ኮቪድ፡ ኣብ ሒደት ሰሙናት ፍርቂ ኣውሮጳ ብኦሚክሮን ክልከፍ'ዩ - ውድብ ጥዕና ዓለም

ሓንቲ ፋርማሲስት ኣብ ፋርማሲ ውጽኢት መርመራ እናርኣየት 10 ጥሪ 2021 ማድሪድ ስጳኛ

ምንጪ ስእሊ, Europa Press News/Getty Images

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝቅፅሉ ሽድሽተ ወይ ሸሞንተ ሰሙናት፡ ፍርቂ ሃገራት ኣውሮጳ ዓሌት ኮቪድ ብዝኾነ ኦሚክሮን ከምዝልከፋ ኣጠንቂቑ።

ሓድሽ ዓሌት ኦሚክሮን፡ ዓሌት ደልታ ካብ ዘርኣዮ ምልባዕ ብዝለዓለ፡ ኣብቲ ከባቢ ብኣልማማ ይላበድ ከምዘሎ ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዳይሬክተር ዞባ ኣውሮጳ ዶክተር ሃንስ ክሉዥ ይገልጽ።

እዚ ትንቢት፡ ኣብ ፈላማይ ሰሙን ሓድሽ ዓመት 2022 ጥራሕ ኣብ መላእ ኣውሮጳ ሸውዓተ ሚልየን ሰባት በቲ ቫይረስ ምልካፎም ተደሪኹ’ዩ ወግዓዊ ኮይኑ ዘሎ።

መጠን ምልባዕ እቲ ቫይረስ ኣብ ክልተ ሰሙን ጥራሕ ልዕሊ ዕፅፊ’ዩ ወሲኹ።

ዶክተር ክሉዥ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ሃገራት ንደልታ ቫይረስ ክሳብ መወዳእታ 2021 ንምክልኻል ይፅዕራ ኣብ ዝነበራሉ ግዘ፡ ማዕበል ዓሌት ኦሚክሮን ካብ ምዕራብ ናብ ምብራቕ ብኣልማማ ነቲ ከባቢ ይፀራርግ ኣሎ” ኢሉ።

ኣብ ሲያትል መሰረት ንዝገበረ ትካል መለክዕን ገምጋምን ጥዕና ብምፅራሕ፡ “ኣብ ዝቕፅሉ ሽድሽተ ወይ ሸሞንተ ሰሙናት፡ ልዕሊ 50 ሚእታዊት ህዝቢ ኣውሮጳ ብኦሚክሮን ክልከፍ’ዩ” ክብል ተንብዩ።

እቲ ቫይረስ ካብ ሃገራት ምዕራብ ናብ ባልካን ይላባዕ ብምህላዉ፡ ሃገራት ማእኸላይ ኤሽያ’ውን “ኣብ ብርቱዕ ፀቕጢ ከምዝርከባ” ዶክተር ክሉዥ ገሊፁ።

ሕድሕድ ሃገራት ዝህብኦ ግብረመልሲ፡ ብኩነታት ትካላት ጥዕና፣ ብዘሎ መጠን ሃፍቲ፣ ብኣወሳስዳ ክታበት፣ ብማሕበራውን ቁጠባውን ኩነታት ከምዝውሰን’ውን ሓቢሩ።

ኣብ ቀረባ ግዘ ዝተኻየዱ መፅናዕትታት፡ ኦሚክሮን ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበሩ ዓሌታት ኮቪድ ፈኵስ ሕማም ከምዘስዕብ’ኳ እንተገለፁ፡ ኣዝዩ ይላባዕ ዘሎን ሙሉእ ክታበት ንዝወሰዱ ሰባት እንከይተረፈ ክለክፍ ዝኽእልን’ዩ።

ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ዝልኸፉ ሰባት ልዑል ምዃኑ ከኣ ንትካላት ጥዕና ከቢድ ፀቕጢ ፈጢሩለን ይርከብ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ 142,224 ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም 77 ሰባት ድማ ሞይቶም’ዮም።

ኣብ ካልኦት ሃገራት’ውን ቁፅሪ ናብ ሆስፒታል ዝኣትዉ ሰባት ይውስኽ እዩ ዘሎ። ሚኒስተር ጥዕና ፈረንሳ ኦሊቨር ቬራ፡ እዚ ወርሒ ጥሪ ንሆስፒታላት ከቢድ ከምዝኸውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣጠንቂቑ’ዩ።

እቲ ሚኒስተር፡ ደልታ ቫይረስ ኣብ ክፍሊ ፅኑዕ ክትትል ሕክምና ብዝፈጠሮ ፀቕጢ፡ ሕሙማት ኦሚክሮን ተራ ዓራት ክሕዙ ከምዝተገደዱ ገሊፁ።

ኣብ ምብራቓዊ ኣውሮጳ ትርከብ ፖላንድ ድማ እቲ ለበዳ ካብ ዝጅምር፡ ዛጊት 100 ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱ ኣፍሊጣ። ፖላንድ ብሰንኪ እዚ ቫይረስ ልዑል ሞት ብምምዝጋብ ኣብ ዓለም ኣብ ሻድሻይ ደረጃ ትስራዕ፤ 40 ሚእታዊት ህዝባ ድማ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዘይወሰደ’ዩ።

ላዕለወይቲ በዓልቲ ሞያ ጥዕና ሩስያ ዶክተር ኣና ፖፖቫ፡ ንላዕለዋይ ግብረ ሓይሊ ኮሮናቫይረስ እታ ሃገር ከምዝበለቶ፡ ለበዳ እቲ ቫይረስ ንምግታእ ስጉምቲ እንተድኣ ዘይተወሲዱ፡ ቁፅሪ በብመዓልቲ ብኮቪድ ዝልከፉ ሰባት 100 ሽሕ ክበፅሕ ይኽእል’ዩ።

ማዕኸን ዜና ሮይተርስ፡ ቁፅሪ በቲ ቫይረስ በብመዓልቱ ዝልከፉ ሰባት ኣብ መፈለምታ ወርሒ ሕዳር ካብ ዝተመዝገበ 41,335፡ ይንኪ ከምዝነበረ ፀብፂቡ።

ከም ሓበሬታ ዶክተር ፖፖቫ፡ ኣብ 13 ዞባታት እታ ሃገር 305 ብኦሚክሮን ዝተለኸፉ ሰባት ተረኺቦም’ዮም። እታ 10 ነጥቢ 5 ሚልየን በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዘለውዋ ሩስያ፡ 311,281 ሞት ኣመዝጊባ’ያ።

ኩባንያ ምፍራይ ኣዋፋውስ ፋይዘር፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ካብ ኦሚክሮን ዝከላኸል ክታበት ከፍርይ ከምዝኽእል ኣብቲ ዝሓለፈ ሰኑይ ዘፍለጠ እንትኾን፡ ሰብሞያ ጥዕና ግና ኣድላይነት እቲ ክታበት ዛጊድ ግልፂ ኣይኮነን ኢሎም።