ኮሮናቫይረስ፡ “ቀታሊ ቫይረስ ኦሚክሮን ፈኲስ ተባሂሉ ክፅዋዕ የብሉን” ውድብ ጥዕና ዓለም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ሰባት ይቐትል ዘሎ ቫይረስ ኦሚክሮን ፈኲስ’ዩ ተባሂሉ ክግለፅ ከምዘይግባእ ሓቢሩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተኻየዱ መፅናዕትታት፡ ኦሚክሮን ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበሩ ዓሌታት ኮቪድ፡ ሰባት ብፅኑዕ ክሓሙ ከምዘይገብር የመልክቱ።
እንተኾነ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ይልከፉ ዘለዉ ሰባት፡ ንመሓውራት ጥዕና ኣብ ከቢድ ፀቕጢ ከምዝሸሞም ኣፍሊጡ።
ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልየን መልከፍቲ ኮቪድ ኣመዝጊባ’ያ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ቁፅሪ ብብርኪ ዓለም ይምዝገብ ዘሎ መልከፍቲ እቲ ቫይረስ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብ 71 ሚእታዊት ከምዝወሰኸ ኣፍሊጡ።
ኣብ ኣሜሪካ ድማ 100% ከምዝወሰኸ እቲ ትካል ገሊፁ።
ብብርኪ ዓለም በዚ ቫይረስ ዝተለኸፉ 90% ክታበት ኮቪድ ዘይተኸተቡ’ዮም።
ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ “ዋላ’ኳ ኦሚክሮን ምስ ደልታ እንክነፃፀር ብፍላይ ኣብ ዝተኸተቡ ሰባት ቁሩብ ቅልል ዝበለ እንተኾነ፡ ፈኲስ ተባሂሉ ክምደብ የብሉን”
“ቅድሚ ሕዚ ከምዝነበሩ ቫይረሳት፡ ኦሚክሮን’ውን ሰባት ይቐትልን ናብ ሆስፒታላት ክኣትዉ የገድድን ኣሎ። ሱናሚ እቲ መልከፍቲ ገዚፍን ቅልጡፍን እዩ። በዚ ድማ ትካላት ጥዕና ዓለም ክፃወርኦ ልዕሊ ዝኽእላ ኣብ ከቢድ ኩነት ተሸሚመን” ኢሉ።
ኦሚክሮን ኣዝዩ ተላባዕን ሙሉእ ብሙሉእ ንዝተኸተቡ ሰባት እንከይተረፈ ዝለክፍ ቫይረስ’ዩ።
እንተኾነ፡ ክታበት ኮቪድ፡ ሰባት በቲ ቫይረስ ኣብ ዝልከፍሉ እዋን፡ ብርቱዕ ሕማም ከይህልዎምን ናብ ሆስፒታል ከይኣትዉን ኣብ ምክልኻል ዓቢይ ግደ ኣለዎ።
ዓባይ ብሪጣንያ ትማሊ ሓሙስ 179,756 ብኮቪድ ዝተለኸፉ፡ 231 ድማ ምስ ኮቪድ ዝዛመድ ሞት ኣመዝጊባ’ያ። ብዙሓት ሆስፒታላት እታ ሃገር ብሰንኪ ኮቪድ ዝፈጠሮ ፀቕጥታትን ምብኳር ሰራሕተኛታትን ኣስጋኢ ኩነት ከምዝተፈጠረ ኣፍሊጠን።
ሚኒስተር ጥዕና ፈረንሳ ኦሊቨር ቬራን ከኣ፡ እዚ ወርሒ ጥሪ ንሆስፒታላት ከቢድ ክኸውን ከምዝኽእል ኣብዚ ሰሙን ኣጠንቂቑ።
ደልታ ቫይረስ ኣብ ክፍሊ ፅኑዕ ሕክምና ሆስፒታላት ብሰንኪ ዝፈጠሮ ፀቕጢ፡ ብኦሚክሮን ዝተለኸፉ ሕሙማት ኣብ “ተራ ዓራት” ይድቅሱ ከምዘለዉ’ውን እቲ ሚኒስተር ገሊፁ። ብሓሙስ ፈረንሳ 261 ሽሕ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ኣመዝጊባ እያ።
ፕረዝደንት ሰርቢያ ኣሌክሳንደር ቩቺች፡ ኣብዚ እዋን መሓውር ጥዕና እታ ሃገር ኣብ ከቢድ ፀቕጢ ከምርከብ ገሊፁ። ኣብታ ሃገር ትማሊ ሓሙስ ልዕሊ ትሽዓተ ሽሕ መልፍቲ ተመዝጊቡ’ዩ።
ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ድኻታት ሃገራት ንህዝበን ክኸትባ ንምሕጋዝ ክፍፍል ክታበት ክህሉ’ውን ደጊሙ ፀዊዑ።
ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሃገራት ምዕራብ ክታበት እንተድኣ ዘይከዚነን፡ ኣብ 2022 ንምሉእ ዓለም ዝኸውን እኹል ክታበት ከምዝህሉ ኣፍሊጡ ኔሩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







