ኣብ መረጻ ጊኒ፡ መራሒ ተቓዋሚ ከም ዝተዓወተ ኣዊጁ

ምንጪ ስእሊ, EPA
መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ጊኒ፡ ሴሎ ዳሌን ዲያሎ፡ ቅድሚ እቲ ወግዓዊ ውጽኢት መረጻ ምግላጹ፡ ኣብ'ቲ ብሰንበት ዝተኻየደ መረጻ "ኣነ’የ ተዓዊተ" ኢሉ።
ንሱ ንጋዜጠኛታትን ደገፍቱን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ክሊ ብዙሓት “ዘይተለመዱ ነገራት” ኮይነ ቀዳማይ ዙርያ እቲ ውጽኢት ተዓዊተሉ’የ ኢሉ።
ኮሚሽን መረጻ እታ ሃገር ግን፡ ድምጺ ገና ይቖጽር ከም ዘሎን፡ መን ተዓዊቱ ዝብል ናይ ምግላጽ ስልጣን ናቱ ምዃኑን ይገልጽ ኣሎ።
ደገፍቲ ዲያሎ ነቲ ዝተባህሎም ዓወት ንክጽምብሉ ናብ ጎደናታት ክወጽኡ እንከለው፡ ፖሊስ ብሓይሊ በቲኖምዎም።
ዲያሎ ድማ፡ ሰለስተ ሰባት ከም ዝሞቱን ካልኦት ብዙሓት ከም ዝቖሰሉን ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
ውጽኢት እቲ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ዝተኻየደ መረጻ፡ ጽባሕ ረቡዕ ክግለጽ ትጽቢት ይግበር።
ተዓዋቲ እቲ መረጻ፡ ልዕሊ 50 ሚኢታዊት ድምጺ ክረክብ እንተዘይክኢሉ ግን፡ 24 ሕዳር 2020 ካልኣይ ዙርያ መረጻ ክካየድ እዩ።
ዲያሎ ቅድም ኢሉ ኣብ ዝተኻየዱ መረጻታት ክልተ ግዜ ተሳዒሩ’ዩ።
እዚ ናይ ሕጂ መረጻ’ውን ኣዝዩ ኣካታዒ ስለ ዝኾነ፡ ብቐንዱ ኣብ መንጎ ሰራዊት እታ ሃገር ምክፍፋል ከይፍጠር ይስጋእ።
ወዲ 82 ዓመት ፕሬዝደንት ኣልፋ ኮንዴ’ውን ኣብቲ መረጻ ከም ዝተወዳደረ ይፍለጥ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







