ወተሃደራት ኣመሪካ፡ ኣብ ቬንዝዌላ ዕልዋ መንግስቲ ፈቲንኩም ብዝብል ተፈሪድዎም

ቬንዝዌላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንፕረዚደንት ቬንዙዌላ፡ ኒኮላስ ማዱሮ ‘ብዕልዋ መንግስቲ ክትኣልዩ ፈቲንኩም’ ዝተብሃሉ ክልተ ኣመሪካውያን ወተሃደራት ነበር ማእሰርቲ ተፈሪድዎም።

እቶም ወተሃደራት ሉክ ዴንማን ከምኡ’ውን ኣይራን ቤሪ ዝበሃሉ ኮይኖም፡ ሽርሒ ብምእላም፣ ዘይሕጋዊ ኣጽዋራት ብምእታውን ብሽበራን ቤት ፍርዲ ቬንዙዌላ ‘ገበነኛታት’ ኢሉዎም።

እዞም ክልተ ወተሃደራት፡ ካብ መንጎ እቶም ኣብ ወርሒ ጉንበት ካብ ኮሎመቢያ ናብ ቬንዙዌላ ብባሕሪ ክኣትዉ እንትፍትኑ ዝተትሓዙ 13 ሰባት እዮም።

ነዚ ወተሃደራዊ ስርሒት ኣብ ምሕጋዝ ኢድ ዝነበሮም እቶም ካልኦት’ውን ገና ክፍረዶም ምዃኑ ዓቃቢ ሕጊ ናይ’ታ ሃገር ታረክ ዊልያብ ሳብ ገሊጹ’ሎ።

እቲ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ትዊተር፡ ስእልታት መኻይን፣ ኣጽዋርን መለለዪ ወረቐትን ዝጠቀዐ ኾይኑ፡ እቶም ኣመሪካውያን “ዕሱባት” ነቲ ሓቅታት ባዕሎም ኣሚኖምሉ እዮም ክብል ጽሒፉ።

ምስ ሶሻሊስታዊ ፕረዚደንት ማዱሮ ዘይቃዶ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ድማ፡ ነቲ ካብ ቬንዙዌላ ዝቐረበሉ ‘ንሱ እዩ ፈጺምዎ’ ዝብል ክሲ ነጺግዎ።

ኣመሪካ፡ ንቬንዙዝዌላዊ ተቓዋሚ ጁዋን ጉይዶ እያ ትድግፍ፤ ብወግዒ ናይ’ታ ሃገር መራሒ ኢላ እትፈልጦ’ውን ንዕኡ እዩ።

ወዲ 34 ዓመት ዴንማንን ወዲ 41 ዓመት ቤሪን፡ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኣመሪካ ዝነበሩ እዮም። ቅድም ክብል፡ ምስሎም ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ቬንዙዌላ ቀሪቡ ነይሩ።

ኣብ’ቲ ብቴሌቪዥን ዝተቓለሐ ቪድዮ፡ ዴንማን “ስርሒት ጌድዮን” ኣብ ዝበሃል ንፕረዚደንት ማዱሮ ንምቕታል ወይ ጨዊኻ ናብ ኣመሪካ ንምውሳድ ዝዓለመ ወተሃደራዊ ስርሒት ኢድ ከምዝነበሮ ክናዘዝ ይረኣይ።

ዴንማን ከምዝብሎ፡ ኣብ ኣመሪካ ፍሎሪዳ ዝመደብሩ ‘ሲልቨርኮርፕ’ ዝበሃል ናይ ጸጥታ ኩባንያ እዩ ነዚ ስርሒት ክፍጽም ቆጺርዎ።

ነዚ ኩባንያ ድማ ጆርዳን ጎድሮ ዝበሃል ወተሃደር ነበር ኣመሪካ እዩ ዝመርሖ። ንሱ፡ ኣብ’ዚ ስርሒት ኢድ ከምዝነበሮም ብግልጺ ኣሚኑ እዩ።

ዋሽንግተን ፖስት ዘውጸኦ ናይ ውዕሊ ሰነድ ከምዘርእዮ፡ ንፕረዚደንት ማዱሮ ንምዕላው ኣብ መንጎ ሲልቨርኮርፕን ተቓወምቲ ቬኑዝዌላን ናይ 213 ሚልዮን ዶላር ስምምዕ ተገይሩ እዩ።

መራሒ ተቃዋሚ ጁዋን ጓይዶ ግን ምስ’ቲ ኩባንያ ዝኾነ ርክብ ከምዘይብሉ እዩ ገሊጹ።

ርክብ ኣመሪካን ቬንዙዌላን ወጥሪ ዝዓሰሎ እዩ። ኣመሪካ ኣብ’ታ ሃገር ንዘሎ ገፊሕ ሃብቲ ነዳዲ ክትዘምት መታን ንተቓወምቲ ትምዝምዝ ኣላ ክብል ክብል ማዱሮ ንኣመሪካ ይኸስሳ።

ኣመሪካን መራሒ ተቓዋሚ ጁዋን ጓይዶ ግን፡ ፕረዚደንት ማዱሮ ነታ ሃገር ናብ ቁጠባዊ ቅልውላው ሸሚምዋ ክብሉ ይኸስዎ።