ብነፋሪት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ትወጽእ ዝነበረት ነፍሰጾር ኣብ ነፋሪት ሓሪሳ

ምንጪ ስእሊ, US Air Mobility Command
ብሰንኪ እቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘሎ ቀጻሊ ቅልውላው፡ ብነፋሪት ኣመሪካ ካብ ኣፋጋኒስታን ትወጽእ ዝነበረት ነፍሰጾር ኣብ ውሽጢ ነፋሪት ምሕራሳ ተገሊጹ።
ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ፡ እታ ብጽሕቲ ወርሒ ናብቲ ኣብ ጀርመን ዝርከብ ራምስተይን ዝተብሃለ ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ እናኸዱ እንከለዉ ሕማም ሕርሲ ከምዝተታሕዘት ገሊጹ።
እታ ነፋሪት ምስ ዓለበት ክኢላታት ሕክምና ብቅልጡፍ ናብታ ነፋሪት ብምድያብ ነታ ኣፍጋናዊት ሰበይቲ ኣብ ውሽጢ እታ ነፋሪት ከምዘሕረስዋ ተገሊጹ።
እታ ብሰላም ዝተገላገለት ወላዲትን እታ ናጽላን፡ ናብ ሕክምና ከምዝተወሰዳን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከባን'ውን ተሓቢሩ።
እታ ሰበይቲ፡ ኣብ ነፋሪት ኣብ ሰማያት እንከላ ሕማም ሕርሲ ምስ ተታሕዘት ትንፋስ ክሓጽራ ምስ ጀመረ፡ እቲ ኣብራሪ ነፋሪት ኣብ ውሽጢ እታ ነፋሪት ዝያዳ ኦክስጅንን ጸቅጢ ኣየርን ንምውሳኽ ካብቲ ንቡር ናብ ታሕቲ ለጠቅ ኢሉ ክበርር'ዩ ተገዲዱ።
"እቲ ውሳነ ናይቲ ኣብራሪ ህይወት ናይታ ኣፍጋናዊት ሰበይቲ ዘድሓነ ውሳነ እዩ ነይሩ" ይብል እቲ መግልጺ።
ሰራዊት ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ምስ ተቆጻጸራ፡ ንድሕነቶም ዝሰግኡ ኣሽሓት ኣፍጋናውያን ብመንግዲ ኣመሪካ ካብታ ሃገር ንክወጽኡ ኣብ ኣፍደገ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ከምዝርከቡ እዩ ዝግለጽ።
ኣብዚ እዋን መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጸዓር ሰራዊት ኣመሪካ እዩ ዝርከብ።
ዋይት ሃውስ ብቀዳም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ 17 ሽሕ ሰባት ብመንገዲ ሰራዊት ኣመሪካ በቲ መዓርፎ ነፈርቲ ናብ ካልእ ሃገር ምግዓዞም ጠቒሱ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ሰራዊት ኣመሪካ 31 ነሓሰ ጥቅሊሉ ካብ ኣፍጋኒስታን ከምዝወጽእ'ዩ ገሊጹ ዘሎ።
እንተኾነ ብዙሓት ሃገራት ዜጋታተንን ምስአን ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣፍጋናውያንን ካብ ኣፍጋኒስታን ንኸውጽኣ ኣመሪካ ነቲ መዓልቲ ከተናውሖ ይሓታ ኣለዋ።
ላዕለዋይ ሓላፊ ናይ ወጻኢ ፖሊስ ኣውሮጳዊ ሕብረት ጆሴፍ ቦረል ንኤኤፍፒ ብቀዳም ኣብ ዝሃቢ ሓበሬታ፡ "ክሳብ መወዳእታ እዚ ወርሒ 60 ሽሕ ሰባት ካብ ኣፍጋኒስታን ንኸውጽኡ እዩ እቲ ውጥን፡ እዚ ግን ኣብ ባይታ ዝከኣል ኣይኮነን" ኢሉ።
ጣሊባን፡ ነቲ ኣብ ውሽጥን ኣብ ከባብን መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ዝፍጠር ዘሎ ሕምስምስን ዕግርግርን ንኣመሪካ እዩ ተሓታቲት ዝገብር ዘሎ።
ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰብ መዚ ጣሊባን ዝኾነ ኣሚር ከሃን ሜታቂ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣመሪካ ምስዚ ኹሉ ሓይላን መሳርሒታኣትን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ጸጥትታን ስርዓትን ከተውሕስ ኣይክኣለትን፡ ኣብ መላእ ኣፍጋኒስታን ሰላምን ርግኣትን ዓሲሉ ኣሎ እንተኾነ ኣብቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ግን ዕግርግር ኣሎ" ኢሉ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







