ቻይና ንኬንያ ዝለኣኸቶም ላፕቶፕ ኮምፒተራት ዝጸዓነ ኮንተይነር ጥርሑ ተረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሰበስልጣን ከም ዝሓበርዎ እቲ ኮንተይነር መዕሸጊኡ ከይተለዓለ'ኳ እንተጸንሐ፡ እተን ላፕቶፓት ግን ኣብ ውሽጢ ኣይተረኸባን።
እቲ ህያባት ዝጸዓነ ኮንተይነር ምስቲ ዝተልኣኻ ላፕቶፓት ክርከቡ ኣብ ትጽቢት'ኳ እንተጸንሑ፡ ዋላ ሓንቲ ኣብ ውሽጢ ኣይረኸቡን።
ነቲ ኮንተይነር ቆሊፉ ዝነበረ መዕሸጊ ከይተለዓለ፡ እዚ ክፍጠር ምኽኣሉ ድማ ዘገርም ክስተት ኮይኑ'ሎ።
ፖሊስ ኬንያ እዚ ከመይ ክኸውን ከመይ ክፍጠር ከም ዝኸኣለ ግልጺ ከም ዘይኮነሉ ኣፍሊጡ።
"ኮንተይነር ጥርሑ ብመርከብ ተጻዒኑ ካብ ቻይና ናብ ኬንያ ከመይ ክበጽሕ ከም ዝኸኣለ ንምግማቱ ዘጸግም'ዩ" ኢሉ ዋና ሓላፊ መምርሒ ምርመራ ፖሊስ ኬንያ ጆርጅ ኪኖቲ።
ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ናይ ክልትኤን ሃገራት ኣባላት ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ እተን ላፕቶፕ ኮምፒተራት ናብ ኬንያ ከም ዝለኣኻ ተገሊጹ ነይሩ።
ኣብ ወርሒ ሓምለ ናብ ኬንያ ክበጽሓ ትጽቢት እናተገበረ'ዩ እቲ ኮንተይነር ጥርሑ ዝተረኸበ።
ኣብ ኬንያ ዝርከብ ኤምባሲ ቻይና ብወገኑ እተን ላፕቶፓት ተጻዒነን ምዃነን ከም ዝተሓበሮ ኣፍሊጡ።
ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ድማ " ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ኬንያ እቲ ኮንተይነር ጥርሑ ከም ዝተረኸበ ምስ ኣፍለጠና ሰንቢድና ኢና" ክብል ሓቢሩ።
ዋና ሓላፊ መምርሒ ምርመራ ፖሊስ ኬንያ ጆርጅ፡ ፖሊስ ነቲ ጉዳይ ከጻርይ ከም ዝጀመረ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







