ካሪብያን፡ ንኣማኢት ዓመታት ኣብ ጭቃ ተቐቢሩ ዝጸነሐ 'ክቡር ሃብቲ'

ምንጪ ስእሊ, Jean-Sébastien Guibert
ኣብ ካሪብያናዊት ሃገር ኮመንዌልዝ ኣንቲጉዋ ንልዕሊ 200 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ማይ ብጭቃ ተቐቢሩ ዝጸንሐ ስባር መርከብ ተረኺቡ።
ማርሲ ቤልግሬቭ፡ ነዚ ተመራመርቲ ታሪኽ ክቡር ሃብቲ ዝብሉዎ ዘለው ስባር መርከብ ዝረኸበ ውልቀሰብ እዩ።
ንሱ ክኢላ ኣብ ትሕቲ ማይ ዝስርሑ ስራሕቲ ኮይኑ ዝበዝሕ ግዝኡ ኣብ ውሽጢ ማይ’ዩ ዘሕልፎ።
“ን31 ዓመታት ኣብ ባሕሪ ካብ ዝነበረኒ ጻንሒት ዝረኸብኩዎ ብሉጽ ነገር እዚ እዩ” ይብል ማርሲ ቤልግሬቭ ናብታ ስባር መርከብ እናኣመልከተ።
ስራሕቲ ጽገና መራኽብ ኣብ ዝዝውተረሉ ሓይሊ ባሕሪ ኣንቲጉዋ ነተን ሽኮር ዘፍርያ ደሴታት ብሪጣኒያ ኣብ ምሕላው ዝነበሮም ተራ ዝምስክሩ ታሪኻዊ መልሕቓትን መዳፍዕን ዝኣመሰሉ ታሪኻዊ ሓድግታት ኣለው።
ኣብ ጥቓኡ ዘለው ጽልምትምት ዝበሉ ማያት ግን ካልእ ሚስጢር ሓቢኦም ጸኒሖም።
ንዝሓለፉ ዓመታት እዚ ክኢላ ስራሕቲ ትሕቲ ማይ፡ ናብ ዓሞቕቲ ማያት ብምእታው ካብ 18 ክፍለዘመን ኣትሒዙ ዝነበሩ ናይ ትምባኾ ቱቦታት ጀሚሩ ክሳብ ናይ መድፍዕ ደወላት ረኺቡ’ዩ።
“መብዛሕትኡ ታሪኽ ኣብ ትሕቲ ማያት’ዩ ዘሎ” ይብል።
እዚ ሰብ ብ2013፡ መልሕቕ ናይ ምጽራይ ስሩዕ ስራሑ እናሰርሐ እንከሎ እቲ ክሳብ ሕጂ ብሉጽ ዝብሃል ርኽበት 250 ዓመት ዕድመ ዘለዎ ሸንሸል መርከብ ረኺቡ።
“ኣብቲ ማያት ኣትሒተ ክኣቱ እንከለኹ ኣእዳወይ ኣብቲ ጭቃ እየን ዝዛውና፤ ሃንደበት እቲ ኢደይ ዝተንከፎ ነገር ዕንጸይቲ ምዃኑ ኣለልየ፤ ጸኒሑ ኣካል ሓደ ዓብዪ ጃልባ ምዃኑ ፈሊጠ” ይብል።
ካብዚ ብዝብገስ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብቲ ከባቢ ዑደት ዝገበረ ጉጅለ መጽናዕቲ ስነ ጥንቲ [ኣርኪዮሎጂ] 40 ሜትሮ ንውሓቱ መርከብ ምህላው ተፈሊጡ።

ምንጪ ስእሊ, Dieppe Museum
ሙሁራት ታሪኽ፡ እታ መርከብ ብ1762 ናይ ዝነበረ ኣብ ደሴት ካሪብያን ፈረንሳዊ ነጋዳይ ከም ዝኾነት ብምግላጽ ድሓር ግን ሓደ ልዮን ዝተባህለ ውልቀሰብ ዓዲጉዋ ኣብ ኲናት ናጽነት ኣመሪካ ዝወዓለት እያ ይብሉ።
እታ መርከብ ብጭቃ ተደፊና ክትጸንሕ ዝገበራ ኣብ ዓመት ብኣማኢት ዝቑጸራ ንውድድር ዝኾና ጀላቡ ነቲ ጭቃ ከይነኽአኦ ብምጽንሐን ከም ዝኾነ ሰብ ሞያ ስነ ጥንቲ ይዛረቡ።
ኣብዚ ዙርያ ክካየዱ ዝጸንሑ ብርክት ዝበሉ ጻዕርታት ብሰንኪ ሕጽረት ምወላ ክሳብ ቀረባ ግዜ ውጽኢት ክርከቦም ኣይክኣለን ጸኒሑ፤ መንግስታት ፈረንሳን ማርቲኒኩን ከምኡ’ውን ኣብ ኣመሪካ ማእከሉ ዝገበረ ‘ፋውንዴሽን ሪቻርድ ሎንስበሪ’ ነዚ ፕሮጀክት ዝኸውን ገንዘብ ሓጊዞም።
ኣብ ኣንቲጉዋ ወኪል ትካል ባህሊ፣ ትምህርን ሳይንስን ውድብ ሕቡራት ሃገራት [ዩኔስኮ] ዶክተር ሬግናልድ ማርፊ እዚ “ወሳኒ ታሪኻዊ ርኽበት’ዩ” ብምባል “ቅድም ኢሉ ብዙሓት ኣብቲ ግዜ ዝነበሩ ህንጻታትን ሓድግታትን እኳ እንተተረኸቡ ምስዚ ዝወዳደሩ ግን ኣይኮኑን። እዚ’ዩ ነቲ ሓቂ ዘረጋግጽ” ኢሉ።
እዛ መርከብ ኣብ መበል 18 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ዓይነት ኣሰራርሓ መርከብ ዝሕብር ክትኸውን እያ ተባሂሉ።
እዚ ተወሳኺ መጽናዕቲ ዝሓትት’ኳ እንተኾነ እዚ ስባር መርከብ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዓለም ካብ ዝተራእዩ ስባር መራኽብ ፈላማይ ክኸውን ከም ዝኽእል ግን ኣብታ ሃገር ዝርከብ ተመራማሪ ዶክተር ክሪስቶፈር ዋተርስ ተዛሪቡ።
እዛ መርከብ ብ1664 ኩባኒያ ኣብ ኤስያ ንትካላት ንግዲ ኢንግሊዝን ደችን ንምውድዳር ዓሊሙ ብዝተመስረተ ኩባኒያ ኢስት ኢንዲያ ፈረንሳ’ያ ተሰሪሓ።
ከም ዓባይ መርከብ ንግዲ፡ ካብ ፈረንሳ ናብ ህንድን ውቅያኖስ ፓስፊክን ክትጉዓዝ ተባሂሉ’ያ ተሰሪሓ።
ድሕሪ ምዕናው ኩባኒያ ኢንዲያ ኢስት ፈረንሳ ካብ 1770 ክሳብ 1772 ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳ ናይ ኲናት መርከብ ኮይና ኣገልጊላ።
ብ1778 ኣብ ኲናት ናጽነት ኣመሪካ ን13 ግዝኣታት እናደገፈት ብሓይሊ ባሕሪ ኤችኤምኤስ ተታሒዛ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







