ፖሊስ ኣውስትራሊያ ልዕሊ 100 ሚልዮን ዶላር ዘውፅእ ዕጸ-ፋርስ ሒዙ

ኣውስትራልያ

ምንጪ ስእሊ, AUSTRALIAN FEDERAL POLICE

ፖሊስ ኣውስትራሊያ ኣብ ታሪኽ እቲ ዝለዓለ መጠን ዘለዎ ልዕሊ 100 ሚልየን ዳላር ዘውፅእ ዕፀ-ፋርስ ሄሮይን ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ።

ሰብመዚ እታ ሃገር፡ ፅዕነት እቲ 450 ኪሎግራም ዝምዘንን 104 ሚልየን ዳላር ዘውፅእን ዕፀ-ፋርስ ሄሮይን፡ ቀይሕ ኣርማ ኣብ ዘለዎ 1290 ጥቕላላት ከምዝተዳለወ ገሊፆም።

እቲ ዕፀ-ፋርስ በቲ ዝዓበየ ወደብ ኣውስትራልያ፡ ብወደብ ሜልበርን ብሓደ ሴራሚክ ዝፀዓነ ኮንቴይነር ክኣቱ እንትፍትን’ዩ፡ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ።

ነዚ ስዒቡ፡ ፖሊስ እታ ሃገር ዜግነት ማሌዥያ ዘለዎ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ኣውዒሉ።

እቲ ውልቀሰብ፡ ልዑል መጠን ዘለዎ ንንግዲ ዝውዕል ዕፀ-ፋርስ ናብ ግዝኣት ኣውስትራሊያ ከእትው ብምፍታን ክሲ ተመስሪትዎ። እቲ ተጠርጣሪ፡ ክሳብ ማእሰርቲ ዕድመ ይፍታሕ ክፍረድ ይኽእል’ዩ።

ፖሊስ እታ ሃገር ኣብቶም ዝሓዞም ዕሹጋት ዕፀ-ፋርስ ሄሮይን ከምዝረኸበ ኣረጋጊፁ’ዩ።

እቲ ዕፀ-ፋርስ ካብ ማሌዥያ ከምዝመፀን፡ ኣብ ሜልበርን ኣብ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ቦታታት ክሽየጥ ተሓሲቡ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

ነዚ ስዒቡ ፖሊስ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ከተማ ተፍትሽ ኣካይዱ።

በዓልቲ ስልጣን ፌደራል ፖሊስ ኣውስትራሊያ ክሪሲ ባሬት፡ ነዚ ልዑል መጠን ዘለዎ ዕፀ-ፋርስ ኣብ ቀይዲ ንምውዓል፡ ምስ ፖሊስ ማሌዥያ ሓቢሮም ከምዝሰርሑ ገሊፃ።

ኣብቲ ኣብ ቀይዲ ዝወዓለ ሄሮይን፡ ኣብ ሕድሕድ ክልተ ኪሎግራም፡ ህይወት ሓደ ሰብ ምድሓን ከምዝከኣልን፡ ብሓፈሻ ብሰንኪ እቲ ዕፀ-ፋርስ ክጠፍእ ዝነበረ ህይወት 225 ሰባት ምድሓን ከምዝተኽኣለ ተዛሪባ።

ብተመሳሳሊ ኣብ 2019 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ሰብመዚ ኣውስትራልያ፡ ኣስታት 37 ኪሎግራም ዝምዘን ዕፀ-ፋርስ ሄሮይን ኣብ ወደብ ሜልበርን ኣብ ቀይዲ ኣውዒሎም ኔሮም።