ናይጀሪያ፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝተፈላለየ ቋንቋ ዝዛረብሉ ማሕበረሰብ

ኣብ ደቡባዊ ናይጀሪያ ዝርከብ ኡባንግ ዝተብሃለ ብሕርሻ ዝመሓደር ማሕበረሰብ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ዝተፈላለየ ቋንቋ'ዮም ዝዛረቡ።
እዚ ኣፈላለይ ቋንቋ፡ ባህሎም ንዓለም ብምንጽብራቕ መስሕብ በጻሕቲ ዓዲ ክኾኑ ዝተዉሃቦም ባርኾትን ተስፋን ከምዝኾነ ይኣምኑ።
ንኣብነት ኣብታ ንሓደ ዓይነት መግቢ ደቂ-ኣንስትዮ 'ያም' ክብለኦ እንከለዋ፡ ደቂ-ተባዕትዮ ድማ 'ኢቶንግ' ዝብል መጸዉዒ ይጥቀሙ።
ማሕበረሰብ ኡባነግ፡ ንነፍሲ ወከፍ ንዋይ፣ ቦታን ካልእን ንምጽዋዕን ንምርድዳእን ዝተፈላለየ ቋንቋ'ዮም ዝጥቀሙ።
ሓላፊ ባይቶ ባህላዊ ምሕደራ ኡባንግ ኦሊቨር ኢባንግ፡ "ፈጣሪ ዓለም ክፈጥር እንከሎ፡ ንሓድሕድ ዓሌት ዘገልግል፡ ክልተ ቋንቋ'ዉን ክፈጥር'የ ኢሉ ነይሩ። ስለዝኾነ ድማ እዚ ስርሑ ብኡባንግ ጀሚሩ" ይብል።

ህጻናት ተወሊዶም እንትዓብዩ እታ ጓል ኣንስተይቲ ብእትዛረቦ ቋንቋ ኣፎም እንትፈትሑ፡ ደቂ ተባዕትዮ 10 ዓመት እንትበጽሑ፡ ሰብኡት ዝጥቀምሉ ቋንቋ ይመሃሩ።
ወዲ ተባዕታይ ኾይኑ ጓል ኣንስተይቲ እትዛረቦ ቋንቋ ኡባንግ እንተድኣተዛሪቡ ወይ ድማ ጓል ኣንስተይቲ ኾይና ቋንቋ ሰብኡት እንተድኣ ተዛሪባ፡ እቲ ህጻን "ጸገም ጥዕና ኣለዎ" ተባሂሉ ይንቀፍ ይብል ኦሊቨር።
ማሕበረሰብ ኡባንግ ብባህሎምን ቋንቆኦምን ኣዝዮም'ዮም ዝሕበኑ።
"ቋንቋና ንክቕጽል በብመዓልቱ ሰባት ክመጽኡን ክበጽሑናን ዝገብር ማእኸል በጻሕቲ ዓዲ ክህልወና ኣለዎ" ይብል ኦሊቨር።
"ቋንቋ ክመዉት የብሉን፤ እዚ ቋንቋ እንተድኣ ሞይቱ ኡባንግ ዝበሃል ማሕበረሰብ ኣይህልዉን" እዉን ይብል።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







