ኣብ እዋን ኮቪድ ሃብቶም ብዕጽፊ ዝወሰኸ 10 ሰብ-ሃብቲ ዓለምና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንብዙሓት ናብ ጸፍሒ ድኽነት ከእትው ከሎ ንዝተወሰኑ ሃብታማት ዓለም ግን ሃብቶም ብዕጽፊ ክውስኽ ከምዝገበረ መጽናዕቲ ትካል ግብረ-ሰናይ ኦክስፋም ኣመልኪቱ።
ዝተሓተ ኣታዊ ኣብ ዘለዎም ድኻታት ዓለምና ድማ፡ መዓልታዊ 21 ሽሕ ሰባት ክሞቱ ምኽንያት ከምዝኾነ ሓቢሩ’ሎ።
እቶም ኣብ ዓለም ብሃብቶም ኣብ ቅድሚት ዝስርዑ 10 ሰባት ግን ካብ መጋቢት 2020 ጀሚሩ ዝነበሮም መጠን ሃብቲ ብልዕሊ ጽዕፊ ምውሳኹ እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።
ኦክስፋም ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዘይምምዕርራይ ዝምልከት ጸብጻብ ቅድሚ ምጅማር ፎረም ቁጠባ ዓለም’ዩ ወግዓዊ ገይርዎ።
እቲ ኣብ ስዊስ ዝካየድ ኣኼባ ተወከልቲ ዓበይቲ ኩባንያታት፣ ፖለቲካዊ መራሕቲ፣ ፍሉጣት ሰባት፣ ነጠፍቲ፣ ሙሁራት ስነ-ቁጠባን ጋዜጠኛታትን ከምዝሳተፉሉ ይፍለጥ።
እቶም ኣብ ስዊዝ - ዳቮስ ዝራኸቡ ተኣከብቲ ብመስተን ካልእን መዘናግዒ ነገራትን እናተሃደሱ ነቲ ኣኼባ የካይድዎ ነይሮም።
ሎሚ ዓመት ግን እቲ ኣብዚ ሰሙን ክሰላሰል መደብ ዝተትሓዘሉ ፎረም ብሰንኪ ኦሚክሮን ብኦንላይን ክካየድ ተወሲኑ’ሎ።
ዋና ኣፈጻሚ ኦክስፋም ዓባይ ብሪጣኒያ ዳኒ ስሪስካንዳራጃ፡ እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል በቢ ዓመቱ ነዚ ጸብጻብ ኣብ እዋን ፎረም ቁጠባ ዓለም ወግዓዊ ዝግበረሉ ምኽንያት፡ ካብ ተሳተፍቲ ዓብዪ ቆላሕታ ንምርካብ ብዝብል ከምዝኾነ ኣረዲኡ።
“ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን ዳርጋ መዓልታዊ ሓደሽቲ ቢልዮነራት ክፍጠሩ ከለዉ እቲ 99 ሚኢታዊት ካብ ህዝቢ ዓለም ግን ብሰንኪ ዕጽዋ፣ ምድኻም ዓለምለኻዊ ንግዲን ምንካይ ዓለምለኻዊ ቱሪዝምን ኣብ ሽግር ይርከቡ። በዚ ምኽንያት ተወሰኽቲ 160 ሚልዮን ሰባት ናብ ጸፍሒ ድኽነት ተደፊኦም ኣለዉ” ኢሉ።
እቶም ኣብዚ እዋን ሃብቶም ብልዕሊ ዕጽፊ ዝውስኽ ዘሎ ሃብታማት ዓለም፡ ኤሎን ማስክ፣ ጄፍ ቤዞስ፣ በርናርድ ኣርነልትን ቤተሰቡን፣ ቢል ጌትስ፣ ላሪ ኤሊሶን፣ ላሪ ፔጅ፣ ሰገይ ብሪን፣ ማርክ ዙከርበርግ፣ ስቲቭ ባልሜርን ዋረን ባፌትን እዮም።
ናይ ኩሎም ሃብቲ ተደሚሩ ካብ ዝነበሮ 700 ቢልዮን ዶላር ናብ 1.5 ትሪልዮን ዶላር ክብ ኢሉ’ሎ።
ኣብ ሞንጎኦም ግን ዝተፈላለየ መጠን ዕብየት ሃብቲ ዘሎ ኮይኑ፤ ንኣብነት ናይ ኤሎን ማስክ ብልዕሊ 1000 ሚኢታዊት ክዓብይ ከሎ ናይ ቢል ጌትስ ድማ 30 ሚኢታዊት ከምዝኾነ ኦክስፎር ንጸብጻብ መጽሔት ፎርብስ ብምጠቃስ ይሕብር።
ካብ ባንኪ ዓለም ንዝረኸቦ መረዳእታ’ውን ከምዝተጠቐመ ዝገልጽ ኦክስፋም፡ ኣገልግሎት ትካላት ጥዕና ዘይምርካብ፣ ጥምየት፣ ንጾታ መሰረት ዝገበሩ ዓመጻትን ክሊማዊ ሳዕቤናትን ኣብ ነብሲ ወከፍ 4 ሰከንድ ሓደ ሰብ ክመውት ምኽንያት ከምዝኾኑ ኣመልኪቱ’ሎ።
ድኻታት ሃገራት ብሰንኪ ዘለወን ዓለምለኻዊ ዕዳ፡ ንማሕበራዊ ኣገልግሎታት ኣብ ዝምድብኦ ዝነበረ በጀት ክንክያ ተገዲደን ኣለዋ።
ማዕርነት ጾታ’ውን ማሕለኻ ዘጋጠሞ ኮይኑ፡ ካብቲ ብ2019 ካብ ዝነበረ ብምንካይ ኣብዚ እዋን ትሕቲ 13 ሚልዮን ደቂኣንስትዮ ጥራሕ ኣብ ስራሕ ይርከባ።
ልዕሊ 20 ሚልዮን ደቂኣንስትዮ ተምሃሮ ድማ ናብ ትምህርቲ ኣብ ዘይምለሳሉ ኩነታት ወዲቐን ምህላወን እቲ ጸብጻብ ይሕብር።
ውሑዳን ጉጅለታት ዓሌት ከዓ ካልኦት ብኮቪድ ኣዝዮም ዝተሃሰዩ ኮይኖም ኣለዉ። እዚ ድማ ነቶም ኣብ ብሪጣኒያ ዝርከቡ ባንግላዲሻውያን ጸለምቲ ኣሜሪካውያንን የጠቓልል።
ስለዝኾነ ድማ ፖለቲካዊ መራሕቲ ዝሓሹ ቁጠባዊ ስትራቴጂታት ኣብ ምሕንጻጽ ታሪኽ ዝሰርሑሉ ኣጋጣሚ ከምዘሎ፡ ዋና ኣፈጻሚ ኦክስፋም ዓባይ ብሪጣኒያ ዳኒ ስሪስካንዳራጃ ኣረዲኡ።
ሃብታማት ዝለዓለ ግብሪ ክኸፍሉ ምግባር ከምኡ’ውን ካብ ዝርከብ እቶት “ጽፈቶም ዝሓለዉ ኣገልግሎታት ትካላት ጥዕናን ማሕበራዊ ውሕስናን ክህልዉ” ከምዝግባእ እቲ ኣፈጻሚ ገሊጹ’ሎ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







