ዚምባብወ፡ ምንጪ ሃብቲ 'ዕሉላት' ሰብ ሃብቲ ሃገራ ክትምርምር እያ

ዶላር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንልዕሊ 10 ዓመት፡ ብከቢድ ዝቕባበ ዋጋ ተጠቒዓ፡ ሰንከልከል እያ ትብል ዘላ።

ኣብታ ሃገር ድማ፡ ካብ ጉድለት ዕግበት ኣወሃህባ ኣገልግሎት መንግስትን ግዕዝይናን ዝነቐለ፡ መግለጺ ዝተሰኣኖ ቑጥዐ ኣሎ።

ካብ ቀረባ እዋናት ንነጀው እሞ፡ ዜጋታት መዓልታዊ መግቢ’ውን ክረኽቡ ይጽገሙ ኣለው።

ማይን መብራህትን፡ ናይ ምችኦት ካብ ዝኸውን ነዊሕ እዋን ገይሩ።

ሕብስትን ነዳድን ክትረክብ ሪጋ ሒዝካ ትውዕል፤ ሓንቲ ዙር ንምርካብ ልዕሊ ሓደ መዓልቲ ሪጋ ሒዝካ ክትውዕል ግድን ይኸውን ኣሎ።

ፕሬዝደንት ነበር ሮበርት ሙጋበ መንሽሮ ጸገማት እታ ሃገር’ዩ ክብሃል እንተጸንሐ’ውን፡ ሕጂ’ውን ምምሕያሽ ከተርኢ ኣይክኣለትን።

ሰበ ስልጣን እታ ሃገር፡ ነቲ ዘሎ ዝቕባበ ዋጋ ንምግዳብ ሓደሽቲ ሜላታት ከተኣታትው ጀሚሮም ኣለው።

ትማሊ ዝወጽአ ሓድሽ መረዳእታ ከም ዘመላኽቶ፡ ኣብ ዚምባብወ ንሓደ በዓል ሃብቲ ቤት ፍርዲ ካብ ብልሽውና ናጻ ኢኻ እንተበሎ’ውን፡ ምንጪ ዘኻዕበቶ ሃብቲ እንታይ ምዃኑ ብግልጺ ከረድእ እንተዘይክኢሉ ግን ንብረቱ ይህገር።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ጸረ ግዕዝይና ማታንዳ ማዮ፡ ድሕሪ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ዝተላዕጠጠ ሃብቲ ዘለዎም ሰባት ቁጽጽር ክግበር እዩ ኢሉ።

“ሕጂ፡ ኣብ ልዕሊ ዝተትረፍረፈ ናብራ ዘለዎም ሰብ ሃፍቲ ጥቡቕ ቁጽጽር ክንገብር ኢና። ክሳብ ክንድዚ ሓለፋ ዘለዎ ገንዘብ ካበይ ኣምጺኦምዎ? ሃብቶም ዘተኣማምን ድዩ? ግብሪኸ ይኸፍሉ’ዶ? ዝብል ክነጻሪ ኢና” ኢሉ እቲ ኮሚሽነር።

እቲ ኮሚሽን፡ በዚ መገዲ ናይ ሰባት ምንጪ ሃብቲ ንክምርምር፡ ብ 2019 ስልጣን ተዋሂቡዎ እዩ። በዚ መገዲ፡ እቶም መርመራ ዝግበረሎም ሰብ ሃፍቲ፡ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብምኻድ መብርሂ ክህቡ’ዮም፤ እንተዘይኮይኑ ንብረቶም ይህገር።

ኣብ ቀረባ፡ ጉዳያት ብልሽውና ብምጽናዕ ዝፍለጥ ‘ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል’፡ መስርሕ ዕድጊት ጨረታ ኣቑሑት ሕክምና ኮሮናቫይረስ እታ ሃገር ንብልሽውና ዝተቓልዐ እዩ ክብል ስግኣቱ ገሊጹ ነይሩ።

በዚ ምኽንያት፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ኦባዲህ ሞዮ ግቡእ ስርዓት ኣይተኸተለን ዝብል ክሲ ተመስሪትሉ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ ድማ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ እዩ።

ብዝሒ ህዝቢ ዙምባብወ፡ 15.6 ሚሊዮን ኮይኑ፡ እቲ 60 ሚኢታዊት ኣብ ትሕቲ ድኽነት ይነብር።