ኮሮናቫይረስ፡ ከተማታት ኣውስትራልያ ብሰልፍታት ተቓውሞ ይሕመሳ ኣለዋ

ከተማታት ኣውስትራልያ ብሰልፍታት ተቓውሞ ይሕመሳ ኣለዋ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ነቲ ኣብታ ሃገር እናወሰኸ ከምዝኸይድ ዝዝረበሉ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ንምግታእ መንግስቲ እታ ሃገር ሓደሽቲ እገዳታት ዝኣወጀ እንትኾን፡ ዓበይቲ ከተማታት ኣንጻር እዚ ስጉምቲ ሓያል ተቓውሞታት የተኣናግዳ ኣለዋ።

ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ተቓውሞ ኣብ ጎደናታት ከተማ ሲድኒ ወጺኦም ተቓውሞኦም የስምዑ ኣለዉ፤ ኣብ ከተማታት ሜልቦርንን ብሪስቤንን ድማ፡ ቁጽሮም ውሑድ ዝበለ ሰልፈኛታት ዝተርአይሉ ተቓውሞታት ተኻይዱ።

እቶም ኣብ ጎደናታት ሲድኒ ንተቓውሞ ዝወጽኡ ሰልፈኛታት 'ናጽነት' እናበሉ ክጭርሑ ተርእዮም።

ፖሊስ፡ ኣስታት 57 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ገሊጹ።

እቲ ለበዳ ከም ብሓድሽ ዝስፋሕፋሕ ዘሎ ኾይኑ፡ መንግስቲ ኣውስትራልያ ቅድም ክብል ተግቢርዎም ዝነበሩ እገዳታት መሊሱ ብብርኪ ሃገር ኣዊጁ ይርከብ።

እታ ሃገር ቅድም ክትብል ዶባት ብምዕጻውን፣ ውሸባን ዕጽዋን ብምእዋጃ፡ ትሑት ቁጽሪ ዘለዎ ሰብ ጥራይ እዩ በቲ ሕማም ተለኺፉ ነይሩ።

እንተኾነ፡ ብፍላይ ደልታ እናተብሃለ ዝጽዋዕ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ቀልጢፉ ይስፋሕፋሕ ከምዘሎ ይዝረብ።

ኣብታ ሃገር፡ መጠን ክታበት ዝወሰደ ሰብ፡ 14 ሚኢታዊት ጥራይ እንትኾን፡ ምስ ካልኦት ምዕቡላት ሃገራት እንትነጻጸር፡ ኣዝዩ ዝተሓተ ከምዝኾነ እዩ ዝግለፅ።

ቀዳም፡ ኣሽሓት ሰባት 'ሃይማርኬት' እናተብሃለ ብዝጽዋዕ ዓብዪ ዕዳጋ ኣቢሉ፡ ብማእኸል ከተማ ሲድኒ ዝሓለፈ ሽሾ ተቓውሞ ዓብይ እዩ።

ሰብ መዚ፡ እቲ ከባቢ፡ ሓደ ካብቶም ሰፊሕ ለበዳ ዝተረእየሎም ምዃኑ ሃገራዊ ቴሌቪዥን [ኤቢሲ] ጸብጺቡ።

ገለ ካብቶም ሰልፈኛታት 'መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ደርቢኹም፤ ድምጽኺም ኣስምዑ' ዝብሉ ፖስተራት ዝሓዙ ኮይኖም፤ ካልኦት ድማ 'ኣውስትራልያ ንቕሒ' ዝብል ጭርሖ ኣስሚዖም ተባሂሉ።

እቶም ሰልፈኛታት ኣውራ ጎደናታት ዝዓጸዉ ኾይኖም፡ ኣብ ከባቢ ኣዳራሽ እታ ከተማ ተኣኪቦም ተቓውኦሞኦም ኣስሚዖም።

ገለ ኣባላት እቲ ሰልፊ ድማ፡ ናብ ፖሊስ ጠርሙስ ደርብዮም።

ካብ ሓይልታት ጸጥታ'ታ ግዝኣት ዝተውሃበ መግለጺ፡ " ፖሊስ መሰል ናጽነት ምዝራብን ምእካብን ውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን ይርዳእን የኽብርን እዩ፤ እንተኾነ እቲ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ሰልፊ ተቓውሞ ነቲ ብመንግስቲ ዝወጽአ መምርሒ ኮቪድ ዝጥሕስ እዩ" ይብል።

ዳርጋ ፍርቂ በዝሒ ህዝቢ ኣውስትራልያ ዝኾን፡ 13 ሚልዮን ዜጋታት፡ ሕዚ ኣብ ዕጽዋ ኣትዩ ኣሎ።

ከተማ ሲድኒ'ውን፡ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ሰሙናት ካብተን ዕጽዋ ዝተኣወጀን ሓንቲ እያ።

እንተኾነ፡ ኣብታ ከተማ፡ ሕዚ'ውን መጠን መልከፍቲ ኣዝዩ ወሲኹ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ሰብ መዚ፡ ኣብ'ዚ ዕለተ ቀዳም ጥራይ 163 ሓደሽቲ መልከፍቲታት ዝተመዝገበ ኾይኑ፡ ኣብታ ከተማ መዓልታዊ ዝለዓለ እዩ ተባሂሉ።

ሓላፊ ቢሮ ጥዕና እታ ግዝኣት፡ እቲ ብቐዳማይ ሚነሲተር ግላዲስ በረጂክሊን፡ ካልኦት ግዝኣታት ናብዛ ግዝኣት ተወሳኺ ክታበታት ክልእኹ ዝብል መልእኽቲ ወሲኹ ሓቢሩ።

"ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ እቲ ጸገም እንተተጋዲዱ፡ ብብርኪ ሃገር ንዝኸፍአ ሓደጋ ዘሳጥሕ እዩ" ኢሉ እቲ ሓላፊ።

"እዛ ግዝኣት፡ ንመላእ ሃገር ኣውስትራልያ መእተዊ ደገኣፍ ማለት እያ"።

ካብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ዝተረኸበ መረዳእታ ከምዘመላኽቶ፡ ኣውስትራልያ 32 594 መልከፍትን 916 ሞትን ኣመዝጊባ።