ዕልዋ መንግስቲ ጒኒ፡ ሓድሽ ናይ 'ሕብረት' መንግስቲ ክምስረት ምዃኑ መራሕቲ ናይቲ ዕልዋ ገሊጾም

ምንጪ ስእሊ, EPA
መራሒ ናይቲ ንፕረዚደንት ጒኒ ኣልፋ ኮንደ ካብ ስልጣኑ ዝዓለወ ወተሃደራዊ ጉጅለ፡ ኣብ ዝመጽእ ሳምንታት ናይ "ሕብረት" መንግስቲ ከምዝምስርት ኣፍሊጡ።
ኮለነል ማማዲ ዶምቦያ ንሚኒስተራት ናይቲ ብፕረዚደንት ኮንደ ዝምራሕ መንግስቲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን መንግስቲ ነበር ስጉምቲ ከምዘይውሰድ ቃል ኣትዩ።
መጻኢ ናይቲ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ፕረዚደንት ኮንደ እንታይ ከምዝኸውን ግን ዛጊት ብንጹር ኣይተፈልጠን።
ነቲ ዕልዋ ዝኾነኑ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ዞባዊ ውድብ ኢኮዋስን፡ እታ ሃገር ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክትምለስ ጸዊዖም ኣለዉ።
"ነቲ ዝተገብረ መንግስቲ ብሓይሊ ብረት ናይ ምቁጽጻር ስጉምቲ ኣትሪረ እኹንኖን፡ ፕረዚደንት ኣልፋ ኮንደ ብቕልጡፍ ክፍታሕ እጽውዕን" ክብል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብትዊተር ግብረመልሲ ሂቡ።
ድሕሪ'ቲ ብሰንበት ንዝሰዓታት ዝቐጸለ ተዂሲ፡ ርእሰከተማ ኮናክሪ ኣብዚ እዋን'ዚ ሃዲኣ ከምዘላ ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።
ሰራዊት'ታ ሃገር ብምልኡ ነቲ ዕልዋ ዝድግፎ እንተኾይኑ ዝተፈልጠ ነገር የለን።
እቲ ኣዛዚ ፍሉይ ኣሃዱ ሰራዊት ጒኒ ዝኾነ ኮለነል ዶምቦያ፡ እቲ ዝምስረት መንግስቲ መዓስ ከምዝቐውም ግን ብንጹር ኣይጠቐሰን።
"ንሓፈሻዊ መቓን ናይቲ ዝህሉ መሰጋገሪ እዋን ንምንጻር፡ ልዝብ ክካየድ'ዩ። ብድሕሪኡ፡ ነቲ መሰጋገሪ እዋን ዝመርሕ ሃገራዊ ናይ ሕብረት መንግስቲ ክምስረት'ዩ" ክብል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ንሚኒስተራት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ድማ፡ ካብታ ሃገር ከይወጹን፡ ዝተዋህብኦም ናይ መንግስቲ መካይን ንሰራዊት ከረክቡን ኣዚዙ'ሎ።
ኣብታ ሃገር ዘለዋ ናይ ዕደና ኩባንያታት ንጥፈታተን ክቕጽላ ዝተማሕጸነ እቲ መራሒ ናይቲ ዕልዋ፡ እቲ ተኣዊጁ ዘሎ ሰዓት እቶ እቶ ንዐን ከምዘይትንክፍ ተዛሪቡ።
እቲ ዕልዋ ብኸመይ ተፈጺሙ?
ሰንበት ምሸት፡ ሓደ ጉጅለ ወተሃደራት ኣብ ሃገራዊ ተለቪዥን ብምቕራብ፡ ቅዋም'ታ ሃገር ከምዝፈረሰ፡ ዶባት ከምዝተዓጽወን፡ ኣብ መላእ ሃገር ሰዓት እቶ እቶ ከምዝተኣወጀን ኣቃሊሖም።
ኣመሓደርቲ ዞባታት ብኣዘዝቲ ሰራዊት ከምዝተተክኡን፡ እቲ ወዲ 83 ዓመት ፕረዚደንት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ድሓን ከምዘሎን ድማ ገሊጾም።
ኮለነል ዶምቦያ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝነገሰ ብልሽውናን ግዕዙይ ምሕደራን ንምኽታም ዕልዋ ከካይዱ ከምዝተገደዱ ተዛሪቡ።
ፕረዚደንት ኣልፋ ኮንደ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ብጎነጽ ዝተሰነየ ሃገራዊ ምርጫ ንሳልሳይ እብረ ምዕዋቱ ይዝከር።
እቲ ገዲም መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ዝነበረ ኮንደ፡ ኣብቲ ኣብ 2010 ንመጀመርታ እዋን ዝተኻየደ ደሞክራስያዊ ምርጫ ብምዕዋት'ዩ ንፈለማ እዋን ኣብ ስልጣን ደዪቡ።
ዋላ'ኳ ኣብ ቁጠባዊ መዳይ ገለ ገስጋስ እንተርኣየ፡ ዘመነስልጣኑ ብምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ምስርጣይ ተቓወምትን'ዩ ዝግለጽ።
እቲ ዕልዋ ብወግዒ ድሕሪ ምቅልሑ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ነበርቲ ርእሰከተማ ኮናክሪ ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ሓጎሶም ክገልጹን፡ ኣብ ወተሃደራዊ ማካይን ብምድያብ ባንዴራታት እንዳበልበሉ ደገፎም ነቲ ዕልዋ ክገልጹን ተራእዮም።
መስራቲ ተቓዋሚ ሰልፊ ሃገራዊ ግንባር ንምክልኻል ቅዋም፡ ማሞዶ ናግናላን ባሪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ስሚዒታት ከምዝተቐርቀረ'ኳ እንተገለጸ፡ ዝያዳ ግን ነቲ ዕልዋ ዘለዎ ደገፍ ከምዝዓቢ ተዛሪቡ።
"በቲ ዝተፈጸመ ነገር እናሓዘንኩ'የ ዝሕጎስ ዘለኹ" ኢሉ።
"ብዕልዋ ክንሕጎስ ኣይንደልን ኢና፡ እንተኾነ ግን ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ከምዚ ናይ ጒኒ፡ በቲ ዝተፈጸመ ነገር ኣዚና ከምዝተሓጎስና ኢና ነንዛረብ እንኽእል። ምኽንያቱ ብዘይብኡ፡ እታ ሃገር ኣብ ኢድ ዘይነጽፍ ስልጠዓመን ሓደ ሰብ ኮይና ንዘልኣለም ክትቅጽል ትኽእል'ያ"
እቶም ወተሃደራት ስልጣን ንሲቪላዊ ምምሕዳር ከረክቡ ተስፋ ከምዘለዎ ድማ ባሪ ከይጠቐሰ ኣይሓለፈን።
እዚ ኣብ ጒኒ ተፈጺሙ ዘሎ ዕልዋ፡ ካብ ነሓሰ 2020 ጀሚሩ ንራብዓይ ግዜ ኣብ ዞባ ምዕራብ ዝፍጸም ዘሎ ዕልዋ ምዃኑ ይፍለጥ።
ኣብቲ እዋን'ቲ ጥራይ ኣብ ማሊ ክልተ ዕልዋታት ክፍጸም እንከሎ፡ ኣብ ኒጀር ድማ ሓደ ዝፈሸለ ፈተነ ዕልዋ ተኻይዱ ነይሩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







