ስዑዳዊ ልኡል ብምምሳል ልዕሊ 8 ሚልዮን ዶላር ዘታለለ ውልቀ ሰብ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, Instagram/princedubai_07
ንዓመታት ኣብ ኣዝዩ ዘመናዊ ሆቴል ዝተቐመጠ ኣንቶኒ ጆንያክ፡ ክቡራት ዝኾኑ መጋየጺታትን ዝተኸድነን፤ ብናይ ውልቂ ነፋሪትን ዘመናዊ መካይን ይንቀሳቐስን ነይሩ። ብተወሳኺ ዲፖሎማሰኛታት ዝንቀሳቐስሉ ናይ ፍቓድ ወረቐት ዝሕዝ እንትኾን፡ ዝሕዞ 'ቢዝነስ ካርድ' ድማ 'ሱልጣን' ዝብል መዓርግ ዝተጽሓፎ እዩ።
ይኹን እምበር እዚ 'ልኡል' እየ ዝብል ግለ ሰብ፡ የታልል ከም ዝነበረ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ከም ዝተቓለዐን፡ በዚ ናይ ምትላል ተግባር ድማ 18 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱዎ።
''እቲ ወዲ 48 ዓመት ጂኒያክ መታለሊ እዩ፤ ስዑዳዊ ልኡል ብምምሳል ካብ ሰብ ሃብቲ 8 ሚልዮን ዶላር ኣኪቡ እዩ'' ክብል ነቲ ውሳነ ዘሕለፈ ናይ ፍሎሪዳ ቤት ፍርዲ ዳኛ ገሊጹ።
ዓቃቢ ሕጊ ኣመሪካ ፋጃርዶ ኦርሻን ብወገኑ ''ኣንቶኒ ንዝሓለፉ ሰላሳ ዓመታት ስዑዳዊ ልኡል ብምምሳል ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ንዝነብሩ ሰብ ሃብቲ ከታልልን ዘይግባእ ስራሕ ክሰርሕን ጸኒሑ እዩ'' ይብል።
እቲ ልኡል ካሊድ ቢን ኣልሳዑዲ ብምምሳል ንብዙሓት ሰባት ዘየለ ተስፋ ክህብ ዝጸንሐ ውልቀ ሰብ፡ ንብዙሓት ሰባት ካብ ዝሓሰብዎ ኣትሪፉዎም እዩ።
በዚ ድማ ብዙሓት ሰብ ሃብቲ ልዕሊ 8 ሚልዮን ዶላር ከም ዝሰኣኑ ኦርሻን ወሲኹ ገሊጹ።
አንቶኒ ጂኒያክ መን እዩ?
ኣብ ኮሎምብያ ዝተወለደ ጂኒያክ ወዲ ሸውዓተ ዓመት እንከሎ እዩ ብመዕበይቲ ናብ ግዝኣት ኣመሪካ ዝኾነት ሚሺጋን ተወሲዱ።
ወዲ 17 ዓመት ምስኮነ ድማ ስዑዳዊ ልኡል ብምምሳል ንትካላትን፣ ነጋዶን ሰብሃብትን ንምትላል ፈተነ ክገብር ጀሚሩ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ምስ ጉዳይ እቲ ልኡል ብዝተተሓሓዘ 11 ግዜ ከም ዝተኣሰረን፤ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ጀሚሩ ድማ ካሊድ ቢን ኣልሳዑዲ ዝብል ስም ክጥቐም ከም ዝጸንሐ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕገ ኣመሪካ ንግዝኣት ፍሎሪዳ ሓቢሩ እዩ።
እቲ ውልቀ ሰብ ንምትላል ክጥዕሞ፡ ንሓለውቱ ናይ ሓሶት ናይ ዲፕሎማት ፍቓድን መረዳእታታትን ይገዝእ፤ ናይ ስዑዲ ባህላዊ ክዳውንቲ ይኽደንን ክቡራት ቐለበታት ይገብርን ነይሩ።
ምስ ሰብ ሃብቲ ኣብ ዝራኸበሉ እዋን ድማ ልኡል መሲሉ ይቐርብን ከም ንጉሳውያን ቤተሰብ ህያብ የበርክተን ነይሩ።
መርመርቲ ከም ዝብልዎ፡ እቲ ውልቀ ሰብ፡ ንሰብ ሃብቲ ገንዘቦም ኣብ ዘየለ ትካላት ከዋፍሩ ገይርዎም ኢዩ።
ኮይኑ ግና ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ መያሚ ክሰርሖ ዝፈተነ ዘመናዊ ሆቴል ኣይሰመረሉን።
እቲ ፈተንኡ ክፈሽል ዝኸኣለ፡ በዓል ዋና እቲ ሆቴል ነቲ ልኡል ናይ ሓሰማ ስጋ ክበልዕ ምስሓተቶ ፍቓደኛ ብምዃኑ፡ እቲ ሰብኣይ ዝነበሮ ጥርጣረ ክውስኽ ስለዝገበሮ እዩ።
''ኣስላማይ ስጋ ሓሰማ ኣይበልዕን'' ክብል እቲ ሰብኣይ ንመያሚ ሄራልድ ተዛሪቡ እዩ።
ድሕሪ እዚ ነቲ ልኡል ዝምርምር ጉጅለ ከም ዝቖመን፤ እቲ ጉዳይ ድማ ናብ ምርመራ ፌደራል ከምርሕ ተገይሩ።
በዚ ምኽንያት ድማ ጂንያክ፡ ብምትላልን፣ ናይ ሓሶት መንነት ብምጥቃምን ዲፕሎማሰኛታት ካልኦት ሰብ ሃብቲ ብምትላልን ን18 ዓመት ክእሰር ተፈሪድዎ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







