ኣውስትራልያ፡ ሰኮት ማሪሶን ን ማልኮም ቱርንቡል ብምትካእ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን እዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ሊበራል ዝተኻየደ ናይ ስልጣን ውድድር፡ እቲ ዝነበረ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ማልኮም ተርንቡል ካብ ስልጣኑ ክወርድ ድሕሪ ምግዳድ ፡ ስኮት ሞሪሶን ሓድሽ ቀዳማይ ምኒስተር ኣውስትራልያ ክኸውን ኢዩ።
ቀዳማይ ምኒስተር-ነበር ኣውስትራልያ ማልኮም ተርንቡል ብናይ ሰልፉ - ሰልፊ ሊበራል - መተሃላልኽቱ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ድሕሪ ምግዳዱ፡ ኣውስትራልያ ሓድሽ ቀዳማይ ምኒስተር ክትመዝዝ ኢያ።
ኣባል ሰልፊ ሊበራል፡ ስኮት ሞሪሶን ድማ ሓድሽ ቀዳማይ ምኒስተር ኣውስትራልያ ክኸውን ኢዩ።
ቀዳማይ ምኒስተር-ነበር ማልኮም ተርንቡል ድሕሪ'ቲ ዓቃባውያን ኣባላት ባይቶ ኣንጻሩ ምልዕዓል ምክያዶም ዝተኻየደ ምርጫን ዝረኸቦ ሕማቕ ውጽኢትን ድማ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ኢዩ ጸኒሑ።
በንጻሩ፡ ስኮት ሞሪሶን፡ ተሓዝ ገንዘብ'ቲ ሰልፊ፡ ኣብቲ ኣብ ውሽጢ'ቲ ሰልፊ ዝተኻየደ ምርጫ ነቲ መወዳድርቱ ዝነበረ ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት-ነበርን ቀንዲ መተሃላልኽቲ ማልኮም ተርንቡል ዝነበረ፡ ፒተር ዱቶን ዝሰዓረ።
ማልኮም ተርንቡል ኣብዚ ዝተኻየደ ናይ ሰልፊ ምርጫ ኣይተወዳደረን።
ማልኮም ተርንቡል፡ ብሰንኪ ኣብ ውሽጢ'ቲ ሰልፊ ዝተራእየ ምትህልላኽ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ራብዓይ ቀዳማይ ምኒስተር ኣውስትራልያ ኢዩ ክኽወን።
ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ጥራይ ሰለስተ ቀዳሞት ምኒስተራት ኣውስትራልያ ብተመሳሳሊ መንገዲ ካብ ስልጣኖም ተኣልዮም።
"ናይዛ ዓባይ ሃገር መራሒ ንኽኸውን ብምብቃዐይ ንዓይ ዓቢ ሓለፋ ኢዩ ነይሩ። ብሓቂ ንኣውስትራልያ እፈትዋ፡ ንህዝባ'ውን እፈትዎም ኢየ" ኢሉ ማልኮም ተርንቡል።
"ንዓና ዘርብሕ ብዙሕ ነገራት ኣሎ ኣብዛ ሃገር፡ ብኡ ክንሕበንን ክንዕቅቦን ድማ ኣሎና" ኢሉ ማልኮም።
ነቲ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝቐርበሉ ዝነበረ ጻውዒታት ብምንሻዉን እቲ መን ናብ ስልጣን ክመጽእ ይኽእል ዝብል ዝቐርብ ዝነበረ ግምታትን ነቲ ዝመርሖ ዝነበረ መንግስቲ ኣልሚስዎ ኢዩ።
ኣብ መወዳእታ ግና ነቲ ብመብዛሕትኦም ኣባላት ባይቶ ኽታሞም ዘንበርሉ ምርጫ ከካይድ ዝጠልብ ደብዳብ ምስቀረበሉ ድማ'ዩ ምርጫ ከካይድ ዝተሰማምዐ።
ምኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ጁሊ ቢሾፕ ኣብቲ ምርጫ ተኻፊላ ነይራ፡ ኣይተዓውተትን ግና።
ሓደ ሰሞን ኣብ ዕግርግር
እቲ ብዓርቢ፡ 24 ነሓሰ ዝተኻየደ ምርጫ ነቲ ኣብ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኣውስትራልያ ዝተራእየ ምሉእ ሰሙን ዝወሰደ ድራማ ዛዚምዎ።
ብዓርቢ፡ እቲ ቀንዲ መወዳድርቲ ስኮት ሞሪሶን ዝነበረ ፒተር ዱቶን እንቋዕ ሓጎሰካ ኢልዎ።
"ድሕሪ ሕጂ ምሉእ ተኣማንነተይ ንስኮት ሞሪሶን ብምሃብ ኣብቲ ዝመጽእ ምርጫ ከም ሰልፊ ተዓዊትና ክንወጽእ ኩሉ ዝክኣለና ክንገብር ኢና" ድማ ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት፡ ፖለቲካ ኣውስትራልያ ብናይ መራሕቲ ዕልዋታት ኢዩ ክሓልፍ ጸኒሑ። ሰለስተ ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ቀዳሞት ምኒስተራት ድማ ብውሽጣዊ ናይ ስልጣን ምውድዳር ካብ ስልጣኖም ተኣልዮም።
እብዚ ዝሓለፈ ገለ ዓመታት፡ ዋላ ሓደ ቀዳማይ ምኒስተር እኮ ኢዩ ነቲ ምሉኡ ናይ ሰለስተ-ዓመት ናይ ስልጣን ዘመን ክዛዝም ዘይከኣለ።
እቲ ወዲ 50-ዓመትታቦ ክልተ ቆልዑ ዝኮነ ስኮት ሞሪሶን ኣኽራሪ ሃይማኖተኛ ብምዃኑ ነቲ ዓሚ ዝቐረበ መርዓ ሓደ ጾታ ዘለዎም ዘፍቅድ እማመ ዝተቓወመ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







