ኣመሪካ፡ ፈልዩ ንጸለምቲ ዝቐተለ ውልቀሰብ 'ሕሉፍ' ጻዕዳ ምንባሩ ተፈሊጡ

ምንጪ ስእሊ, SUFFOLK COUNTY DISTRICT ATTORNEY'S OFFICE
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ኣመሪካ ማሳቹሴትስ ሓደ መንእሰይ ንኽልተ ጸለምቲ ብጥይት ቀቲሉዎም።
እዚ ናታን ኣለን ዝተባህለ ኣኽራሪ ጻዕዳ ኣመሪካዊ ካብ ሓደ ተኾናታሪ መኪና ሰሪቑ ነታ መኪና ምስ ሓደ ገዛ ብምግጫው ነቲ ገዛ ምስ ኣፍረሶ ነቶም ሰባት ክቐትል ናብቲ ገዛ ኣትዩ።
እቲ ወዲ 28 ዓመት መንእሰይ በዓል ሓዳርን ምሩቕ ሳልሳይ ዲግርን'ዩ፤ ይኹን'ምበር ዝኾነ ዓይነት ገበን ፈጺሙ ኣይፈልጥን።
ናታን ነቲ ዝሰረቖ ናይ ጽዕነት መኪና ምስቲ ገዛ ምስ ኣጋጨዎ ካብታ መኪና ወሪዱ ካልእ መኪና ክሰርቕ'ውን ፈቲኑ ነይሩ።
ድሕሪ'ዚ ብእግሩ ከይዱ በቲ ሒዙዎ ዝነበረ ብረት ፈልዩ ንጸለምቲ ጥራሕ ቀቲሉ።
እቶም ግዳያት ዴቭ ግሪንን ራሞና ኩፐን ዝብሃሉ ጸለምቲ ኮይኖም፡ ኣብ መጀመርታ 60ታት እትርከብ ሰራሕተኛ ሓይሊ ኣየር ራሞና ኩተር ብድሕሪታ ብተደጋጋሚ ተተኲሱዋ ክትሞት እንከላ ናብ ወዲ 68 ዓመት ዴቭ ግሪን ድማ ተኲሱ ቀቲሉዎም።
እቲ ቀታሊ ብእግሪ ኣብ ዝጉዓዘሉ እዋን ብዙሓት ጸዓዱ እኳ እንተረኸበ ዋላ ንሓዲኦም ግን ክቐትል ኣይፈተነን።
ንሱ እቶም ሰባት፡ ጸለምቲ ብምዃኖም ጥራይ ከም ዝቐተሎም ክግለጽ እንከሎ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ዝገበሮ ምልውዋጥ ተኩሲ ከም ዝተቐትለ ተሓቢሩ።
ድሕሪ'ዚ ፖሊስ ማሳቹሴትስ ናታን ኣለን ህልም ዝበለ ዓሌታውን ብልዕልነት ጽዓዱ ዝኣምን ከም ዝነበረን ፈሊጡ።
ቐጺሉ ኣብ ዝተገብሩ መርመራታት'ውን ናታን ኣለን ጸዓዱ ልዕሊ ናይ ወዲ ሰብ ዘርኢ ከም ዝኾኑ ዝገልጹ ጽሑፋት ከም ዝጽሓፈ ተፈሊጡ።
ብተወሳኺ ኣይሁድ ዝጸልእን ኣንጻር ጸለምቲ ከም ዝነበረን ባዕሉ ኣብ ዝጽሓፎም ጽሑፋት ኣስፊሩ ይርከብ።
ኣብቲ ማህደሩ'ውን ኣርማ ናዚ ስኾነ ስዋስቲካን ኣቐሚጡ ኣሎ።
ኣመሓዳሪ ማሳቹሴትስ ቻርሊ ቤከር ነቲ ተግባር መነወሪ ክብል ኮኒኑዎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







