ውድብ ሕቡራት ሃገራት ግዳያት 'ዓሌታውነት' ዝኾኑ ጸለምቲ ክክሓሱ ሓቲቱ

ሚሸል ባችሌት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዓሌታዊነት ንምቅላስ ዓለምለኻዊ ስጉምቲ ከም ዘድሊ ኣብ ቀረባ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን፡ ብፍላይ ናይዚ ዓሌታውነት ቀንዲ ግዳይ ዝኾኑ ዝበሎም ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝርከቡ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ካሕሳ ክኽፈሎም ሓቲቱ ኣሎ።

እቲ ጸብጻብ፡ ብፍላይ ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም፣ ቤልጂየም፣ ፈረንሳይ፣ ካናዳ፣ ብራዚልን ኮሎምቢያን ዝኣመሰላ 60 ሃገራት ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ዝተፈጸመ ከቢድ ዓሌታዊነት ዝድህስስ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣመሪካ ጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሉይድ ምስ ተቐትለ'ዩ እቲ መጽናዕቲ ክካየድ ጀሚሩ።

ሞት ጆርጅ ፍሎይድን ንዕኡ ስዒቡ ዝተፈጥረ ህዝባዊ ቁጥዐን፤ ከምኡ'ውን እቲ ገበነኛ ፖሊስ ፍርዲ ምርካቡ ዘርኣዊነት ንምቅላስ ከም ሓደ መበገሲ ከም ዝኸውን ገሊጹ።

እዚ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጽአ ጸብጻብ፡ ልዕሊ 300 ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ሰብ ሞያ መሰረት ዝገበረ ኾይኑ ሃገራት ዓሌታዊነት ንምቅላስ ስጉምቲ ክወስዳ ይጠልብ።

ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፣ ላቲን ኣሜሪካን አውሮፓን ድማ ዓሌታዊነት መሰረት ዝገበረ ማእሰርቲን ሓይሊ ምጥቃምን ዘበረታትዕ ሕጋዊ መሓውር ከም ዘሎ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኣፍሪቃውያን 'ብባርነት' ዘግዐዛ ሃገራት፡ ሕዚ'ውን እቶም ቀንዲ ዓሌታዊነት ዝንጸባረቐን ከምዝኾና እቲ ጸብጻብ ወሲኹ የመልክት።

እዚ ምስ ኣጽነዐ፡ እዘን ሃገራት ሕዚ'ውን እዚ በደል ንዝበጽሖም ካሕሳ ክኸፍላ ይሓትት።

"እዘን ሃገራት ንዓሰርተታት ዓመታት ዘብጽሐኦ በደልን ዝፈጸምኦ ጭካነን ብግልጺ ይቕሬታ ክሓታ ኣለወን። ከምኡ'ውን እቲ ሓቂ ካብ ምዝራብ ሓሊፈን ነቶም ግዳያት ግቡእ ካሕሳ ክኸፍላ ኣለወን" ይብል እቲ ጸብጻብ።

ንመሰል ጸለምቲ ዝቃለስ፡ ምንቅስቓስ 'ብላክ ላይቭስ ማተር' ነቲ ጸብጻብ ንኢዱ፤ ንተግባራዊነቱ ኣድላይ ድጋፍ ክገብር ድልው ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ሓላፊት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሚሸል ባችሌት፡ "ኩለን ሃገራት ኣብ ውሽጢ ሃገረን ዝፍጸም ዘሎ ዘርኣዊነት ምኽሓድ ጠጠው ኣቢለን፤ እቲ ጸገም ንምቕራፍ ስጉምቲ ክወስዳ ኣለወን" ኢላ።

ወሲኻ ድማ፡ ትውልደ ኣፍሪቃዊያን ዝኾኑ ሰባት ድምጾም ክስማዕ ከም ዘለዎ ሓቢራ።

ሚሽል፡ እቲ ካሕሳ ንዝሓለፈ ወጽዓ ገንዘባዊ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቲ ኢ-ፍትሓዊ ዝኾነ ኣሰራርሓ ክንቀል ከም ዝኽእል ውሕስነት ክህባ ከም ዝግባእ እውን ኣብሪሃ።