ፕረዚደንት ጊኒቢሳው ንሓሙሽተ ሚኒሰትራቱ ካብ ስራሕ ሰጒጉዎም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፕረዚደንት ጊኒ ቢሳው ኡማሮ ሲሶኮ ኢምባሎ ንሓሙሽተ ሚኒስተራቱ ካብ ስራሕ ሰጒጉዎም።
እቶም ሚኒስተራት፤ ሚኒስተር ምክልኻል፤ ሚኒሰትር ውሽጣዊ ጉዳያት፤ ሚኒስተር ቁጠባ፤ ሚኒሰትር ሕርሻን ሚኒስተር ጸዓትን ኮይኖም፡ ንዐኦም ብዘይተገለጸሎም ምኽንያት እዮም ትማሊ ሰንበት ብዝወጽአ ኣዋጅ ካብ ስራሕ ተሰጒጎም።
እዚ ሚኒስተራት ካብ ስራሕ ናይ ምስጓግ መደብ፡ ኣብ ድሮ እቲ ሎሚ ሰኑይ ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ባይቶኣዊ ክትዕ ኮይኑ፡ ኣብዚ ክትዕ ፖሎቲካውያን ተቋወምቲ ዝለዓለ ኢድ ክህልዎም ከምዝኽእል እዩ ግምት ተዋሂብዎም ዘሎ።
ሃገረ ጊኒ ቢሳው፡ ካብ ቅድሚ ሓያለ ዓመታት ኣትሒዛ ኣብ ዓዘቕቲ ፖሎቲካዊ ሕንፍሽፍሽ እያ ዘላ።
ፕረዚደንት ኡማሮ ሲሶኮ ኢምባሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዝተገበረ ፕረዚደንታዊ ምርጫ’ዩ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኮይኑ ተሮቚሑ።
እንተኾነ፡ ነታ ሃገር ንነዊሕ ዓመታት ክመርሓ ዝጸንሐ ሰልፊ ፓይጅክ (PAIGC) ኣብቲ ምርጫ ድምጺ ከምዝተሰረቐ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።
እቶም ካብ ስልጣኖም ተሰጒጎም ዘለዎ ሓሙሽተ ሚኒስተራት ኣባላት ናይቲ ብፕረዚደንት ኡማሮ ሲሶኮ ኢምባሎ ዝምራሕ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ማደም 15 ወይ’ውን ኣባላት ነቲ ፕረዚደንት ተማእዘዝቲ ዝኾና ሰልፍታት ምዃኖም ሮይተርስ ሓቢሩ።
ሃገረ ጊኒ ቢሳው፡ ካብ 1980 ጀሚሩ ትሽዓተ ግዜ ፈተነ ዕልዋን፤ ዕልዋን ተኻይዱላ ኣሎ።
ፕረዚደንት ኡማሮ ሲሶኮ ኢምባሎ፡ ኣቐዲሙ ወተሃደራዊ ጀነራል ዝነበረ ኮይኑ፡ ነታ ካብ ዓለም ብድኽነት እትፍለጥ ሃገሩ፡ ካብ ፖለቲካዊ ወጥሪ ኣናጊፉ ናብ ጎደና ዘመናውነት ከምዘምርሓ እዩ ዝገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







