ዕልዋ መንግስቲ ጊኒ ዝመርሕ ዘሎ ኮሎኔል ማማዲ ዶምቦያ መን’ዩ?

ኮሎኔል ማማዲ ዶምቦያ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኮሎኔል ማማዲ ዶምቦያ፡ ነቲ ብሰንበት ኣብ ጊኒ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ ዝመርሐ ወተሃደራዊ መኮነን እዩ።

እቲ ወዲ 41 ዓመት፡ ሰራዊት እታ ሃገር ስልጣን ከምዝተረከበ ኣብ ዝኣወጀሉ፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ፕረዚደንት ኣልፋ ኮንደ ብሰንኪ እቲ ኣብታ ሃገር ሳዕሪሩ ዘሎ ብልሽውና፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ሕማቕ ቁጠባዊ ምሕደራን እቲ ሰራዊት ሒደት ኣማራጺ ጥራይ ከም ዝነበሮ ተዛሪቡ።

ኣብቲ ኣብ ሃገራዊ መደበር ቴለቪዥን ጊኒ ዝሃቦ መግለጺ “ኣብ ጊኒ ንፖለቲካ ከም ናይ ውልቅኻ ጌርካ ምርኣይ ኣብቂዑ እዩ። ደጊም ፖለቲካ ንሓደ ኣሕሊፍና ኣይንህብን ንህዝቢ ኢና እነረክብ” ኢሉ።

ምስ ሓንቲ ናይ ፈረንሳ ቴለቪዥን ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ከኣ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ውሑስ ቦታ ምህላው ገሊጹ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ዞባዊ ቀጠባዊ ምትሕብባር ኢኮዋስን ነቲ ዕልዋ ዝፈጸመ ወተሃደራዊ ጉጅለ ክኹንንዎ እንከለው እቲ ፕረዚደንት ጌና ኣብ ቀይዲ ከም ዘሎ ይግለጽ።

እቲ ኮሎኔል ብሰኑይ ምስ ካቢነ ሚኒስተራት ኣልፋ ኮንደ ድሕሪ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት “ናይ ሓባር” መንግስቲ ከም ዝቐውምን ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣን ዝግበር ምፍዳይ ሕነ ከምዘይህሉን ተመባጺዑ።

ብዛዕባ ንእስነት ኮሎኔል ዶምቦያ ብዙሕ ዝፍለጥ ሓበሬታ የሎን።

ንሱ ብገለ መዳያት በሊሕ ኣዛዚ ምዃኑ እኳ እንተተገለጸ፡ ካልኦት ግና እቲ ብቕዓቱ ዘይእመን ምዃኑ ይዛረቡ።

ኮሎኔል ዶምቦያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብታ ሃገር ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሞም ብዝብል ሓደ ካብቶም ኣውሮጳዊ ሕብረት እገዳ ክገብሮም ምዃኑ ከጠንቅቕ ዝጸንሐ 25 ሰብ መዚ ጊኒ እዩ።

ብሰንበት ድሕሪ እቲ ዕልዋ ኣብ ዘስምዖ መደረ ግና “ካብቲ ዝፈጸምናዮ ጌጋታት ክንመሃር ኢና፡ ንሕና ኣንቂድና ኣሎና ከምኡ’ውን ኩሎም ደቂ ጊኒ” ኢሉ።

እቲ ኮሎኔል፡ “ህዝቢ በቶም ኤሊት እንተተጨፍሊቑ፡ ሰራዊት እዩ ነቲ ህዝቢ ነጻነት ከምጽኣሉ ዝኽእል” ብምባል ንዘረባ ናይቲ ኣብ 1979 ኣብ ጋና ብዕልዋ ስልጣን ዝጨበጠ ጀሪ ራውሊንግስ ክደግም’ውን ተሰሚዑ።

ኮሎኔል ዶምቦያ ኣብ ሰራዊት ኣብ ዝጸንሓሉ 15 ዓመታት፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ኣይቮሪ ኮስት፡ ጅቡቲ፡ ማእከላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃ፡ እስራኤል፡ ቆጵሮስ፡ ብሪጣንያን ጊኒን ብዝተፈላለየ ተልእኾታት ኣገልጊሉ እዩ።

ኮሎኔል ዶምቦያ ኣብቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝዋፈር ሰራዊት ፈረንሳ ብርክት ንዝበለ ዓመታት ድሕሪ ምግልጋሉ፡ ፕረዚደንት ኣልፋ ኮንደ ኣብ 2018 ብዘቕረበሉ ጻውዒት እዩ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ነቲ ሓድሽ ዝቖመ ፍሉይ ሓይሊ ክመርሕ ተመዚዙ።