በክሩስ ቡካሪኒ፡ ብ'ዋትስኣብ' መጽሓፍ ጽሒፉ ዘሕተመ ስደተኛ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ደሴት ማኑስ፡ ኣብ መዳጎኒ ስደተኛታት ተኣሲሩ እንከሎ ብ'ዋትስኣብ' መጽሓፍ ጽሒፉ ዘሕተመ ሓታቲ ዕቑባ፡ ንሽዱሽተ ዓመት ኣብ ኣውስትራልያ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብ ቤት-ማእሰርቲ ተፈቲሑ።
እዚ ኢራናዊ ኩርዳዊ በክሩስ ቡካሪኒ፡ ትማሊ ሓሙስ ካብ ደሴት ማኑስ ናብ ኒውዚላንድ ኣትዩ ኣሎ።
ንሱ፡ ናብቲ ተኣሲሩላ ዝነበረት ሃገር ፓፑዋ ኒው-ጊኒ ብፍጹም ከምዘይምለስ ምሒሉ'ሎ።
እዚ ጋዜጠኛ፡ ኣብ 2013 ኣብ መሬት ኣውስትራልያ ብጃልባ ምስ ኣተወ እዩ ተታሒዙ ናብ ፓፑዋ ኒው-ጊኒ ተወሲዱ።
ወላ'ኳ ዕቑባ ክረክብ ተስፋ እንተነበሮ፡ ኣውስትራልያ ናብ ሃገራ ብዘይሕጋዊ መገዲ ብጃልባ ኣብ ልዕሊ ዝመጽኡ ስደተኛታት ጽኑዕ ፖሊሲ ስለዘዋ፡ ኣብ ሕማቕ ወዲቑ።
"ኣብ ኒው ዚላንድ ኣቲየ ኣሎኹ፡ ድሕሪ 6 ዓመት ናጽነት ክትረክብ ደስ ዘብል እዩ" ክብል ድማ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
በክሩስ ቡካሪኒ፡ ኣብ 2013 እዩ ኣብ ደሴታት ክሪስማስ መሬት ኣውስትራልያ ኣትዩ።
ኣብታ ዓመት፡ ናይቲ ሽዑ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስተራልያ ዝነበረ፡ ብጃልባ ዝመጽኡ ሓተትቲ ዕቑባ ኣብ ኣውትራልያ ከምዘይኣትው ሓቢሩ ነይሩ።

በክሩስ ቡካሪኒ፡ ወላ'ኳ ጽቡቅ ናብራ ክመርሕ ናብ ኣውትራልያ እንተኣምረሓ፡ ካብኡ ተታሒዚ ናብ ማኑስ መዳጎኒ ስደተኛታት ተወሲዱ።
ኣብ ጥሪ 2019፡ "ኣነ ንኢራን ገዲፈ ዝሃደምኩ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ከይኣቱ ክብል እየ፡ ኣብዚ ምስ መጻእኩ ድማ ኣውስትራልያ ወሲዶም ንዓመታት ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ኣሲሮምኒ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።
ካብ ደሴት ማኑስ ክወጽእ ብዘይምኽኣሉ፡ ኣብታ ደሴት ኮይኑ፡ ህይወት ሓተትቲ ዕቑባ ብጾቱን ዘሕልፎ ዝነበረ ኩነታትን ከቓልሖ ጀሚሩ።
እታ ንሱ ዝጸሓፋ መጽሓፍ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ማኑስ ብዛዕባ ዘሕለፎ ህይወት ተዘንቱ ኮይና፡ ክልተ ግዜ ተሸሊማ።
እዚ ስደተኛ፡ ካብ ኒውዚላንድ ናብታ ዕቑባ ዝሃበቶ ሃገር፡ ኣሜሪካ ክጎዓዝ ትጽቢት ይግበረሉ።
ኣቀድም ኣቢላ ኒውዚላንድ ኣስታት 150 ንዝኾኑ ስደተኛታት ክትቕበል እማመ ኣቅሪባ ነይራ። እንተኾነ ግን፡ ሰበ-ስልጣን ኣውስትራልያ ነቲ ናታ እማመ ነጺጎሞ።
በክሩስ ቡካሪኒ፡ "ኣነ ካብቲ ስርዓት ነጻ ክኸውን እየ ዝደሊ። ከም ስደተኛ ዘይኮነ፤ ሰብ ኮይነ ክነብረሉ ዝኽእል ቦታ እየ ክኸይድ እደሊ" ክብል ንጋዜጣ ጋርድያን ተዛሪቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







