ጋቦን፡ መንግስቲ ንፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ከምዘፍሸለ ገሊጹ

ኣብ ተለቪዥን ቀሪቦም ናብ ህዝቢ መልእኽቶም ዘሕለፉ ኣካየድቲ እቲ ዕልዋ

ምንጪ ስእሊ, Gabon Television

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ተለቪዥን ቀሪቦም ናብ ህዝቢ መልእኽቶም ዘሕለፉ ኣካየድቲ እቲ ዕልዋ

መንግስቲ ጋቦን፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ብምፍሻል፡ ኩሉ ነገር ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሩ ከም ዘሎ ኣፈኛ ናይቲ መንግስቲ ገሊጹ።

እቶም ነቲ ዕልዋ ዘካየዱ ሓሙሽተ ታሕተዎት ወታሃደራውያን መኮንናት ብምልኦም ኣብ ቀይዲ ኣእትይዎም ከም ዘሎ'ውን እቲ ዝወመጸ መንግስታዊ መግለጺ ሓቢሩ።

ሎሚ ንጉሆ፡ ታሕተዎት ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ጋቦን፡ ንተለቭዥን እታ ሃገር ብምቁጽጻር፡ ስልጣን እታ ሃገር ከም ዝተረከቡ ኣፍሊጦም ነይሮም።

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገረ ጋቦን፡ ንዝሓለፈ ሓመሳ ዓመታት ብሓደ ስድራ'ያ ክትምራሕ ጸኒሓ።

እዞም ወተሃደራዊ ዕልዋ ዝገበሩ ታሕተዎት ወተሃደራውያን መራሕቲ፡ እዚ ተግባራ ''ዲሞክራሲ ንምውሓስ'' ከም ዘካድዎ ድማ ገሊጾም።

እዞም ብኣቆጻጽራ ጋቦን ስዓት 4 ወጋሕታ ንሃገራዊት ሬድዮ እታ ሃገር ዝተቆጻጸሩ ታሕተዎት ሓለፍቲ፡ ''ሃገራዊ ዳግመ ምምሕያሽ'' ኣዊጆም።

ኣብ ጎዶናታት ዋና ከተማ ጋቦን ሊበረቪል፡ ታንክታትን ድሩዓት መካይንን ብብዝሒ ይርኣያ ኣለዋ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ግን ኣብታ ከተማ ምርግጋእ ሰፊኑ ከም ዘሎ ኣፈኛ መንግስቲ ዝኾነ ጋይ-በርትራንድ ማፓንጎ ተዛሪቡ።

ፕረዚደንት ዓሊ ቦንጎ ኣብ 2009 ካብ ኣቡኡ ዑመር ቦንጎ ስልጣን ብምርካብ፡ ንጋቦን ክመርሓ ድሕሪ ምጽናሕ ካብ ወርሒ ነሓሰ ጅሚሩ ብጽኑዕ ሓሚሙ ይርከብ።.

ፕረዚደንት ዓሊ ቦንጎ፡ ካብ ኣቡኡ ስልጣን ድሕሪ ምርካብ ኣብ 2016 ኣብ ዝተገበረ ምጥፍፋእ ነይርዎ ዝተብሃለ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዳግም ተዓዊቱ'ዩ ንጋቦን ክመርሓ ጸኒሑ።

ፕረዚደንት ዓሊ ቦንጎ ዝሓለፈ ክልተ ወርሒ ድሕሪ ዘጋጠሞ ወቕዒ ኣብ ሕክምና ሞሮኮ'ዩ ክእለ ጸኒሑ።

ፕረዚደንት ጋቦን ዓሊ ቦንጎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ጋቦን ዓሊ ቦንጎ