ኣፍጋኒስታን፡ ደቂኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ኣብ ገዛ ክጽነሓ ጣሊባን ሓቲቱ

ቡርካስ ዝለበሳ ኣፍጋናውያን ደቂኣንስትዮ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣፍጋኒስታውያን ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት፡ ንውሕስነተን ዘረጋግጽ ስርዓት ተግባራዊ ክሳዕ ዝኸውን ኣብ ገዛ ክጸንሓ ከም ዝግባእ ወሃቢ ቃል ጣሊባን ተዛሪቡ።

ወሃቢ ቃል ጣሊባነዕ ዛቢሁላህ ሙጃሂድ፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ መምርሒ ንግዚኡ ምዃኑ ሓቢሩ።

ክሳዕ 2001 ንኣፍጋኒስታን ኣብ ዝመርሓሉ ግዜ ሕሉፍ እስላማዊ ሕጋጋት ዘስገድድ ጣሊባን ቅድሚ ትሽዓተ መዓልትታት እዩ ደጊሙ ንመላእ እታ ሃገር ተቖጻጺሩ።

ሕቡራት ሃገራት፡ ጣሊባን ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ናይ ሞት መቕጻዕትን ቀይድታትን ዝርከብዎ ግፍዕታት ከም ዝፍጽም "ካብ እሙናት" ምንጭታት ጸብጻባት ከም ዝበጽሖ ገሊጹ እዩ።

ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባችለት፡ መሰላት ደቂኣንስትዮ "መሰረታዊ ቀይሕ መስመር" ምዃኑ ብምግላጽ ኣባላት ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝከታተል ኣካል ከቑሙ ብሰሉስ ተማሕጺና።

ንሳ ወሲኻ፡ ቀይድታት ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮን ቖልዑ ናብ ውትህድርና ምስላፍን ዝርከብዎም ጸብጻባት ካልኦት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝበጽሕዋ ንቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሓቢራ።

ኣፈኛ ጣሊባን ሰሉስ ኣማስዩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግና ዝኾነ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ደቂኣንስትዮ ተነቢሩ ዘሎ ቀይዲ ግዝያዊ ምዃኑ ተዛሪቡ።

ዛቢሁላህ ሙጃሂድ ኣብ ካቡል ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ "ናይ ጸጥታ ሓይልታትና፡ ንደቂኣንስትዮ ከመይ ክሕዙ ከም ዘለዎም፡ ብኸመይ ከምዛዛርቡወን ስልጠና ኣይተዋሃቦምን. . . ምሉእ ጸጥታ ተግባራዊ ክሳዕ እንገብር፡ ደቂኣንስትዮ ኣብ ገዛ ክጸንሓ ንሓትት" ኢሉ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣፍጋናውያን ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ንምእታው ይጽዕሩ 24 ነሓሰ 2021

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣፍጋናውያን ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ንምእታው ይጽዕሩ

ንሱ ወሲኹ ብምኽንያት እቲ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ዘሎ ዕግርግር ዜጋታት ኣፍጋኒስታን ናብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ክኸዱ ከም ዘይፍቀደሎም'ውን ሓቢሩ።

ናብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ክኣትው ክፍትኑ ዝጸንሑ ኣፍጋናውያን ናብ ቤቶም ክኸዱን ኣመሪካ ንእዖም ካብ ምትብባዕ ክትቁጠብን እቲ ኣፈኛ ሓቲቱ። ጣሊባን ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንደሓር ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ መዓልትታት ከባቢ 50,000 ወጻእተኛታትን ኣፍጋናውያንን ብመዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ኣቢሎም ካብታ ሃገር ኣምሊጦም ኣለው።

ሰባት ግዳይ ሕነ ምፍዳይ ይኾኑ ኣለው ንዝብል ጸብጻብ እቲ ኣፈኛ ክነጽግ ከሎ፤ "ንኹሉ ሕሉፍ ነገር ረሲዕናዮ ኢና" ኢሉ።

ኣመሪካን ምዕራባውያን መሻርኽታን ወተሃደራተን ካብታ ሃገር ድሕሪ ምስሓበን በርቃዊ መጥቃዕትታት ብምክያድ ናብ ስልጣን ዝተመለሰ ጉጅለ ጣሊባን፡ ንደቂኣንስትዮን ኣዋልድን ገለ ናጽነት ናይ ምዝራብ ከም ዝህብ ብምግላጽ ምስሉ ንከመሓይሽ ጻዕርታት ይገብር ኣሎ።

ቅድሚ 31 ነሓሰ ካብታ ሃገር ንምውጻእ ተስፋ ብምግባር ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ጌና ይጽበዩ ኣለው።

ፐረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ሰራዊቱ ካብ ኣፍጋኒስታን ክሳዕ 31 ነሓሰ ጠቕሊሉ ክወጽእ እዩ ትልሙ። ብሪጣንያ፡ ፈረንሳን ጀርመንን እቲ መዓልቲ ክናዋሕ ሓቲተን ኣለዋ።

ጸሐፊ ምክልኻል ብሪጣንያ በን ዋላስ ግና፡ ባይደን ነቲ መዓልቲ ከም ዘየናውሖ ተዛሪቡ። ጣሊባን እቲ መዓልቲ ከይናዋሕ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

ባይደን ሎሚ ሰሉስ ምስ መራሕቲ ናይተን ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ጉጅለ 7 ኣኼባ የካይድ ኣሎ።

ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣበዚ ዓመት ልዕሊ 550 ሽሕ ሰባት ብሰንኪ እቲ ኲናት ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም እዮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሓላፊ ስለያ ኣመሪካ - ሲኣይኤ ብሕቡእ ኣብ ካቡል ምስ መስራቲ ጣሊባን ሙላህ ባራዳር ርክብ ከም ዘካየደ፡ ዋሽንግተን ፖስት ብሰሉስ ጸብጺቡ።

እዚ እቲ ብኣመሪካ ዝድገፍ መንግስቲ ድሕሪ ምእላዩ፡ ዛጊት ኣብ መንጎ ኣመሪካን ጣሊባንን ዝተኻየደ ዝለዓለ ርክብ ምዃኑ'ውን ኣረጋጊጹ።