ኣብ ካናዳ ብሰንኪ ሙቐትን በርቅን ኣብ 136 ቦታታት ባርዕ ጫካ ኣጋጢሙ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብቲ ብርቱዕ መጠን ሙቐት ዝምዝገበሉ ዘሎ ምዕራብ ካናዳ ዞባ ብሪቲሽ ኮሎምብያ፡ በርቂ ዘበገሶ ኣብ 136 ቦታታት ብርቱዕ ባርዕ ጫካ ኣጋጢሙ።
መንግስቲ ካናዳ ነቲ ባርዕ ጫካ ንምቁጽጻር ብወተሃደራዊ ነፈርቲ ዝተደገፈ ወፍሪ ከምዘካይድ ገሊጹ ኣሎ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ኣብ ብሪቲሽ ኮሎምብያ ኣብ እትርከብ ሊይቶን ዝተባህለት ቁሸት ኣብ ካናዳ ቅድሚ ሕጂ ተመዝጊቡ ዘይፈልጥ 49.6 ዲግሪ ሴንቲግሬት ዝዓቐኑ መጠን ሙቐት ከምዝተመዝገበን፡ እታ ቁሸት ብሰንኪ ብርቱዕ ሙቐት ዝሰዓበ ባርዕ ብሰሉስ ዳርጋ ምሉእ ንምሉእ ከምዝዓነወትን’ዩ ተገሊጹ።
ሊይቶን ኣስታት 250 ሰባት ዝነብርዋ ዝነበሩ ቁሸት ኮይና፡ ካብ ከተማ ቫንኮቨር ንሰሜናዊ ምብራቕ 260 ኪሎ ሜትር እያ ርሒቓ ትርከብ።
ነበርቲ እታ ቁሸት ብረቡዕ ካብታ ቁሸት ዝኾነ ነገር ከይሓዙ ጥራይ ኢዶም ከምዝወጽኡ እዩ መንግስቲ ካናዳ ዝሕብር።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣማሓዳሪ እታ ቁሸት ፓልዶማን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት “ኣብ ውሽጢ 15 ደቃይቕ ብምልእታ እታ ዓዲ ብባርዕ ተሃሚዩዃ” ኢሉ።
ብሓሙስ ኣብ ብርቲሽ ኮሎምያ ብብርቱዕ በርቂ ዝተሰነየ ማይ ሃሪሙ ነይሩ፡ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ልዕሊ 12 ሽሕ ብርቂ ከምዝተሰመዐን ብሰንኪ እቲ በርቂ ኣብ 136 ቦታታት ባርዕ ጫካ ከምዝተልዓለን ኸኣ ሰብ መዚ እቲ ዞባ ሓቢሮም።
ላዕለዋይ ዳይረክተር ህዝባዊ ኣገልግሎት እቲ ዞባ ክሊፍ ቻፕማን “ብዙሕ ካብቲ ብርቂ ኣብ ጥቃ ሰብ ዝነብረሉ ይዓልብ ነይሩ’ዩ” ኢሉ።
ኣማኢት ሰባት ካብቲ ዝነብርሉ ዘለዉ ቦታታት ናብ ውሑስ ቦታ ክግዕዙ ተሓቢርዎም ኣሎ።
ሚኒስተር ምክልኻል ካናዳ ሃርጂት ሳጃን፡ መንግስቲ ካናዳ ብሄሊኮፕተራትን ወተሃደራውያን ነፈርትን ዝተሰነየ ሰብኣዊ ሓገዛት ከምዝገብርን ነቲ ባርዕ ንምጥፋእ ኩሉ ዝከኣል ዘበለ ክፍጸም ምዃኑን ተዛሪቡ።
እቲ ባርዕ ንብርቲሽ ኮሎምባያ ምስ ካልእ ዞባታት ዘራኽብዎ ዓበይቲ ጽርግያት ንኽዕጸዉ ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ።
ሚኒስተር ህዝባዊ ድሕነት ካናዳ ቢል ብለይር፡ እቲ ብርቱዕ ሙቐት ዘለዎ ኩነታት ኣየርን እቲ ዝሰዓበ ባርዕ ጫካን ኣብ ዞባ ብሪቲሽ ኮሎምብያ ትጽቢት ዘይተገበረሉ “ዕንወት” ኣውሪዱ ኣሎ ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብታ ዞባ ብዘጋጠመ ብርቱዕ ሙቐት 719 ሰባት ብሰንኪ እቲ ብርቱዕ ሙቐት ከምዝሞቱ ጸብጻባት ሕክምና እቲ ዞባ ይሕብር።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







