ኣመሪካ ጣሊባን ዝመስረቶ ሓድሽ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ከምዘሻቀላ ገሊጻ

ዕጡቓት ወተሃደራት ጣሊባን ኣብ ካቡል 7 መስከረም 2021

ምንጪ ስእሊ, EPA

ጣሊባን ዝመስረቶ ብደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ዝምራሕን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኣመሪካ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ዝጥርጠሩ ሰባት ዘጠቓለለን መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ከምዘሻቐላ ኣመሪካ ገሊጻ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነቲ ብሰሉስ ጣሊባን መንግስቲ ከምዝመስረተ ዘጋወሖ ኣዋጅ ይምርምሮ ከምዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ጣሊባን ዘጣየሶ ጊዝያዊ ቤት ምኽሪ ኣብ ጸሊም መዝገብ ኣመሪካ ብዝሰፈረ ሙላህ መሓመድ ሓሰን ኣኩንደ እዩ ዝምራሕ፡፡ ሲራጁዲን ሃቃኒ ዝተባህለ ካልእ ላዕለዋይ በዓል መዚ እውን ብኤፍቢኣይ ዝድለ እዩ፡፡

ብኻልእ ዜና ትማሊ ኣብ ምዕራባዊት ከተማ ሄራት ኣንጻር ጣሊባን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም፡፡ እቶም ግዳያት ዕጡቓት ጣሊባን ብዝተኮስዎ ጠያይቲ ከምዝተቐተሉ ሓካይም ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ካቡል ብተመሳሳሊ፡ ንተቓውሞ ንዝወጹ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ንምብታን ዕጡቓት ጣሊባን ናይ መጠንቀቕታ ጠያይቲ ተኲሶም እዮም፡፡

እቲ እስላማዊ ጉጅለ፡ ምስሓብ ሰራዊት ኣመሪካ ስዒቡ እዩ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ብዘገርም ቅልጣፈ ነቲ ዝተመረጸ መንግስቲ ብምስዓር ነታ ሃገር ተቖጻጺሩ፡፡

ኣመሪካዊ ሰናተር ሊንድሰይ ግራሃም ንኣባላት እቲ ብጣሊባን ዝቖመ ቤት ምኽሪ ‘‘ጨካናትን ሓረድትን’’ ክብል እዩ ዝገልጾም፡፡ ንሱ ሓደ ካብቶም ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ክወጹ ንዝገበረ ውሳነ ፕረዚደንት ባይደን ዝቃወሙ ላዕለዎት ሰናተራት ሰልፊ ሪፐብሊካን እዩ፡፡

ብሰሉስ፡ ኣፍጋኒስታን ‘‘እስላማዊት ኢማራት’’ ከምዝኾነት ዝኣወጀ መንግስቲ ጣሊባን፡ ካብ ንቁጠባ እታ ሃገር ምርግጋእን ዓለም ለኻዊ ኣፍልጦ ምርካብን ዘይነኣኣስ ተቓውሞ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኣጋጢሙዎ ኣሎ፡፡

እቲ ጉጅለ ንኹሉ ዝሓቁፍ መንግስቲ ከምዝምስርት ቅድም ክብል ገሊጹ ነይሩ፡፡

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቶም ጣሊባን ዝሸሞም ሰባት ኣባላቱን ደገፍቱን ጥራሕ ከምዝኾኑን ደቂ ኣንስትዮ ከምዘይተኻተታን ገሊጹ፡፡

ብተወሳኺ ድሕረ ባይታ ናይ ገሊኦም ሰብ መዚ ከምዘሻቐሎ ብምሕባር ኣመሪካ ‘‘ንጣሊባን ብተግባሩ እምበር ብዝዛረቦ ኣይክትመዝኖን’’ ኢሉ፡፡

ብሰሉስ ካብ ላዕለዋይ መራሒ ጣሊባን ማውላዊ ሂባቱላህ ኣኩንድዛዳ ከምዝተመሓላለፈ ዝተሓበረ መግለጺ፡ መንግስቲ እስላማዊ ሕጊ ሸሪዓ ክትግበር ኣዚዙ ኣሎ፡፡

ጣሊባን ምስ ጎረባብትን ካልኦት ሃገራትን ጥዑይ ርክብ ክህልዎ ከምዝደሊ ኣብቲ መግለጺ ዝተሓበረ ኮይኑ፡ ምስ እስላማዊ ሕጊ ዘይጻብኡ ዓለም ለኻዊ ሕግታትን ስምምዓትን ከምዘኽብር ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ዝርዝር ግብረሽበራ ኣመሪካ ዝሰፈረ ሚኒስትር ውሽጢ ዓዲ

ተወካሊ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኮይኑ ተመዚዙ ዘሎ ሲራጁዲን ሃቃኒ፡ ሃቃኒ ኔትወርክ ተባሂሉ ናይ ዝፍለጥ ንጣሊባን ዝእመን ዕጡቕ ጉጅለ መራሒ ኮይኑ፡ ኣብቲ ንዕስራ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ንገሊኦም ካብቶም ብዙሓት ሰባት ዝቐተሉ መጥቃዕቲታት ከምዘፈጸመ እዩ ዝንገር፡፡ ንኣብነት ኣብ ድሕሪት ናይቲ ኣብ 2017 ኣብ ካቡል ኣብ መኪና ዝተፈጸመን ልዕሊ 150 ሰባት ዝቐተለን መጥቃዕቲ፡ ንሱ ከምዘሎ ይግለጽ፡፡

ካብ ጣሊባን ብዝተፈለየ ሃቃኒ ኔትወርክ ብኣመሪካ ግብረሽበራዊ ጉጀለ ወጻኢ ተባሂሉ ተመዝጊቡ እዩ፡፡ ምስ ኣልቃዒዳ እውን ጥቡቕ ዝምድና ኣለዎ፡፡

ኤፍቢኣይ በቲ ኣብ 2008 ኣብ ካቡል ኣብ ሆቴል ዝተፈጸመን ሓደ ኣመሪካዊ ዝርከቦም ሽዱሽተ ሰባት ዝተቐትልሉን መጥቃዕቲ ንሃቃኒ ክሓቶ ከምዝደሊ ኣብ መዝገቡ ኣስፊሩ እዩ፡፡ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካውያንን ሓይልታት ልፍንትን ዶብ ሰገር መጥቃዕቲ ክፍጸም ብምትሕብባር እውን ይኸሶ፡፡