ብፋጻ ዝረዳድኡ ሕብረተሰብ ዝነብሩላ ስጳኛዊት ደሴት

ምንጪ ስእሊ, Richard Franks
ላ ጎሜራ ኣብ ዝተባህለት ንኡሽቶ ደሴት ስጳኛ ኣብ ዝርከብ ኣኻውሕ ዝበዝሖ ሽንጥሮ ባራንሶ ዲ ኣቫሎ፡ ክልተ ደቂ 12 ዓመት ቖልዑት ሲልቦ ጎሜሮ ክለማመዱ ረኺብናዮም።
ኣብዛ ደሴት ዝነብሩ ሰባት ሲልቦ ጎሜሮ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቋንቋ ፋጻ ይዛረቡ።
ጡረተኛ መምህር እዚ ቋንቋ ዝነበረ ወዲ 70 ዓመት ኤሃንዮ ዳሪየስ ኣብታ ኣቦ ሓጉኡ ዝውንናን ዝሰርሓላን ዝነበረ ቦታ ኮይኑ ምስቶም ቖልዑ ረኺብናዮ።
እቶም ቖልዑ ብፋጻ ዝዛረቡዎ ዘለው ቋንቋ ምስቲ ብጽሑፍ ዘሎ ምልውዋጥ ሓበሬታ ወይ መልእኽቲ ሓደ ዓይነት ከም ዝኾነ ይዛረብ።
ኣብ ተመሳሳሊ ዕድመ ዝርከቡ መሓዙቶም ቴሌፎን ኣልዒሎም ሃሎ . . . ሃሎ ኣብ ዝብሃሃልሉን መልእኽቲ ጽሑፍ ኣብ ዝለዋወጥሉን ዘመን፡ ቖልዑት እዛ ንኡሽቶ ደሴት ካናሪ ብዝተፈለየ መገዲ ክሓስቡ ገይራቶም'ያ።
ብሳላ ኣበርክቶ መምህር ዳሪየስ፡ እዚ ቋንቋ ፋጻ ካብ 1999 ጀሚሩ ከም ሓደ መጠናኸሪ ትምህርቲ ይወሃብ ስለ ዝነበረ፡ ዳርጋ ኩሎም 22 ሽሕ ነበርቲ እዛ ደሴት ካብቲ መፍትሒ ኣፎም ዝኾነ ቋንቋ ደሴት ካናሪያን ብተወሳኺ ነዚ ቋንቋ ይርድኡዎ'ዮም።
"ተመሃሮ እንተደልዮም ልክዕ ከም ካልእ ቋንቋ ነዚ'ውን ክጥቀሙ ከም ዝኽእሉ ክፈልጡ ምግባር ጠቓሚ'ዩ። መዓልታዊ እትጥቀመሉ ክኸውን ኣለዎ ማለት ግን ኣይኮነን" ይብል ዳሪየስ።
ንሱ፡ ቀላሲ ወይ ጀማሪ ፕሮግራም ምምሃር ቋንቋ ሲልቦ ጎሜሮ እዩ።
"ዕላማና እቶም ህጻናት ነዚ ቋንቋ'ውን ንክጥቀምሉ ነፍሰ-ምትእምማን ንክህልዎም'ዩ። ትምህርቲ ቋንቋ ፋጻ ኣካል ስርዓተ ትምህርቲ ክኸውን ምኽኣሉ ከኣ ንከይጠፍእ ይሕግዞ'ዩ" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Richard Franks
ቋንቋ ፋጻ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘሎ ኮይኑ፡ ጋዜጠኛ ፍራንሲስካ ጎንዛሌዝ ሳንታና ኣብ "ኣስታት 70" ከባቢታት ከም ዝዝረብ ትገልጽ።
"ንኣብነት ኣብ ቱርኪ ኣብ ግዜ ንግስነት ኦቶማን ጀሚሩ ቅድሚ 500 ዓመት'ዩ ጀሚሩ። ድሕሪኡ ናብ ዞባታት ጸሊም ባሕርን [Black Sea] ሜክሲኮን ስለ ዝተሰፋሕፈሐ ክሳብ ሕጂ ኣብ ስፔን እውን መረዳድኢ ቋንቋ ኮይኑ ንረኽቦ" ትብል።
ኣብ ዓለም ካብቶም ኣዐርዮም ዝተጸንዑ ናይ ፋጻ ቋንቋታት ሓደ ዝኾነን ኣብ 2009 ኣብ ዘይድህሰሱ ሓድጊታት ትካል ባህሊ፣ ትምህርትን ሳይንስን ውድብ ሕቡራት ሃገራት [ዩኔስኮ] ዝተመዝገበን ሲልቦ ጎሜሮ፡ ንመረዳድኢ ዝኾኑ ሽዱሽተ ጥቡቓት ድምጺታት ይጥቀም።
እቶም ክልተ መፈላለዪ ድምጺታት ንቶም ኣብ ቋንቋ ስፔን ዘለዉ ሓሙሽተ መናብብቲ ዝትክኡ ኮይኖም እቶም ኣርባዕተ ድማ ነቶም 22 ተነበብቲ ፊደላት ይትክኡ።
እቶም ዝፋጽዩ ሰባት ከኣ ነቶም ድምጽታት ብምሕጻርን ብምንዋሕን ነቶም ቃላት የምስሉዎም።

ምንጪ ስእሊ, Richard Franks
ኣብታ ደሴት ብርክት ዝበሉ መገዲታት ፋጻ ዘለው ኮይኖም እቲ ጥንታዊ ዝብሃል ፋጻ ቐራጺ ጆስ ዳሪየስ ብጥበብ ገይሩ ቐሪጹዎ ዘሎ'ዩ።
እዚ ብናይ ፋጻ ምልክት እተርኢ ተኽሊ ዝመስል ዝተቐረጸ ስእሊ ዚያዳ ቋንቋ ሲልኖ ጎሜሮ ይዝረበሉ ነይሩ ኣብ ዝብሃል ጎቦ ተተኺሉ ይርከብ።
ሙኩራት ፋጸይቲ ዝተፈላለየ ናይ ኢድ ቅርጺ ዝጥቀሙ ኮይኖም ዓይነት ኣወጻጽኣ ቃላት [ኣክሰንት] እውን ብዝግባእ ክነግሩ ይኽእሉ'ዮም።
መብዛሕትኦም ፋጸይቲ ግን ንርእሶም ብምልላይ ናይቲ ተቐባሊ ሽም'ዮም ዝጽውዑ።
እቲ መልእኽቲ ዝቕበል ሰብ እንተተረዲኡዎ፡ ብሓጺሩን ብቐሊሉን "ቡኖ ቡኖ" ኢሉ ይምልስ።

ምንጪ ስእሊ, Richard Franks
ሓጺርን ቀሊልን ዘይኮነ ግን መበቆል እቲ ቋንቋ እዩ።
ናይ ታሪኽ መጽሓፍቲ ከምዝሕብርዎ፡ እቲ ናይ ፋጻ ቋንቋ፡ ስፔን ብ1402 ንደሴታት ካናሪ ኣብ ዝሓዘትሉ ግዜ ከም ዝነበረ ክሕብሩ እንከለው፡ ቋንቋ ሲልቦ ጎሜሮ ግን ቅድሚኡ'ውን ጀሚሩ ዝነበረ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።
ብ2019 ናይ ድኤንኤ መርመራ ብምክያድ ኣብ ደሴት ቴኔሪፌ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ላ ላጉና ኣብ ዘሐተሞ መጽናዕቲ እቲ ቋንቋ ኣብ ደሴት ላ ጎሜራ ሰፊሮም ምስ ዝነበሩ ጉናቸስ ዝበሃሉ ደቀ ባት ዝዛመድ ምዃኑ ይሕብር።
እዞም ደቀ'ባት ቅድሚ ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ዓመት ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝመጽኡን ብፋጻ ዝረዳድኡን ዝነበሩ ኮይኖም፡ ናብዛ ደሴት ዝመጽኡ ስፔናውያን ሰፈርቲ ከኣ ነዚ ቋንቋ ክመልኩዎ ከም ዝጀመሩ ይገልጽ።
እዚ ቋንቋ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት መግዛእቲ ስፔን ናብ ካልኦት ደሴታት ካናሪ ከም ዝሰፍሐ ክግለጽ እንከሎ፡ ሕጂ ግን ኤል ሂሮ ኣብ እትብሃል ደሴት ካናሪ ብሰብ ጸጋ ዕድመ ጥራሕ ከም ዝዝረብ ጋዜጠኛ ሳንታና ትሕብር።
ኣብ ደሴት ላ ጎሜራ ዝነብሩ ሰባት ግን እዚ ቋንቋ ዓበይቲ ፍጻሜታት ክህልዎም እንከሎ፣ ናብ ዘለውሉ ጠለ በጊዕ ክመጽኣሎም እንተደልዮም፣ ዝኾነ ሓደጋ ምህላው ንምሕባር እንትደልዩ ወይ ድማ ሞት ንምእዋጅ ይጥቀምሉ።
"ብቐሊሉ ብዙሕ ጎቦታት ሓዂርካ ምኻድ ክንክየልና ኣኽኢሉ'ዩ" ይብል ወዲ 70 ዓመት ኤሃንዮ ዳሪየስ።
ኣብ 1950ታት፡ ቋንቋ ሲልቦ ጎሜሮ ተረሓሒቖም ኣብ ሞንጎ ዝሰፈሩ ሓረስቶት ቕልጡፍ መልእኽቲ ንምብጻሕ ይውዕል ነይሩ።
"ኣብቲ እዋን ሓደ መልእኽቲ ንምብጻሕ ዋላ ሓደ እቶም ኣጻድፍ ክወርድ ኮነ ክድይብ ኣይደልን ነይሩ። ስለዚ ሰባት ፋጻ ክጥቀሙ ተገዲዶም" ብምባል የረድእ።
"እንተኾነ ካብ 1960 ክሳብ 1970ታት ኣብ ዘሎ ግዜ መብዛሕትኡ ናይ ሕርሻ መሬት ተገዲፉ መብዛሕትኦም ካብታ ደሴት ክወጽኡ ጀሚሮም። እቲ ቋንቋ ኣብ ሞንጎ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ኣርባሕቲ እንስሳት ዝውዕል መረዳድኢ ቋንቋ ስለ ዝነበረ ካብታ ደሴት ምስ ወጽኡ እቲ ቋንቋ ፋጻ'ውን ምስኦም ከይዱ" ይብል።
መብዛሕትኦም ቁጠባዊ ዓቕሞም ንምድልዳል ናብ ከም ኵባን ቬነዝወላን ከምኡ'ውን ጎረቤት ደሴት ካናሪ ዝኾነት ቴነሪፍ ዝበላ ዝሓሸ ቑጠባ ዘለወን ሃገራት ክስደዱ ስለ ዝጀመሩ፡ እቲ ቋንቋ ካብ 1960ታት ንድሓር'ዩ ከንቆልቁል ጀሚሩ።
ብተወሳኺ ቴሌፎን ብብዝሒ ሰባት ዝራኸብሉ መገዲ እናኾነ ምስ መጽአ እቲ ቋንቋ ናይ ምጽናት ሓደጋ ክገጥሞ ምኽንያት ኮይኑ ይርከብ።
ብ1990ታት ዘመናዊ ቴክኖሎጅን ናብ ላ ጎሜራ ዝኣትው ሓደሽቲ መገዲታት ክህነጹ ምስ ጀመሩ ኣገዳስነት እቲ ቋንቋ እናጎደለ ኣብ ሓደጋ ምጥፋእ በጺሑ።
ኣብዚ ግዜ'ዩ ዳሪየስ ሓደሽቲ ወለዶ ነዚ ቋንቋ ክርድኡዎ ጥራሕ ዘይኮነ ክጥቀሙሉ'ውን ኣለዎም ዝብል በይናዊ ተበግሶ ብምውሳድ እቲ ቋንቋ ንምዕቃብ ክሰርሕ ጀሚሩ።
ቋንቋ ፋጻ ኣብ ኣብያተ ትምህርትን መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈትን ዝዝረበሉ ኣጋጣሚ ኣዝዩ ውሑድ እንተኾነ'ውን፡ ሓሓሊፉ ኣገልግሎት ቴሌፎን ኣብ ዘይብሎም ከባቢታት እታ ደሴት ይዝረብ ኣሎ።
"ክልተ በዚ ቋንቋ ዝዘራረቡ ጓሶት ይፈልጥ'የ፤ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ደሴት ዝነብሩ ደቂ ሓወይ'ዮም። ቴሌፎን ስለ ዘየሎ ንዕኦም እዚ ቋንቋ ኣገዳሲ'ዩ" ይብል ዳሪየስ።
"ሕጂ ቴሌፎንካ ባትሪ እንተወዲኣ ሲልቦ ጎሜሮ ዲኻ ትጥቀም?" ኢልና ሓቲትናዮ።
"ግድን! ቴሌፎን እንተዘይህሉ ነይሩ'ኮ በዚ ቋንቋ ኢና ክንረዳዳእ ነይርና" ኢሉ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







