ኣፍጋኒስታን፡ ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ጠቅሊላ እትወጸሉ መዓልቲ ብምቕራቡ ኣብ መዋጥር ኣትያ ምህላዋ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣመሪካ፡ ሰራዊታን ነቶም ኣብ ውሽጢ ኣፍጋኒስታን ዝርከቡ ወጻእተኛታትን ንምወጻእ ክሳብ 31 ነሓሰ ኣብ ዘሎ ግዜ ከተጻፍፍ ምስ ጣሊባን ዝኣተወቶ ውዕል መዓልቲ ስለዝቐረበን፡ መዓልቲ ንምንዋሕ ዘቕረበቶ ሕቶ ብጣሊባን ተቐባልነት ስለዝሰኣነን፡ ኣብ ውሽጢ ኣፍጋኒስታ ዝርከቡ ወጻእተኛታት ኣብ ግምት ብምእታው ብሕጽረት ግዜ ኣብ መዋጥር ኣትያ ምህላዋ ተገሊጹ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ሰራዊት ኣመሪካ 31 ነሓሰ ካብ ኣፍጋኒስታን ክወጽእ ድዩ ኣይወጽእን ውሳነ ክህብ ምዃኑ ሓደ ብዓል መዚ ኣመሪካ ሓቢሩ። ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳን ጀርመንን ግን መዓልቲ ምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካ ክናዋሕ'የን ዝሓታ ዘለዋ።
ጣሊባን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ግን፡ ኣመሪካ ነቲ ስምምዕ ግሂሳ መዓልቲ ከተናውሕ እንተፈቲና ኣብ ልዕሊ ሰራዊታ ዝፍጸም ዝኾነ ይኩን ሓደጋ ባዕላ ኣመሪካ እያ ተሓታቲት ኢሎም ኣለው።
ክሳብ ሕጂ ዓሰርተታት ኣሸሓት ሰባት ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ናብ ካልእ ሃገር ተሰጋጊሮም ኣለዉ። ብዙሓት ኸኣ ኣብ ከባቢ እቲ ብሰራዊት ኣመሪካ ዝሕሎ ዘሎ መዓርፊ ነፈርቲ ካቡል ንኽወጽኡ ይጽበዩ ኣለዉ።
እቶም ክወጽኡ ዝሓቱ ዘለዉ መብዛሕትኦም ኣብ ትሕቲ ናይ ወጻኢ ትካላት ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣፍጋናውያን ኮይኖም፡ እቲ ተሪር እስለማዊ ሕጊ ኣታኣታትዩ ንኣፍጋኒስታን ካብ 1996 ክሳብ 2001 ዘመሓድራ ዝነበረ ጣሊባን መውጽኢ ሕኒኡ ከይገብሮም ዓቢ ፍርሒ ኣለዎም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ጅያን ይቭስ ለ ድርያን ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኮይኑ ንጋዜጤኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "በቲ ብኣመሪካ ዝተበጽሐ ስምምዕ [ሰራዊታ ጠቅሊሉ 31 ነሓሰ ክወጽእ] ኣዚና ተሻቒልና ኣለና፡ ነቲ ዘሎ ሰብ ናይ ምውጻእ ስርሒት ንምዝዛም ተወሳኺ ግዜ የድሊ'ዩ" ኢሉ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ህይኮ ማስ'ውን ብተመሳሳሊ፡ መዓርፊ ነፈርቲ ካቡል ድሕሪ 31 ነሓሰ'ውን ሰባት ንምግዓዝ ክፉት ኮይኑ ንኽጸንሕ ኣብ ዝብል ጉዳይ ምስ ኔቶን ምስ ጣሊባንን ከምዝተዛተየ ገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ምስ ጉጅለ 7 ኣብ ዝግበር ኣኼባ፡ ኣመሪካ ነቲ ናይ ምውጻእ መዓልቲ ንኸተናውሖ ክሓትት ምዃኑ ትጽቢት ይግበር።
ዓባይ ብርጣንያ ዝኾነ ናይ ወጻኢ ሰራዊት ብዘይ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ክጸንሕ ከምዘይክእል እያ ትገልጽ።
ኣማኸርቲ ወተሃደራዊ ስርሒታት ኣመሪካ፡ እቶም ኣብ ካቡል ዝርከቡ 5800 ወተሃደራት ኣመሪካ ምስ ወተሃደራዊ መሳርሒታቶም ንክወጽኡ ግዜ ስለዘድልዮም እቲ ውሳነ ቀልጢፉ መዕለቢ ክግበረሉ ከምዝምዕዱ ሲኤንኤን ኣቃሊሑ።
ብመሰረት ካብ ዋይት ሃውስ ዝተረኸበ ሓበሬታ ሰኑይ ካብ ሰዓት 7 ንግሆ ክሳብ ሰዓት ሸውዓተ ምሸት 10900 ሰባት ካብ ኣፍጋኒሰታት ብነፋሪት ከምዝወጽኡ ተገሊጹ። ብሓፈሻ ክሳብ ካብ 14 ነሓሰ ክሳብ ትማሊ ኣስታት 48 ሽሕ ሰባት ብኣየር ናብ ካልእ ሃገር ግዒዞም ኣለዉ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







