ባራክ ኦባማ፡ “ኣብ ኣመሪካ ዘሎ ምፍልላይ ኣብ ሓደ እብረ ፕረዚደንትነት ዝቕረፍ ኣይኮነን”

Former US President Barack Obama

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገብሮ ቃለ መሕተት፡ ኣመሪካ ካብቲ ንምፍልላይ ዘበኣኣሰ ‘ጽሉል ዝኾነ ውዲት ስነሓሳብ’ ንኽትወጽእ ቀላሲ ዝኾነ ዓቢ ዕማም ኣብ ቅድሚኣ ተገቲሩ ከምዘሎ ገሊጹ።

ባራክ ኦባማ፡ ኣመሪካ ካብቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመትታት ዝነበረቶ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት መሪሕነት ናይ ዶናልድ ትራምፕ ዝያዳ ከምዝተፈላለየት ገሊጹ።

ጆ ባይደን ኣብዚ ናይ 2020 መረጻ ምዕዋቱ፡ ነቲ ዝነበረ ምክፍፋል ከም መጀመሪ ንሓዲሽ ጽገና ገይርካ ክውሰድ ከምዝከኣል ኦባማ ገሊጹ።

“እዚ ዘሎ ምፍልላይትን ምክፍፋላትን ኣብ ሓደ እብረ ፕረዚደንትንት ዝቅረብ ኣይኮነን ናብ ንቡር ንምምላስ ልዕሊ ክልተ ፕረዚደንትታዊ መረጸታት ከድሊ እዩ ”

ንሓንቲ ናብ ክልተ ዝተገማመዐት ሃገር ንምጽጋን ንፖሎቲከኛታት ጥራይ ዝግደፍ ዕማም ኣይኮነን ዝበለ ባራክ ኦባማ፡ ቅርጻዊ ጽገናታትን ንሓድሕድካ ምድምማጽን ከምዘድሊ ኣስሚሩሉ።

እንተኾነ ኣብዚ ሓዲሽ ወለዶ ‘ዓብይ ተስፋ’ ከምዘለዎ ዝገልጽ ኦባማ፡ “መንእሰያት ንዓለም ክልውጥ ዝክእል ተስፋ ክኽስኩሱን ኣካል ናይቲ ለውጢ ክኾኑን ኣለዎም” ብምባል ተላብዩ።

ኣብ ኣመሪካ ምፍልላይ ከመይ’ዩ ዝስዕርር ዘሎ?

ኣብ ሞንጎ ተቐመጥቲ ገጠርን ከተማን ከምኡ እውን ስደተኛታት ዘሎ ፍልልይ፡ ጉድለት ፍትሕን ዘይማዕርነት ጽሉል ዝኾነ ውዲት ስነሓሳብን ብገለ ማዕከናት ዜና ናይ ኣሜሪካ ስለተንበድበደ ነቲ ፈኸም ዝብል ዝነበረ ምፍልላይ ከምዘዕረጎ ንውልቃዊ ዛንትኡ እተዘንቱ መጽሓፍ ንኸላሊ ምስ ቢቢሲ ኣርት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ገሊጹ።

“ልዕሊ እቲ ኣነ ኣብ 2008 ዝተመረጽክሉ እዋን ኣብዚ ሕጂ ግዜ ኣዚና እና ተፈላሊና ዘለና”

ኦባማ ብምስዓብ እዚ ሕጂ ዘሎ ምግምማዕ ኣብ እዋን ዶናልድ ትራምፕ ጥርዚ ከምዝበጽሐ ብምግላጽ “እቲ ምፍልላይ ንፖሎቲካዊ ኣካይደዳ ትራምፕ ጽቡቕ እዩ ነይሩ” ኢሉ።

ነቲ ምፍልላይ ናይ ኣመሪካውያን ሮቋሒ እዩ ኢሉ ባራክ ኦባማ ካብ ዘቐመጦ ካልኣይ ነጥቢ ኣብ ኢንተርኔት ዝዝርጋሕ ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ምኳኑ ይጠቅስ።

ባራክ ኦባማ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዙሓት ሚድያታት ንሓቂ ዘጻሪ መደባት ኣዳልየን ኣንጻር እቲ ስኑዕ ሓበሬታታት የቃለሳ እኳ እንታሃለዋ፡ እቲ ሓቂ ቦሎኽ ኣብ ዝብለሉ ምልእቲ ዓለም በቲ ሓሶት ተዓብሊኻ ስለእትጸንሕ እቲ ኣድማዕነቱ ድሩት እዩ ኢሉ።

ኦባማ፡ ምፍልላይ ሓደ ካብ ውጽኢት ማሕበራውን ቁጠባዉን ሮቋሒታት ኮይኑ ዘይምዕሩይነት ዘይማዕርነትን ብምንጋስ ኣብ ሞንጎ ገጠራትን ከተማን ዘሎ ምምፍልላይ ብምግፍሑ’ውን ከምዝኽሰት ይገልጽ።

እቲ ከምዚ ጸገማት ኣብ ዓባይ ብርጣንያን ኣብ ኩሉ ዓለምን ኣስፋሕፊሑ ከምዘሎ ብምጥቃስ “ህዝቢ ኣብቲ ቁጠባዊ ኣስካላ ሓንቲ መራግጾ ዝተሰበረቶም ኮይኑ እዩ ዝስመዖም ዘሎ፡ እዚ ከምዚ ዓይነት ስምዒት እዞም ጉጅለ እዚኦም እዮም ተጋግዮም ኖኖ እዞም ግጁለ እዚኦም እባ ናብ ዝብል ምጉት ስለዝወስድ ምፍልላይ የኸትል እዩ” ኢሉ።

‘ብላክ ላይቭ ማተርስ’ ከምኡ’ውን ዓሌትነትከ?

እቲ ቀዳማይ ጸሊም ፕረዚደንት ኣመሪካ ብምኳን ታሪኽ ዝሰረሐ ባራክ ኦባማ ጉዳይ ዓሌትነት “ሓደ ካብ ቀንዲ ጸገማትናን ቀንዲ ሓጥያትናን’ዩ” ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ሓደ ጻዕዳ ፖሊስ፡ ንጆርጅ ፍሎይድ ብብርኩ ኣብ ክሳዱ ጸቂጡ ምስ ቐተሎ፡ ድሕሪ ሞት ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ኣመሪካ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መላእ ዓለም ዝተራኣየ ቁጠዐ ኩነተ ተስፋ ምቁራጽን ተስፋ ምስራርንን ምንባሩ ኦባማ ይገልጽ።

“እቲ ዝነበረ ናይ ተስፋ ምቁራጽ ቁጠዐታት ኣብ ዓሌታውነት ዘሎ ሕዱር ኣድልዎ፡ ኣብ መቅጽዒ ገበናዊ ሕግታት ዘሎ ግሁድ ምፍልላይ ዘንቀሎ እዩ፡ ቅድሚ ሕጂ እውን ተቃውሞታት ነይሩ እዩ ግን ድማ ሰለማዊ ተቃውሞታት እዩ ነይሩ እዚ ናይ ሕጂ ግን ተስፋ ስለዝሰኣኑ ዝመጽአ እዩ”

ነቲ ተቃውሞ ኩሎም ዓይነት ዓሌታት ስለዝተሳተፍዎ ኣገዳሲ ምንባሩ ዝሕብር ባራክ ኦባማ ካብቲ ኣብ 2012 ትራይቮን ማርቱን ዝተብሃለ ኮተቱ ብሓድ ጆርግ ዚመርማን ዝተብሃለ ብጥይት ምስ ተቐተለ ዝነበረ ተቃውሞ ዝተፈለየ መንባሩ እዩ ዝሕብር።

ኦባማ ነቲ ኣብ 2014 ወዲ 18 ዓመት ብረት ዘይዓጠቀ ሚካኤል ብራውን ዝተብሃለ ጸሊም ኣመሪካዊ ኣብ ፌርግሶን ሚዞሪ ብሓደ ጻዕዳ ፖሊስ ሽዱሽተ ግዜ ብጥይት ተሃሩሙ ምቅታሉ ብምዝካር ኩሉ እዚ ተደማሚሩ ኣብ ኣመሪካ ጉዳይ ዓሌታውነት ቀንዲ ዛዕባ ክኸውን ምኽንያታት ከምዝኾኑ ይጥቅስ።

“እዚ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ናይ ጆርጅ ፍሎይድ ዝተራኣየ እውን እቲ ሓቀኛ ለውጢ ክመጽእ እዮም ዝጠልቡ ዘለዉ”

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ እዛ ኣብ 17 ሕዳር ዘመርቓ “ ኤ ፕሮሚስድ ላንድ’ ዝሰመያ መጽሓፉ ካልኣይቲ ንውልቃዊ ዛንትኡን ህይወቱ ኣብ ዋይት ሃውስ እተዘንቱ መጽሓፍ እያ።