይኖም እንተተረኺቦም ግን ከምዝእሰሩ ተሓቢሩ’ሎ።
ኣብ ገዝኦም ወይ ከባቢኦም ብኮቪድ-19 ዝተለኸፈ ሰብ እንተሃልዩ ንሰብመዚ ጥዕና ዘይሓበሩ ስድራ ወይ ወነንቲ ገዛ እውን ማእሰርቲ ክጽበዮም’ዩ ተባሂሉ።
ካብ ኣብ መንበሪ ገዛ ወጻኢ ኣብ ደገ ብዘይ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝተረኸበ ሰብ ከምኡ’ውን ሰባት ካብ መወሸቢ ማእኸላት ክሃድሙ ዝተሓባበረ ክእሰር ምዃኑ ተፈሊጡ።
እታ ሃገር ኣብ 2020 ወርሒ መጋቢት ፈላሚ ኣዋጅ ዕጽዋ ኣዊጃ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ኣካላት ጸጥታ ነቲ ሕጊ ኣብ ዘፈጽምሉ ብዝፍጠሩ ጎንጽታት ብዙሓት ሰባት ከምዝሞቱ ይዝረብ።
ኡጋንዳ ኣብዚ እዋን ካልኣይ ማዕበል ለብዒ ዘርከባ ኮይኑ ካብ መዛዘሚ ወርሒ ሓምለ ክሳብ መእተዊ ነሓሰ ኣብ ዘሎ ጊዜ እቲ ዝርግሐ ብዝለዓለ መጠን ክኸውን ከምዝኽእል ተመራመርቲ ኣጠንቂቐም ኣለዉ።
ዛጊድ ልዕሊ 83 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ክረጋገጽ ከሎ ልዕሊ 1,900 ድማ ሞይቶም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







