ኢራን፡ ኣብ ከተማ ቴህራን ‘መራሒ ኣልቃኢዳ ተቐቲሉ’ ዝብል ሓበሬታ ነጺጋቶ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ፡ ኣብ ርአሰ ከተማ ኢራን ዝኾነት ቴህራን መራሒ ኣልቃኢዳ ተቐቲሉ ዝብል ጸብጻብ ሕሶት እዩ ብምባል መንግስቲ ኢራን ነጺግዎ።
ጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ፡ ካልኣዋይ ላዕለዋይ ኣዛዚ ኣልቃኢዳ ተገይሩ ዝውሰድ ዓብዱላሕ ኣሕመድ ዓብዱላሕ፡ ብሓይልታት እሰራኤል ኣብ ጎደናታት እታ ከተማ ተቐቲሉ ኢሉ እዩ ጸብጺቡ ነይሩ።
እቲ ጋዜጣ ወሲኹ፡ ሓይልታት እስራኤል እቲ መጥቓዕቲ ዝፈጸመ ካብ ኣመሪካ ብዝቐረበሉ ሕቶ ከምዝኾነ’ውን ሓቢሩ ነይሩ።
ኢራን ግን፡ ኣብ ሃገራ ኣሸበርቲ ኣልቃኢዳ ከምዘይነብሩ እያ ገሊጻ።
ዓብዱላሕ፡ እቲ ብ1998ታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ኢምባሲታት ኣመሪካ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዘዋደደ ሰብ ተባሂሉ እዩ ዝጥርጠር።
ኣቡ ሙሓሙድ ኣል-ማስሪ ብዝብል ቕጽል ስሙ ዝፍለጥ እዚ መራሒ፡ ኣብ 7 ነሓሰ ብክልተ ቀንጸልቲ ምስ ጓሉ ከምዝተቐትለ ምንጭታት ስለያ ኣመሪካ ጠቒሱ እቲ ጋዜጣ ጽሒፉ።
እቲ ጸብጻብ ከምዝብሎ፡ ኢራን እቲ ቅትለት ዝተፈጸመሉ ሓደ ተወላዲ ሊባኖስ ናይ ታሪኽ ምሁር ፕሮፌሰር ከምዝኾነ ገይራ እያ ክትሸፋፍኖ ፈቲና።
እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን “ዋሺንግተንን ቴል ኣቪቭን ካብ ግዜ ናይዞም ጉጅለታት ግብረ ራዕዳዊ ተግባራት ምስ ኢራን ብሕሶት ብምልጋብ ጸለመ ልሙድ ገይሮምዋ” ኢሉ።
ቻነል 12 ዝተብሃለ መደብር ቴሌቪዥን እስራኤል ግን፡ ናይቲ መራሒ ቅትለት ካብ ናይ ክልቲአን ሃገራት ሓበራዊ ድሌት ዝተበገሰ ከምዝኾነ ነቶም ስለያ ኣመሪካ ጠቒሱ ጸብጺቡ።
ዓብዱላሂ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል’ውን ተመሳሳሊ መትቃዕቲታት የዋድድ ከምዝነበረ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ዓብዱላሂ ሓደ ካብቶም መስረትቲ እስላማዊ ጉጅለ ኣልቃዒዳ፡ ሓደ እዩ።
ኣብቲ ኣብ 1998 ኣብ ናይ ኢምናሲታት ኣመሪካ ኣብ ኬንያን ኣብ ታንዛንያን ንሞት 2224 ምኽንያት ዝኾነ መጥቓዕቲ ዘዋደደ ከምዝኾነ እዩ ዝጥርጠር።
ካብ 2003 ጀሚሩ ኣብ ኢራን ኣብ ገዛ ተዓጽዩ ይነብር ከምዝነበረ ደሓር ግን ነጻ ኾይኑ ይንቀሳቐስ ከምዝነበረ እዩ ዝዝረብ።
ርግጽ፡ ኣልቃኢዳን ኢራንን ዘሰጉምዎ ናይ ኢስላም ስነ-ሓሳብ ዝተፈላለየ ከምዝኾነ እዩ ዝንገር፡ ኣብ መንጎኦም ርክብ ምፍጣር ልሙድ ከምዘይኾነ ድማ ይዝረብ።
ናይ ኢራን-እስላም፡ ሺዓ ሙስሊም እንትኾኑ፡ ኣልቃኢዳ ዘሰጉሞ ስነ-ሓሳብ ሙስሊም ድማ ናይ ሱኒ ኣታሓሳስባ እዩ።
ዓብዱላሕ፡ ኣብ ኤፍቢኣይ ‘ኣዝዩ ዝድለ’ ኣብ ዝብል ዝርዝር ፈጸምቲ ራዕዲ ይርከብ።
ንዕኡ ዘትሓዘ ወይ ካአ ኣብ ዝርከበሉ ቦታ ዝሓበረ ሰብ ድማ፡ 10 ሚልዮን ዶላር ሽልማት ከምዝወሃቦ መንግስቲ ኣሜሪካ ምምብጽዑ ይዝከር።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







