እስራኤላዊ ቢልየነር ኣብ ሃገረ ጊኒ 'ብልሽውና ፈጺምካ' ተባሂሉ ተኸሲሱ

ምንጪ ስእሊ, AFP
እስራኤላዊ ቢልየነር በኒ ስተይንመዝን ክልተ ተሓጋገዝቱን፡ ንሰበስልጣን ኣፍሪቃዊት ሃገረ ጊኒ ብላዕ ሂብካ ብዝብል ክሲ ናብ ፍርዲ ክቐርብ ምዃኑ ኣኽበርቲ ሕጊ ስዊዘርላንድ ተዛሪቦም።
ሰለስቲኦም ክሱሳት፡ ኣስታት 10 ሚልዮን ዶላር ንሓንቲ ካብ ኣንስቲ ፕረዚደንት ጊኒ ነበር ላሳና ኮንተ ሂቦም ዝብል ክሲ'ዩ ቀሪብሎም ዘሎ።
እቲ ቢልየነር ኮነ፡ እቲ ብስሙ ዝጽዋዕ በኒ ስተይንመዝ ግሩብ ሪሶርስስ (BSGR) ነቲ ክሲ ኣቐዲሞም ነጺጎሞ ነይሮም'ዮም።
ኣኽበርቲ ሕጊ፡ እቶም ጥርጡራት ካብ ክልተ ክሳብ ዓሰርተ ዓመት ማእሰርቲ ክብየነሎም'ዮም ዝጠልቡ።
እቶም ቅድሚ 6 ዓመት መርመራ ዝጀመሩ ኣኽበርቲ ሕጊ ከም ዝብልዎ፡ ቢልየነር ስተይንመዝ ኣብ 2008፡ ፕረዚደንት ኮንተ ቅድሚ ምማቱ'ዩ ኣብቲ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እታ ሃገር ዝርከብ ሲማንዶ ዝተባህለ ዞባ ናይ ዕደና ፍቓድ ተዋሂብዎ።
ብመሰረት እቲ ክሲ፡ ገለ ክፋል ናይቲ ንበዓልቲ ቤት ናይቲ ፕረዚደንት ዝተዋህበ ናይ ብላዕ ገንዘብ፡ ብመንገዲ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝተኸፍተ ሕሳብ ባንኪ'ዩ ተሰጋጊሩ። ኣብቲ ዝሓለፈ ለካቲት፡ ሰብመዚ ጊኒ ኣብ ልዕሊ'ቲ ቢልየነርን ትካሉን ዝኸፈትዎ ክሲ ዝሰረዝዎ፡ እቶም ክሱሳት ነቲ ናይ ዕደና መሰላት ብምርካቦም'ዩ።
መንግስቲ ጊኒ ኣብዚ ኣብ ስዊዘርላንድ ተኸፊቱ ዘሎ ሕጋዊ ክሲ ተራ ከም ዘይብሉን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኩባንያ ተጻባኢ ዝኾነ መርገጺ ከም ዘይብሉን ኣፍሊጡ።
ኣብ 2016፡ በን ስተይንመዝ ኣብ እስራኤል ንመርመራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ነይሩ'ዩ። ሽዑ'ውን እንተኾነ ነቲ ክሲ ነጺግዎ'ዩ።
ዞባ ኪማንዱ፡ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ብሓጺን ሃብታም ዝኾኑ ቦታታት ኮይኑ፡ ብቢልዮናት ቶናት ዝቑጸር ዝለዓለ ናይ ሓጺን ትሕዝቶ ከም ዘለዎ ይንገር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







