ኣፍጋኒስታን፡ ኣመሪካ ዋላ መጥቃዕትታት ይፈጸም ኣብ ካቡል ትገብሮ ስርሒት ምውጻእ ክትቅጽሎ ምዃና ገሊጻ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ጅሃዳውያን ጉጅለታት 13 ኣመሪካውያን ዝርከብዎም 90 ሰባት'ኳ ኣንተቐተሉ፡ እቲ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ሰባት ናይ ምውጻእ መስርሕ ክቅጽል ምዃኑ ገሊጹ።
ነቶም ነቲ ገበን ዝፈጸሙ፡ ኣመሪካ ክትሃድኖም ምዃና ብምግላጽ ኸኣ "ነቲ ዝጀመርናዮ ስርሒት ክንዛዝሞ ኣለና፡ ክንዛዝሞ ኢና ድማ" ኢሉ።
ካብታ ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ዝተቖጻጸረላ 15 ነሓሰ ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 100 ሽሕ ኣፍጋናውያን ብመዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ካብታ ሃገር ወጺኦም ኣለዉ።
እንተኾነ፡ ኣመሪካ ክሳብ 31 ነሓሰ ጥራይ ኣብ ኣፍጋኒስታን [መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል] ክትጸንሕ ስለዝተፈቐዳ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ኣፍጋናውያን እታ መዓልቲ ከይኣኸለት ካብታ ሃገር ንኽወጽኡ ኣብ ትጽቢት እዮም ዘለዉ።

እቲ ልዕሊ 90 ሰባት ዝሞትሉ መጥቃዕትታት፡ ብኣቆጻጽራ እቲ ኸባቢ ሓሙስ ሰዓት 1:30 ድሕሪ ቀትሪ'ዩ ኣጋጢሙ።
እቲ ናይ መጀመርታ ዕላማ እቲ መጥቃዕቲ ዝነበረ፡ እቲ ወተሃደራት ኣመሪካን ወተሃደራት ዓባይ ብሪጣንያን ሰባት እናኣጻረዩ ናብ ውሽጢ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ዘእትውሉ እዩ ነይሩ።
ድሕሪ ደቓይቕ'ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ሓደ ሰብ መዚ ዓበይ ብርጣንያ ኣብ ኣፍጋኒስታን ክወጽኡ ዝደልዩ ኣፍጋናውያን ዝምዝግብሉ ሆቴል መጥቃዕቲ ተፈጺሙ።
ነቲ መጥቃዕቲ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ኣይኤስ-ከይ ዝተብሃል እስላማዊ ጉጅል ከምዝፈጸሞ ባዕሉ መግለጺ ሂቡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ምሕረት ኣይክንገብርን ኢና፡ ኣይክንርስዕን'ውን ኢና፡ ነቲ ዝፈጸምክሞ ዋጋ ከምእትኸፍልሉ ክንገብር ኢና" ኢሉ።
ናይ ኣመሪካ ሓላፊ ማእከላይ እዚ ጀነራል ፍራንክ ማከንዚ፡ ካብቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝሞቱ 11 ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካን ሓደ ኣመሪካዊ ተማሃራይ ሕክምናን ከምዝርከብዎም ገሊጹ።
ኣመሪካ ድሕሪ ለካቲት 2020 ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘጋጠማ ብዝሒ ሞት፡ እዚ ዝልዓለ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
ጀነራል ፍራንክ ማካንዚ፡ እቲ ካብ ጉጅል ኣይሲስ-ከይ ዝፍጠር ስግኣት ዝልዓለ ኮይኑ፡ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ፡ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ከይፍጸም፡ ሰራዊት ኣመሪካ ምስ ጣሊባን ብምዃን ይሰርሕ ምህላዉ ገሊጹ።
እንተኾነ እቲ መጥቓዕቲ፡ ነቶም ሰባት ብመዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ናይ ምውጻእ መስርሕ ክሓላልኾ ከምዝኽልእ እዩ ዝግመት።
ኣበዚ እዋን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል 5800 ኣመሪካውያን 1000 ብሪጣንያውያንን ወተሃደራት ይርከቡ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







