ሓንጻጺ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ‘9/11’ ከመይ ካብ ኢድ ኤፍቢኣይ ከምልጥ ክኢሉ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ነቲ ቅድሚ 20 ዓመታት ኣብ ኣመሪካ ነፈርቲ ብምጭዋይ ምስ ህንጻታት ክላተማ ብምግባር ብዙሓት ሰባት ክሃልቁ ዝገበረ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝሓንጸጸ ካልድ ሸኽ መሓመድ፡ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ፍርዱ ይጽበ እዩ ዘሎ፡፡ ኮይኑ ግና ቅድሚ ነቲ እከይ ተግባር ምፍጸሙ ጠጠው ምባል ይከኣልዶ ነይሩ ይኸውን?
ፍራንክ ፐለግሪኖ፡ ኣብ ማለዥያ ኣብ ዝርከብ መደቀሲ ክፍሊ ሓደ ሆቴል ኮፍ ኢሉ እንከሎ፡ ነፈርቲ ናብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ መንታ ህንጻ እንትጋጨዋ ዘርእይ ቪድዮ ኣብ ቴሌቪዥን ርእዩዎ፡፡ ሽዑ ንሽዑ ድማ ኣብ ኣእምርኡ ሓደ ሓሳብ ብልጭ ኢሉ፡ ‘‘ እግዚኦ! ነዚ ዝፈጸመ ካልድ ሸኽ መሓመድ ክኸውን ኣለዎ’’ ክብል ድማ ንነብሱ ተዛረባ፡፡
እቲ ድልየትን ዕላማን ምስ ባህጊ እቲ ተኸሳሲ ዝገጣጠም እዩ፤ ፐለግሪኖ ድማ ነዚ ክፈልጥ ኣብ ዘኽእሎ ፍሉይ ቦታ ነይሩ፡፡
ፍሉይ መርማሪ ኤፍቢኣይ ዝነበረ ፐለግሪኖ፡ ነቲ ተኸሳሲ ዳርጋ ን 30 ዓመታት ተኸታቲልዎ እዩ፤ ዛጊድ ግን ፍርዲ ኣይተውሃቦን።
ጠበቓ መሓመድ ንቢቢሲ ከምዝገለጾ ድማ እቲ ጉዳይ መዕለቢ ክረከብ ገና ካልእ 20 ዓመት ክውስድ ይኽእል እዩ፡፡
መራሒ ኣልቃዒዳ ዝነበረ ኦሳማ ቢን ላደን፡ እቲ ቀንዲ ሃንዳሲ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ‘9/11’ ተገይሩ እዩ ዝውሰድ ነይሩ፡፡ እቲ ሓቂ ግና እቲ ‘‘ቀንዲ ሓንጻጺ’’ መሓመድ ከምዝኾነ እዩ ነቲ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝምርምር ኮምሽን ዝገልጽ፡፡
ነቲ ሓሳብ ኣመንጭዩ ናብ ኣልቃዒደቃ ዝወሰዶ ንሱ እዩ፡፡
ኣብ ኩዌት ዝተወለደ መሓመድ፡ ቅድሚ ኣብቲ ናይ 1980ታት ኲናት ኣፍጋኒስታን ምክፋሉ ኣብ ኣመሪካ እዩ ተማሂሩ፡፡
ቅድሚ መጥቃዕቲ ‘9/11’ መርማሪ ኤፍቢኣይ ፍራንክ ፐለግሪኖ፡ ኣብ ናይ መሓመድ መጋባእያ ነይሩ፡፡ ኣብቲ እዋን ፐለግሪኖ ነቲ ኣብ 1993 ኣብ ማእከል ንግዲ ዓለም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባ ክምርምር ተመዲቡ ነይሩ፡፡
ሽዑ እዩ ድማ ሽም መሓመድ ንፈለማ እዋን ናብ እዝኒ ሰብ መዚ ኣመሪካ ዝኣተወ፤ ምኽንያቱ ናብ ሓደ ካብቶም ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተሳተፉ ሰባት ብባንኪ ገንዘብ ልኢኹ ስለዝነበረ እዩ፡፡
ኣብ 1995 ኣብ ልዕሊ ብዙሓት መገዲ ኣየራት መጥቃዕቲ ንምፍጻም ምስ ዝተሓንጸጸ ግብረሽበራዊ ትልሚ ሽሙ ምስተተሓሓዘ ድማ ፐለግሪኖ መጠን ድልየት መሓመድ ክርዳእ ክኢሉ፡፡
ኣብ መፋርቕ 90ታት ተኸታቲሉ ኣብ ኳታር ክሕዞ ቀሪቡ ነይሩ፡፡ ፐለግሪኖ ዝሓዛ ጉጅለ ንመሓመድ ኣሲራ ንምውሳድ ነፋሪት አዳልያ ኣብ ኦማን በጺሓ፤ ኮይኑ ግና ዕግርግር ከይፍጠር ብምስጋእ ኣብ ባይታ ዝነበሩ ዲፓሎማሰኛታት ኣመሪካ፡ ክፈቕዱ አይከኣሉን፡፡
ጸኒሑ ድማ ሰብመዚ ኳታር መሓመድ ከምዝጠፈኦም እቲ ኣምባሳደር ንፐለግሪኖ ነጊርዎ፡፡ ኣዝዩ ከምዝሓረቐ ብምግላጽ ድማ ወርቃዊ ዕድል ከምዘባኸኑ ይዛረብ፡፡
ኣብ መፋርቕ 90ታት መሓመድ ከም ቀንዲ ተደላዪ ከምዘይነበረ እዩ እቲ መርማሪ ዝገልጽ፡፡ ኣብ ዝርዝር 10 ኣዝዮም ተደለይቲ ኣመሪካ እኳ ክረኽቦ ኣይከኣለን፡፡
‘‘ ብዙሓት ዝገደዱ ግብረሽበራውያን ኣለዉ ኢሎምኒ ነይሮም’’ ይብል፡፡
ብኣመሪካ ከምዝድለ ዝተረደአ ዝመስል መሓመድ ካብ ኳታር ወጺኡ ናብ ኣፍጋኒስታን ኣትዩ፡፡
ሽሙ ምስ ብዙሓት ምንቅስቓሳት ግረሽበራ ክለዓል ዝጀመረ መሓመድ ኣብቲ እዋን እዩ አብረርቲ ኣሰልጢንካ ነፈርቲ ናብ ህንጻታት ኣመሪካ ብምልታም መጥቃዕቲ ምፍጻም ዝብል ሓሳብ ሒዙ ናብ ኦሳማ ቢን ላደን ዝቐረበ፡፡
ካብኡ መጥቃዕቲ ‘9/11 ኣጋጢሙ’፡፡ ሓንጻጺ እቲ መጥቃዕቲ መሓመድ ከምዝኾነ ሓደ ቀንዲ ኣባል ኣልቃዒዳ ምስገለጸ ድማ ጥርጣረ ፐረግሪኖ ሓቂ ኮይኑ ተረኺቡ፡፡
‘‘ንሱ ምዃኑ ምስ ኣረጋገጽና ካባይ ንላዕሊ ዝጎሃየ ኣይነበረን’’ ይብል፡፡
መሓመድ ኣብ 2003 ኣብ ፓኪስታን ተታሒዙ ተኣሲሩ ፡፡ ፐለግሪኖ ድማ በቲ ዝፈጸሞ ገበን ናብ ፍርዲ ክቐርብ እዩ ዝብል ተስፋ ነይሩዎ፡፡ ግን ደሃዩ ጠፊኡ፡፡
ነቶም ገበናት ክኣምን ብዙሕ መግረፍትን ስቅያትን ዝተፈጸሞ መሓመድ፡ ብዛዕባ ዝሓንጸጾም ብዙሓት መጥቃዕቲታት ኣሚኑ ነይሩ፡፡ ኮይኑ ግና መብዛሕተኦም ዝዛረቦም ሓቂ ከምዘይነበሩ ጸብጻብ ሰኔት የመልክት፡፡
ኣብ 2006 ኣዝዮም ዝድለዩ ተጠርጠርቲ ናብ ጓንታናሞ በይ ምስተወሰዱ ግና መርመርቲ ኤፍቢኣይ ክረኽቡዎም ተፈቒዱ፡፡
አብ ጥሪ 2007 ድማ ፍራንክ ፐለግሪኖ ምስቲ ንዓመታት ክሃድኖ ዝጸንሐ መሓመድ ንፈለማ እዋን ገጽ ንገጽ ተራኺቦም፡፡
እንታይ ከምዝበሎ ንምዝራብ እኳ ፍቓደኛ እንተዘይኮነ ንመሓመድ ግን ‘‘እመኑ ኣይትእመኑ ተጻዋታይን ጽቡቕን እዩ’’ ክብል ገሊጽዎ፡፡
ክረኣይ ዝፈቱን ጣዕሳ ዝበሃል ዘይረኣዮ ከምዝኾነን እውን ይገልጽ፡፡
ነቲ ኣብ 9/11 ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ፍትሒ ንምርካብ ዝተገበረ ፈተነታት ኣይሰመረን፡፡ ኣብ ኒውዮርክ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ መጋባእያ እውን ብተቓውሞ ህዝብን ፖለቲካን ተዓናቒፉ እዩ፡፡
‘‘ኩሉሰብ ኣብዚ ክንርእዮ ኣይንደልን፤ ኣብ ጓንታናሞ ኣቐምጥዎ ኢሉ’’ ይብል ፐለግሪኖ፡፡
ኣብ ጓንታናሞ ተጀሚሩ ዝነበረ ወታሃደራዊ መጋባእያ እውን ብምኽንያት ምድንጓያት ዳሓር ድማ ብምኽንያት ኮቪድ እቲ ማእከል ስለዝተዓጸወ እቲ መስርሕ ክጓተት ክኢሉ ፡፡
ኣብዚ ሰሙን ብዙሓት መጋባእያታት ይሳለጡኳ እንተሃለዉ መወዳእትኡ ግን ገና እዩ ዝመስል፡፡
ናይ ዳያኑ ምቅይያር ካልእ ነቲ መስርሕ ዘጓተተቶ ኮይኑ ኣብዚ እዋን ተሸይሙ ዘሎ ሓድሽ ዳይና ድማ ኣብቲ ‘‘ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ዝዓበየ መጋባእያ ገበን’’ ቅድሚኡ ናይ ዝተኻየዱ መጋባእያታት ኣስታት 35 ሽሕ ገጽ ሰነዳት ንምርኣይን ንምርዳእን ግዘ ክወስደሉ እዩ፡፡
ፕለግሪኖ ናይ መሓመድ ወታሃደራዊ መጋባእያ ፍጻመ ንምርኣይ ክብል ጥሮታ ዝወጸሉ እዋን ብሰለስተ ዓመት ኣናዊሕዎ ነይሩ፡፡
‘‘ካብ ስራሕ እንከይተሰናበትኩ መወዳእትኡ እንተዝርእይ ጽቡቕ ነይሩ’’ ይብል፡፡
ኮይኑ ግና ክሰልጥ ብዘይምኽኣሉ፡ ብጥሮታ ተሰናቢቱ ክወጽእ ተገዲዱ፡፡
ንመሓመድ ኣብ 90ታት ሒዝናዮ እንተንኸውን ንመጥቃዕቲ 9/11 መትረፍናዮዶ ዝብል ሓሳብ ይርብሾን ኣብ ስርሑ ዕዉት ከምዘይነበረ ክስመዖ ከምዝገብርን ይዛረብ፡፡
‘‘ሽሙ መዓልታዊ እዩ ናብ ኣእምሮይ ዝመላለስ፤ ጽቡቕ ሓሳብ እውን ኣይኮነን’’ ይብል ፐለግሪኖ፡፡








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







