ማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠቂሞም ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድሎም ዘስፍሑ መንእሰያት

ምንጪ ስእሊ, Amelia Mitchell Photography
ኦሊቭያ ክሮውሊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ካብ ዩኒቨርስቲ ድሕሪ ምምራቓ፡ ስራሕ ምርካብ ፈጺሙ ዘይከኣል እዩ ኮይንዋ ነይሩ።
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣዝዩ ከቢድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ዕዳጋ ዕዮ ብሪጣንያ ዳርጋ ኣብ ደውታ ብምንባሩ፡ ሓድሽ ሰራሕተኛ ዝቖጽር ትካል ኣይነበረን።
ከም ኦሊቭያ (ጓል 22 ዓመት) ዝኣመሰሉ መንእሰያት ድማ ብፍላይ ግዳይ ከም ዝኾኑ፡ ወግዓዊ ጸብጻባት የርእዩ። ኣብ ብሪጣንያ ኣብ ሰነ 2020፡ 4.5% ዝነበረ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ካብ 16 ክሳዕ 24 ዝዕድሚኦም መንእሰያት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ናብ 14.1% ዓሪጉ።
"ብርቱዕ ምውድዳር እዩ ነይርዎ፤ ከመይ ኣቢለ ስራሕ ክረክብ ከም ዝኽእል ኣይፈልጥን ነይረ" ትብል ካብ ዩኒቨርስቲ ባዝ ስፓ ብፈጠራዊ ሚድያ ብዲግሪ ዝተመረቐት ተቐማጢት ኢሴክስ፡ ኦሊቭያ።
ንሳ ኣብ ክፍሊ መሸጣ ናይ ምስራሕ ድልየት ነይርዋ፤ ንዝተወሰነ ኣዋርሕ ድማ በቲ ልሙድ ኣገባብ፡ ሰነዳታ (ሲቪ) እናሰደደት ስራሕ ክተናድይ ፈቲና።
እንተኸነ ግና 30 ግዘ ዘእተወቶ መመልከቲ ናይ ስራሕ ተነጺጉ። ክፍሊት ዘይብሉ ናይ ልምምድ ስራሕ'ውን ክትረክብ ኣይከኣለትን።
"ተስፋ ቆሪጸ እንታይ ከም ዝገብር ሓርቢቱኒ" ትብል።
ኣብ መወዳእታ ኦሊቭያ፡ ገለ ነገር ባዕላ ክትፈጥር ከም ዘለዋ ተገንዚባ። በዚ ድማ ናይ ገዛእ ርእሳ 'ሊቪንግ ላቪሽ ሶሻል' ዝብል ናይ ኢንስታግራም ገጽ ኣዳልያ።
እቲ ዘዳለወቶ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ናይ መሸጣ ትካል፡ ነጋዶ ከመይ ጌሮም ንፍርያት ትካላቶምን ኣግልግሎታቶምን ብመገዲ ኢንስታግራም ንመሸጣ ከቕርቡ ከም ዝኽእሉ ምኽሪ ዝህብ እዩ።
ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት፡ ናይ ፈለማ ዓሚል ረኺባ፤ እቲ ካልኣይ'ውን ከይደንጎየ ስዒቡ።
"ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣብ ሰለስተ ንጥፈታት ማለት ስራሕ ኣብ ምእላሽ፡ ክእለታተይ ኣብ ምዕባይን ኣብቲ ዝመስረትዎ ትካል ኣብ ምስራሕን የሕልፎ ነይረ።"

ምንጪ ስእሊ, Living Lavish Social
ስራሕ ንምርካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ምጥቃም ወይ ናይ ገዛእ ርእስኻ ናይ ቢዝነስ መርበብ ምፍጣር ኣብ እዋን እዚ ለበዳ ካብ ዩኒቨርስትታት ተመሪቖም ኣብ ዝወጹ መንእሰያት እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ልምዲ ምዃኑ፡ ክኢላ ምንዳይ ስራሕ፡ ጌማ ስቲፈንሰን ትገልጽ።
ንተመረቕቲ በዳሂ ምንባሩ እትገልጽ ጌማ ብዙሓት በቲ ኩነታት ተስፋ ኣብ ክንዲ ምቁራጽ "ንማሕበራዊ መራኸቢታት ንረብሓኦም ይጥቀሙሉ ኣለው" ኢላ።
ገለ ሓደስቲ ቢዝነስ ክጅምሩ እንከለው፡ ነቶም ክቖጽርዎም ዝኽእሉ ትካላት ክእለቶም ንምርኣይ ከም ዝጠቐሞም ድማ ትገልጽ።
ኣብ 2019 ካብ ዩኒቨርስቲ ግላስጎው ዝተመረቐት ጓል 25 ዓመት ናኦሚ ሆላስ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ካብቲ ትሰርሓሉ ዝነበረት ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ናይ ምውህሃድ ስራሕ ደው ምስበለት ኣብቲ ዓውዲ ካልእ ስራሕ ክትረክብ ኣይከኣለትን።
"እቲ ኣጋጣሚታት ናይ ምውዳብ ስራሕ፡ ብዘይ ምኽርን ደገፍን ሃንደበት'ዩ ደው ኢሉ" ትብል ናኦሚ። "ከም ሓደስቲ ኣብቲ ሞያ፡ ነቲ ዓውዲ ጌና እናስተማቐርናዮ፡ ሃንደበት ተመንዚዕና፤ ተስፋ ዘቑርጽ እዩ ነይሩ" ኢላ።
ንገለ ኣዋርሕ ስራሕ ድሕሪ ምድላይ ኣብ ወርሒ ሰነ ትኽእሎ ኩሉ ፈቲና ክሰልጣ ከም ዘይከኣለ ትዝክር።
እንታይ ከም እትገብር ሓርቢትዋ ኣብ ዝነበረሉ ኩነታት ኣብ ፌስቡክ 'ኤቨንትግራድስ' ዝሰመየቶ ውልቃዊ (ፕራይቨት) ግሩፕ ብምኽፋት፡ ብተመሳሳሊ ዓውዲ ዲግሪ ንዘለዎም ሰባት ዘራኽብ ናይ ኦንላይን ማሕበረሰብ ክትፈጥር ፈቲና።

ምንጪ ስእሊ, Gemma Stephenson
"ነቲ ሓበሬታ ኣብ ዝጥቀመሎም ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘርጊሐዮ፤ ቁጽሪ ኣባላት ድማ ጽቡቕ ክዓብይ ጀሚሩ። ኣብ ሓጺር ግዜ 2000 በጺሑስ ክኢላታት እቲ ዓውዲ ክዛረቡሉ ጀሚሮም" ትብል ናኦሚ።
ኣብቲ ናይ ፌስቡክ ግሩፕ "ነቲ ዓውዲ ንምብርባር እንታይ ክንገብር ኣሎና ዝብልን ካልእን ዝተፈላላየ ጉዳያትን ንዝትይ ኔርና" ዝበለት ናኦሚ "ምስ ነቲ እትሓልፎ ዘሎኻ ዝርድኣልካ ሰብ ምርኻብን ምዝርራብን ንብዙሓት ካባና ጠቓሚ እዩ ነይሩ" ኢላ።
ናኦሚ ኮነት ኦሊቭያ፡ ነቲ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት መድረኽ ምጅማረንን ዝረኸብኦ ጥቕሚ ኣብቲ በዳሂ ዝነበረ እዋን ልዑል ምንባሩ ይገልጻ።
"ንኤቨንትግራድ ምጅማረይ፡ ነቲ ክቆጻጸሮ ዘይኽእል ነገር ክቆጻጸር፡ ኩሉ ነገራት ዕረፍቲ ዘይህብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዘተኩረሉ ሸቶ ክህልወኒ ኣኽኢሉኒ" ትብል ናኦሚ።
ኦሊቭያ ብወገና "ግዜይን ክእለተይን ዝጠልብ ቢዝነስ ምፍጣረይ ብዕላማ ክነብር ጌሩኒ፡ ርእሰ-ምትእምማነይ ክብ ኢሉ። ምስ ካልኦት ብተመሳሳሊ ጸገማት ዝሓልፉ ዝነበሩ ሰባት ክራኸብ ዕድል ከፊቱለይ" ኢላ።
ንሳ ወሲኻ "ድሒረ ስራሕ ንክቑጸር ኣብ ዝገበርክዎም ቃለ መሕትታት እቲ ዝጀመርክዎ ቢዝነስ ሓደ ቀንዲ መዘራረቢ ጉዳይ እዩ ነይሩ። ኣስራሕቲ፡ ኣብቲ ስራሕ ዘይረኸብኩሉ እዋን ንጥፍቲ ኮይነ ተሞክሮ ይቐስም ምንባረይ ፈትዮምዎ" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Naomi Hollas
ኦሊቭያ ኣብዚ እዋን ኣብ ሓደ ኣብ ምክንኻን ቆርበት ዝነጥፍ ኩባንያ ኣብ ክፍሊ መሸጣን ምውህሃድ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ትሰርሕ፤ ነቲ ናይ ውልቃ ድማ ጎኒ ጎኒ ተካይዶ።
ብዓውዳ ተቖጺራ ትሰርሓሉ ትካል ዝረኸበት ናኦሚ'ውን፡ እቲ ናይ ፌስቡክ ግሩፕ፡ ነቲ ስራሕ ኣብ ምርካብ ከም ዝሓገዛ ገሊጻ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







