ኦንላይን ዕዳጋ ኣማዞን ናይ 750 ሽሕ ሰራሕተኛታቱ ክፍሊት ትምህርቲ ኮሌጅ ክሽፍን ቃል ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዕዳጋ ኦንላይን ዝለዓለ ስም ዘለዎ ኣማዞን ናይ 750,000 ሰራሕተኛታቱ ክፍሊት ትምህርቲ ኮሌጅ ክሽፍን ምዃኑ ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል ሰፊሕ ሕጽረት ሰራሕተኛታት ስለዘጋጠሞ ደለይቲ ስራሕ ንምስሓብን ዘለዉ ምሰኡ ክጸንሑን ብምሕሳብ’ዩ ናብዚ ውሳነ በጺሑ።
ነዚ ዝኸውን 1.2 ቢልዮን ዶላር ከምዝመደበ ዝሓበረ ኣማዞን፡ ሰራሕተኛታቱ ኣብቲ ትካል ክሳብ ዝጸንሑሉ እዋን ነቲ ሓገዝ ክረኽቡ ምዃኖም ገሊጹ።
ቅድም ክብል’ውን ዋልማርትን ታርጌትን ዝባሃሉ ዓበይቲ ትካላት ተመሳሳሊ ዕድል ንሰራሕተኛታቶም ሂቦም ነይሮም።
ዋልማርት ነቶም ብሰዓታት እናተኸፈሎም ዝሰርሑ ሰራሕተኛታቱ ናይ ትምህርትን መጻሕፍትን ወጻእታቶም ከምዝሽፍንን በዚ ድማ 1.5 ሚልዮን ሰራሕተኛታቱ ተራባሕቲ ክኾኑ ከምዝኽእሉን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ወግዓዊ ምግባሩ ይዝከር።
ታርጌት ብወገኑ፡ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝርከቡ መደብራቱ ናይ ዝሰርሑ ልዕሊ 340,000 ሰራሕተኛታቱ ነጻ ዕድል ትምህርቲ ቀዳማይ ዲግሪ ከምዝህብ ኣፍሊጡ።
ኣማዞን ብዘይካ ኣብ ኮሌጃት ትምህርቶም ንዝከታተሉ ሰራሕተኛታቱ ዝሽፍኖ ወጻኢ፤ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህረቲ ንዝመሃሩን ቋንቋ እንግሊዝኛ ንዝከታተሉን ሰራሕተኛታቱ’ውን ተመሳሳሊ ክፍሊተር ከምዝፍጽም ኣፍሊጡ’ሎ።
ሓደ ካብ ሓለፍቲ እቲ ትካል ዝኾነ ዴቪድ ክላርክ “ኣማዞን ኣብዚ እዋን ኣብ ኣሜሪካ ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ዝፈጠረ ትካል’ዩ፤ ንኣባላትና ከምዚ ዝበለ ዕድል ክንህብ ምኽኣልና ኣብዛ ሃገር ኣብ ዝርከቡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝግመቱ ስድራ ሰፊሕ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል’ዩ” ኢሉ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







