ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ህዝባዊ ተቓውሞ ንምብታን መንብዒ-ጋዝ ተጠቒሞም

ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ነቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣሐይሉ ዝቕጽል ዘሎ ተቓውሞ ሰልፈኛታት ንምብታን መንብዒ ጋዝ ተተቒሞም ተባሂሉ።

እቲ ሰልፊ ቴቓውሞ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ካርቱም እዩ ዝካየድ ዘሎ።

ናብቶም ሰልፈኛታት ዝተሓወሰ 'ሴንትራል ኮሚቴ ዶኳትር' ብዝብል ዝፍለጥ ሓያል ጉጅል ዝርከቦ ኾይኑ፤ ኣብቲ ተቓውሞ ብፍላይ ድማ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ፈጢርዎ ዘሎ ጽልዋ ኣጉሊሕዎ ኣሎ።

ኣብ መንጎ ንዲሞክራሲ ቃልሲ ዘካይዱ ሰልፈኛታትን ወተሃደዊ ሓይልን ዘሎ ዘይምስምማዕ ዝቐጸለ ኾይኑ፡ እቲ ናብ ቦትኡ ተመሊሱ ዝነበረ ቀማይ ሚነሲተር ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብገዛእ ፍቓዱ ካብ ስደልጣኑ ምውራዱ ዝዝከር እዩ።

ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን፡ ቮለከር ፐርትስ፡ ክልቲኦም ወገናት ተቐራሪቦም ክዝትዩ ብቴሊፎን ብምዝርራብ ከምዝሓበሮም'ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

እንተኾነ እቲ ኣቕሪብዎ ዝተብሃለ ምኽረ ሓሳብ፡ ኣብ ዳርፉር ብዝርከቡ ናይ ንግዲ ማሕበራትን ዕጡቓትን ከቢድ ተቓውሞ ገጢምዎ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፡ ብሰራዊት ሃገሩ ብዝተፈተነ ዕልዋ ኣብ ናይ ቤት ማሕዩር ድሕሪ ምጽንሑ ብጸቕጢ ህዝባዊ ተቓውሞን ዓለመረ ለኻዊ ጸቕጥታን ቅድሚ ሒደት ሳምንታት ናብ ስልጣኑ ተመሊሱ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ሰራዊት ሱዳን ኣብ ጥቅምቲ ብዘካየዶ ዕልዋ ንሚኒስተር ሓምዶክ ኣብ ቤቱ ቀይዱዎ ድሕሪ ምጽናሕ ብዝተገብረ ውዕል ሽርክነት ስልጣን'ዩ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ስልጣን ተመሊሱ ነይሩ።

እቶም ተቓወምቲ ግን ምሉእ ብምሉእ ሲቪላዊን ፖለቲካዊን ምምሕዳር ክግበረሎም ስለዝደለዩ ነቲ ምስ ሰራዊት ዝተገብረ ናይ ስልጣን ሽርክነት ነጺጎምዎ።

ኣብዚ እዋን ሱዳን ኣብ "ሓደገኛ መቐይሮ" ከምዘላ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ ብቴለቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ነዚ ስዒቡ ኣሜሪካ ሓዊሱ፡ ምዕራባውያን ሃገራት፡ እቲ ሰራዊት ናይ ባዕሉ ቀደማይ ሚኒስተር ከይሸይም ኣጠንቂቖም ኣለዉ።