ጊኒ፡ ወዲ 82 ዓመት ፕረዚደንታ ንሳልሳይ እዋን ክምረጽ ዝወዳደረሉ መረጻ ተካይድ ኣላ

ኣልፋ ኮንዴ ምስ ቀንዲ ተቐናቓኒኡ ሴሉ ዳሊያን ዲያሎ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ወዲ 82 ዓመት ፕረዚደንት ኣልፋ ኮንዴ ንሳልሳይ እዋን ንክምረጽ ኣብ ዝወዳደረሉ ዘሎ መረጻ፡ ጊኒያውያን ድምጾም ይህብ ኣለዉ።

እቲ ፕረዚደንት ሕገመንግስቲ ብምምሕያሽ እዩ ንሳልሳይ እዋን ኣብ መረጻ ዝወዳደር ዘሎ።

ብዙሓት ከኣ እዚ ስጉምቲ ናይ’ቲ ፕረዚደንት ኣይፈተውዎን፤ ንሱ ግን ነቲ ነቐፌታት ዕሽሽ ኢሉ ኣብ’ቲ መረጻ ይወዳደር ኣሎ።

ኣብ’ዚ መረጻ፡ ናይ ኣልፋ ኮንዴ ቀንዲ ተቐናቓኒ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሴሉ ዳሊያን ዲያሎ ኮይኑ፡ ንፕረዚደንትነት ክልተ ሻብ ተወዳዲሩ ኣይተዓወተን።

ኣብ 2010 ኮነ ኣብ 2015 ኣብ ዝተኻየዱ መረጻታት ብኣልፋ ኮንዴ እዩ ተሳዒሩ። ንሱ ግን፡ ክልቲኡ መረጻታት ብዙሕ ምትላላት ዝነበሮ እዩ ይብል።

ክልቲኦም ተወዳደርቲ ናይ መረጻ ጎስጓስ ኣብ ዝገበሩሎም ከባብታት፡ ዓሌታዊ ጎንጽታት ዝተወለዐ ኮይኑ፡ ነታ ሃገር ናብ ዝገደደ ቅልውላው ከይሸምማ ስግኣት ነይሩ።

መንግስቲ ናይ’ታ ሃገር ‘ስግኣት ጸጥታ’ ኣሎ ብዝብል ምስ ካልኦት ሃገራት ንዘዳውብዎ ዶባት ዓጽዩ’ሎ።

ኣብ ጊኒ 5.4 ሚሊዮን ሰባት ኣብ’ቲ መረጻ ድምጾም ክህቡ ዝተመዝገቡ ኮይኖም፡ ውጽኢት ናይ’ቲ መረጻ ንምፍላጥ መዓልታት ክወስድ ከምዝኽእል ይግመት።

ብመሰረት ሕጊ መረጻ ናይ’ታ ሃገር፡ ካብ ክልቲኦም ተወዳደርቲ እቲ ሓደ ንክዕወት፡ ልዕሊ 50 ምኢታዊት ድምጺ ክረክብ ኣለዎ።

እዚ ክኸውን እንተዘይክኢሉ ግን፡ ኣብ’ቲ ዝቕጽል ወርሒ ካልእ መረጻ ክካየድ እዩ።

ኣልፋ ኮንዴ ንነዊሕ ዓመታት ተቓዋሚ ኮይኑ ዝጸንሐን፡ ኣብ 2010 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ተዓዊቱ ፕረዚደንት ዝኾነን እዩ።

ንሱ ኣብ ዝተዓወተሉ እዋን፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ’ታ ሃገር ዝተርኣየ ፈላማይ ሰላማዊ ናይ ስልጣን ስግግር ተባሂሉ ነይሩ።